ካብ ኣመሓዳሪ ኣካል እተላእከት ደብዳበ
ፍቑራት ብጾትና መሰኻኽር የሆዋ:-
ሃዋርያ ጳውሎስ ንኣመንቲ ብጾቱ ዘለዎ ፍቕርን ሞሳን ንምግላጽ ንዅሉ ኣጋጣሚታት ይጥቀመሉ ነበረ። ነቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት: “እምነትኩም ኣብ ኵላ ዓለም ስለ እተወርየት: ቅድሚ ዅሉ ብዛዕባ ዅላትኩም ንኣምላኸይ ብየሱስ ክርስቶስ ኤመስግኖ አሎኹ” ኢሉ ጸሓፈሎም። (ሮሜ 1:8) እወ: እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ኣብ ብምሉኡ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ በታ ድልድልቲ እምነቶምን በቲ ቕንኣት ዝመልኦ ንጥፈታት ስብከቶምን እዮም ዚፍለጡ ነይሮም። (1 ተሰ. 1:8) ጳውሎስ ንኣሕዋቱ ዓማቝ ፍቕሪ ምሕዳሩ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን።
ንሕና እውን ከም ጳውሎስ: ብዛዕባኹም ክንሓስብ ከለና ዅሉ ሳዕ ንየሆዋ ነመስግኖ ኢና። ንዅላትኩም ኣዚና ኢና እነፍቅረኩም! የሆዋ ንዓኻትኩም ብብሕቲ እውን ከም ዜፍቅረኩም ክትተኣማመኑ ትኽእሉ ኢኹም። ገሌኻትኩም ከቢድ ምጽራር የጋጥመኩም እኳ እንተሎ: ስብከትኩም ኣየቋረጽኩምን። ትብዓትኩምን ዘይምፍራህኩምን ንልቢ የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኣሐጒስዎ ኪኸውን ኣለዎ!—ምሳ. 27:11
ጐይታና የሱስ ክርስቶስ “እናሰዐረስ ኪስዕር” ምዃኑ: ንሰዓብቲ ክርስቶስ ንኺወግኡሉ እተሰርሐ ዅሉ ኣጽዋር ድማ ከም ዘይጠቅም ዜርኢ እኹል መርትዖ ኣብ ዓመት መጽሓፍ ክንረክብ ንኽእል ኢና።—ራእ. 6:2፣ ኢሳ. 54:17
ጳውሎስ ኣብ ፊልጲ ንዝነበሩ ክርስትያናት: “ስለቲ ሕብረትኩም ንምስፋሕ ወንጌል” “ንኣምላኸይ ኤመስግን አሎኹ” ኢሉ ጸሓፈሎም። (ፊል. 1:3-5) ንሕና ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል ብዛዕባኹም ተመሳሳሊ እዩ ዚስምዓና። ኣብ ዓመት ኣገልግሎት 2007: ኣብ ብዘላ ምድሪ ኣብ ዚርከባ 236 ሃገራት ዘለዉ 6,691,790 ኣስፋሕቲ ብድምር 1,431,761,554 ሰዓት ኣብ ስብከት እቲ ብስራት ኣሕሊፎም። ነቲ ብስራት ንምዝርጋሕ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ኣበርክቶ ዀን ኢኹም እትገብሩ ዘለኹም! ብዛዕባ እቶም በቲ ሓባራዊ ጻዕርኹም ህይወቶም እተተንከፈ ብኣማእታት ኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት እሞ ሕስብ ኣብሉ! እዚ ዅሉ ድማ ንውዳሰ የሆዋ እዩ።
ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ: ጳውሎስ ንኣሕዋቱ ኣመና ኸም ዚሓልየሎም ኣርእዩ ነይሩ። ንሰብ ተሰሎንቄ: “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽናን ኣቦናን ነቲ . . . ትዕግስቲ ተስፋኹምን ኣብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ከየብኰርና ኣብ ጸሎትና ዅሉ ሳዕ እናዘከርናኩም” ኢሉ ጸሓፈሎም። (1 ተሰ. 1:2, 3) እወ: ኣብ ህይወት ብዙሕ ጸገማት የጋጥም እዩ። ጸገማት እኳ እንተ ኣጋጠመ: ክንዕገስ ወይ ክንጽመም ኣሎና። እንታይ ጸገማት እዩ ዜጋጥመኩም ዘሎ፧ እቲ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ኽትዓይዎ እትኽእሉ ዝነበርኩም ብሰንኪ ኸቢድ ሕማም ስለ እተደረተ ትበሳጨዉ ኣለኹም ዲኹም፧ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ሓዳርኩም ብጻይ ኰይኑኩም ዝነበረ መጻምድትኹም ግዳይ እቲ ዘይጸግብ ጸላኢ እተባህለ ሲኦል ኰይኑ ድዩ፧ (ምሳ. 30:15, 16) ብጐይታ ጥራይ ንኽትምርዓዉ እተዋህበኩም ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ብተኣማንነት እናሰዓብኩም: ከምታ ንየሆዋ ዘላትኩም ፍቕሪ ዘላቶ ኣብ ሓዳርኩም ብጻይ ዚዀነኩም ኣናዲኹም ዘይረኸብኩም ዲኹም፧ (1 ቈረ. 7:39) ንደቅኹም ኣብ ኣመና ኣጸጋሚ ቝጠባዊ ዅነታት ከተዕብዩ እትጽዕሩ ዘለኹም ዲኹም፧ ኵነታትኩም እዚ ይኹን እቲ: ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ቀዳምነት እንተ ሂብኩምዎ: የሆዋ ነቲ “ግብርኹም ንስሙውን ዝገበርኩምዎ ፍቕርኹም” ከም ዘይርስዖ ርግጸኛታት ክትኰኑ ትኽእሉ ኢኹም። ኣሕዋትን ኣሓትን: በጃኻትኩም ‘ንሰናይ ግብሪ ኣይትሰልክዩ።’—እብ. 6:10፣ ገላ. 6:9
ንኽትጽመሙ ዚሕግዘኩም እንታይ እዩ፧ ከም ሰብ ተሰሎንቄ: እቲ ‘ኣብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ዘለኩም ተስፋ’ እዩ። ጳውሎስ ጸኒሑ “ተስፋ ምድሓን” ምስቲ ንክርስትያን ካብ ኣሉታዊ ሓሳባትን ዚርብሽ ጥርጣረታትን ዜዕቍብ ድልዱል ቍራዕ ርእሲ ንኼመሳስል እኹል ምኽንያት ነይርዎ እዩ።—1 ተሰ. 5:8
ብታሕጓስ ብምጽማምኩም: ነቲ ሰይጣን ኣብቲ ዓብዪ ጕዳይ ልዑላውነት ዚጻረፎ ጸርፊ ምላሽ ትህብዎ ኢኹም ዘለኹም። ሰይጣን ብዛዕባ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብተፈጥሮኦም ንርእሶም ዚጥዕሞም ጥራይ ዚደልዩ: ዋላ እውን ንኣምላኽ ንእተወሰነ ግዜ ኼገልግልዎ እንተ ደለዩ: ፈተናታት እንተ በዚሕዎም ወይ እዚ ስርዓት እዚ ኻብቲ ትጽቢት እተገብረሉ ንዝነውሐ ግዜ እንተ ቐጺሉ ኣምልኾኦም ከም ዚዳኸም ይዛረብ እዩ። ድያብሎስ ዝወጸሉ ሓሳዊ ምዃኑ ናይ ምቅላዕ ፍሉይ ኣጋጣሚ ኣሎኩም! ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ኽትሓልፍ ከላ: ናብ ተስፋኹም ትቐርቡ ኢኹም ዘለኹም።
ከምቲ ጳውሎስ ንኣሕዋቱ ስለታ ድልድልቲ እምነቶምን ስለቲ ንዕዮ ስብከት ብልግሲ ዝገበርዎ ውጽኢትን ስለቲ ትዕግስቶምን ንኺንእዶም ዝረኸቦ ኣጋጣሚ ብሓጐስ እተጠቕመሉ: ንሕና እውን ንኽንእደኩምን ንዓኻትኩም ዘላትና ፍቕሪ ንኸነረጋግጸልኩምን ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ብምርካብና ንሕጐስ ኢና። ሰናይ ግብሪ ምግባር ቀጽሉ!
እዛ ዓመት እዚኣ ብዙሕ መንፈሳዊ በረኸት ዝመልኣ ይግበራ። ሰናይ ትምኒትና ይብጻሕኩም።
ኣሕዋትኩም:
ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር