መዝሙር 82
‘ብርሃንኩም ይብራህ’
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
1. ብርሃንና ኺበርህ
ኣዚዙ የሱስ፣
ብርሃንና ድሙቕ’ዩ፡
ልቢ ዚፍውስ።
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ’ዩ፡
ዚስማዕ ሰላም።
ንሰባት ናይ ዘልኣለም
ህይወት ዚህቦም።
2. ቃል መንግስቲ ኣምላኽ
ይብጻሕ ኣብ ኵሉ፣
ብርሃንና ዘይብሉ
ስፍራ ኣይሃሉ።
ኣብ ስብከት ንመራሕ
ብቕዱስ ቃሉ፣
’ቲ ዚደልይዎ ምሕራይ
ናቶም ’ደኣሉ።
3. ብርሃንና ይርአ
ብሰናይ ግብሪ፣
ኣፍ በይኑ ኣይኰነን
ዚገልጽ ፍቕሪ።
’ሞ ብርሃንና ይብራህ
ብቕኑዕ ተግባር፣
ኣብ ልቢ ኣምላኽና’ውን፡
ሓጐስ ነሕድር።
(መዝ. 119:130፣ ማቴ. 5:14, 15, 45፣ ቈሎ. 4:6 እውን ርአ።)