ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w24 ሕዳር ገጽ 31
  • ስሩዕ መጽናዕቲ ንምግባር ዚሕግዘካ ነገራት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ስሩዕ መጽናዕቲ ንምግባር ዚሕግዘካ ነገራት
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ዚኸውን ናይ ስድራቤት መደብ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
  • ርእስኻ ኣይትቐይድ—ብስራሕ ትሑዝ ምስ እትኸውን
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2012
  • ንዅሉ ዚኸውን ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ—ኣገዳሲ ጉዳይ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
w24 ሕዳር ገጽ 31
ሓንቲ ሓብቲ ኣብ ቅድሚኣ ላፕቶፕን መጽሓፍ ቅዱስን መዘኻኸሪ እትምዝግበሉ ደብተርን ገይራ ብሕታዊ መጽናዕቲ ትገብር። ነቲ ኣብ “ትርጉም ሓዳስ ዓለም” ኣብ መመላእታ ጽሑፍ ለ9 ዚርከብ፡ “ዳንኤል እተነበየሎም ሓይልታት ዓለም” ዘርእስቱ ሰሌዳ ኸኣ ትጥቀመሉ።

ስሩዕ መጽናዕቲ ንምግባር ዚሕግዘካ ነገራት

ብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብስሩዕ ምግባርን ባህ ዜብል ከም ዚኸውን ምግባርን የጸግመካዶ፧ ኵላትና ኸምኡ እተሰምዓና እዋን ነይሩ እዩ። ብዛዕባ እቲ ኣዘውቲርካ እትገብሮ ኻልእ ነገራት እሞ ሕሰብ። ንኣብነት፡ ምሕጻብ ሰብነት እስከ ንውሰድ። ሰብነትካ ኽትሕጸብ ግዜን ጻዕርን ይሓትት እዩ፣ ድሕሪኡ ግና፡ መንፈስካ እዩ ዚሕደስ! መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንገብር ከለና እውን፡ ‘በቲ ቓል ጌርና ብማይ ስለ እንሕጸብ፡’ እዚ ንመንፈስና ኺሕድሶ ይኽእል እዩ። (ኤፌ. 5:26) ኣብዚ መዳይ እዚ ኺሕግዝ ዚኽእል ሓሳባት እስከ ንርአ፦

  • መደብ ግበር። ብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ ኻብቲ ክርስትያናት ዕሽሽ ኪብልዎ ዘይግባእ “ዚሓይሽ” ነገራት እዩ። (ፊል. 1:10) ስለዚ፡ ንመደብካ ምእንቲ ኽትስዕቦ፡ ብቐሊሉ ኣብ ዚርአ ቦታ፡ ንበል ኣብ ሰሌዳ ወይ ኣብ ፍሪጅ ንምንታይ ዘይትልጥፎ፧ ወይ ከኣ ሰዓት መጽናዕቲ ኪቐርብ ከሎ ዚሕብረካ መዘኻኸሪ ኣብ ሞባይልካ ኽትመልእ ትኽእል ኢኻ።

  • መምስ ኵነታትካ ተዋሃሃድ። ንንውሕ ዝበለ ግዜ ኸተተኵር ድዩ ዚቐልለካ፡ ወይስ ሕጽር ዝበለ ተደጋጋሚ መጽናዕቲ ምግባር፧ ንዅነታትካ ባዕልኻ ኢኻ እትፈልጦ። ስለዚ፡ መምስ ኵነታትካ ተዋሃሃድ። ግዜ መጽናዕቲ ምስ ኣኸለ እንተ ዘይተበሪሁካ፡ ንምንታይ ንዓሰርተ ደቒቕ ጥራይ ዘይተጽንዕ፧ እዚ ሓጺር እኳ እንተ ዀነ፡ ካብ ዘይምጽናዕ ይሓይሽ። ሓንሳእ ምስ ጀመርካዮ ድማ፡ ጥዒሙካ ትቕጽል ትኸውን።—ፊል. 2:13።

  • ኣቐዲምካ ርእሰ ነገራት ሕረ። ንመጽናዕቲ ኾፍ ምስ በልካ እንታይ ከም እተጽንዕ ትሓስብ እንተ ዄንካ፡ ‘ንግዜኻ ብዝበለጸ ትጥቀመሉ’ ኣይኰንካን ዘለኻ። (ኤፌ. 5:16) እሞ ደኣ ዝርዝር እቲ ኸተጽንዖ እትደሊ ዓንቀጻት ወይ ርእሰ ነገራት ንምንታይ መዝጊብካ ዘይትሕዝ፧ ሕቶ እንተ መጺኡካ፡ መዝግቦ። መጽናዕቲ መምስ ወዳእካ ኸኣ፡ እንታይ ከተጽንዕ ከም እትደሊ ኣብቲ ዝርዝር ክትውስኾ ትኽእል ኢኻ።

  • ተዓጻጻፊ ኹን። መደብካ ተዓጻጻፊ ኸም ዚኸውን ክትገብሮ ፈትን። ንኣብነት፡ ኣብቲ ኣብ መጽናዕቲ እተሕልፎ ንውሓት ግዜ ወይ ኣብቲ እትሓርዮ ርእሰ ነገራት ተዓጻጻፊ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። እቲ ልዕሊ ዅሉ ዜገድስ፡ መዓስ፡ ክንደይ ዚኣክል፡ ወይ እንታይ ኣጽኒዕካ ዘይኰነስ፡ መጽናዕትኻ ስሩዕ ምዃኑ እዩ።

ካብ ስሩዕ መጽናዕቲ ብዙሕ ኢና እንጥቀም። በዚ ኸምዚ፡ ንየሆዋ ንቐርቦ፡ ከመይ ጌርና ብጥበብ ከም እንመላለስ ንምሃር፡ መንፈስና እውን ይሕደስ።—እያ. 1:8።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ