ዘፍጥረት 9:6 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 6 ኣምላኽ ንሰብ ብመልክዑ ገይርዎ እዩ እሞ፡+ እቲ ደም ሰብ ዜፍስስ፡ ደሙ ብሰብ ኪፈስስ እዩ።+ ዘጸኣት 21:12 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 12 “ንሰብ ወቒዑ ዝቐተለ፡ ይቀተል።+ ዘሁልቍ 35:31 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 31 ሞት ዚግብኦ ቐታል ነፍሲ ብርግጽ ይቀተል ደኣ እምበር፡ ካብኡ ጋር ነፍሲ* ኣይትቀበሉ።+ ዘዳግም 19:11-13 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 11 “ግናኸ፡ ሰብ ንብጻዩ እንተ ጸሊእዎ፡+ ኣድብዩ ጸኒሑ ኸኣ ክሳዕ ዚመውት እንተ ወቒዕዎ፡* ናብ ሓንቲ ኻብዘን ከተማታት እዚአን ከኣ እንተ ሃዲሙ፡ 12 ዓበይቲ ኸተማኡ ልኢኾም ካብኡ ይውሰድዎ፡ ኣብ ኢድ እቲ ፈዳይ ደም ድማ ኣሕሊፎም ይሃብዎ፡ ይሙት ከኣ።+ 13 ጽቡቕ ምእንቲ ኪዀነልካ፡ ነቲ ዕዳ ንጹህ ደም ካብ እስራኤል ኣርሕቆ+ እምበር፡ ኣይትደንግጸሉ።*
11 “ግናኸ፡ ሰብ ንብጻዩ እንተ ጸሊእዎ፡+ ኣድብዩ ጸኒሑ ኸኣ ክሳዕ ዚመውት እንተ ወቒዕዎ፡* ናብ ሓንቲ ኻብዘን ከተማታት እዚአን ከኣ እንተ ሃዲሙ፡ 12 ዓበይቲ ኸተማኡ ልኢኾም ካብኡ ይውሰድዎ፡ ኣብ ኢድ እቲ ፈዳይ ደም ድማ ኣሕሊፎም ይሃብዎ፡ ይሙት ከኣ።+ 13 ጽቡቕ ምእንቲ ኪዀነልካ፡ ነቲ ዕዳ ንጹህ ደም ካብ እስራኤል ኣርሕቆ+ እምበር፡ ኣይትደንግጸሉ።*