ሓሙስ 11 መስከረም
መርትዖ እታ ንዓታቶም ዘላትኩም ፍቕሪ ኣርእዩ።—2 ቈረ. 8:24።
ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ከም ፈተውትና ጌርና ብምቕባል ፍቕሪ ኸነርኢ ንኽእል ኢና። (2 ቈረ. 6:11-13) መብዛሕትና ኣብ ጉባኤታትና ኻብ እተፈላለየ ድሕረ ባይታ ዝመጹን እተፈላለየ ስብእና ዘለዎምን ኣሕዋትን ኣሓትን ኣለዉና። ኣብ ጽቡቕ ባህርያቶም እንተ ኣተኵርና፡ ንዅላቶም ዘሎና ፍቕሪ ኸነሐይል ንኽእል ኢና። ንሰባት ከምቲ የሆዋ ዚርእዮም ጌርና እንተ ርኢናዮም ከም እነፍቅሮም ነመስክር ኢና። ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ ፍቕሪ ወሳኒ ግደ ኺህልዋ እዩ። እቲ ጸበባ እቲ ምስ ጀመረ፡ ኣበይ ኢና ዕቝባ እንረክብ፧ ኣብ ልዕሊ ጥንታዊት ባቢሎን መጥቃዕቲ ምስ ተፈነወ፡ የሆዋ ንህዝቡ ኸምዚ ዚስዕብ ኪገብሩ እዩ ትእዛዝ ሂብዎም፦ “ኣቱም ህዝበይ፡ ኪዱ፡ ናብ ውሽጣዊ ኽፍልታትኩም እተዉ፡ ማዕጾኹም እውን ብድሕሬኹም ዕጸዉ። ቍጥዓ ኽሳዕ ዚሓልፍ፡ ንሓጺር ህሞት ተሓብኡ።” (ኢሳ. 26:20) እቲ ብርቱዕ ጸበባ ምስ ጀመረ፡ ንሕና እውን ነዚ መምርሒ እዚ ኽንትግብር የድልየና ይኸውን። w23.07 6-7 ¶14-16
ዓርቢ 12 መስከረም
ትርኢት እዛ ዓለም እዚኣ ይልወጥ እዩ ዘሎ።—1 ቈረ. 7:31።
ሚዛናውያን ዚብል ስም ይሃሉኹም። ከምዚ ዚስዕብ ኢልና ገዛእ ርእስና ኽንሓትት ንኽእል ኢና፦ ‘ሰባት ንዓይ ከም ሚዛናውን ልዙብን ከኣልን ገይሮም ድዮም ዚርእዩኒ፡ ወይስ ከም ተሪርን ሕሱምን ዘይዕጸፍን፧ እሰምዖምን ግቡእ ኪኸውን ከሎ ድሌቶም እገብረሎምን ደየ፧’ እቲ ሚዛናውያን እንዀነሉ ደረጃ፡ ነቲ ንየሆዋን ንየሱስን እንመስለሉ መጠን እዩ ዜንጸባርቕ። ሚዛናውነት ኪብሃል ከሎ፡ ናይ ኵነታት ለውጢ ኣብ ዚህልወሉ እዋን ተዓጻጻፊ ምዃን የጠቓልል። ለውጥታት ዘይተጸበናዮ ጸገማት ኪፈጥረልና ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ህጹጽ ናይ ጥዕና ጸገም ኬጋጥመና ይኽእል እዩ። ወይ ድማ ኣብ ቍጠባዊ ወይ ኣብ ፖለቲካዊ ሃዋህው ዚፍጠር ሃንደበታዊ ዅነታት ንህይወትና ምሉእ ብምሉእ ኪርብሾ ይኽእል እዩ። (መክ. 9:11) ዋላ እውን ኣብ ቲኦክራስያዊ ምድብ ዚግበር ለውጢ ኺፍትነና ይኽእል እዩ። ነዚ ዚስዕብ ኣርባዕተ ስጕምቲ እንተ ወሲድና፡ ምስቲ ሓድሽ ኵነታት ክንወሃሃድ ንኽእል ኢና። እዚ ስጕምትታት እዚ ድማ፦ (1) ንኽውንነት ተቐበሎ፡ (2) ናብ መጻኢ ጠምት፡ (3) ኣብ ኣወንታዊ ነገራት ኣተኵር፡ (4) ንኻልኦት ሰናይ ግበር ዚብል እዩ። w23.07 21-22 ¶7-8
ቀዳም 13 መስከረም
ንስኻ ኣዚኻ እተፈቶኻ ኢኻ።—ዳን. 9:23።
ነብዪ ዳንኤል ብባቢሎናውያን ተማሪኹ፡ ካብ ዓዱ ናብ ርሑቕ ኣብ እተወስደሉ እዋን ገና መንእሰይ እዩ ነይሩ። እንተዀነ ግና፡ ማረኽቱ ብእኡ ተደነቑ። ንሳቶም ነቲ ብኣዒንቲ ‘ዚርአ’ እዮም ርእዮም፣ ማለት፡ ዳንኤል ‘ጕድለት ዘይብሉን ጽቡቕ ዝትርኢቱን’ ምዃኑ፡ ካብ እንዳ ዓበይቲ እውን ምዃኑ እዮም ርእዮም። (1 ሳሙ. 16:7) በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ካብቶም ዝለዓሉ ኣባላት እቲ ማሕበረ ሰብ ኪኸውን ኣሰልጠንዎ። (ዳን. 1:3, 4, 6) የሆዋ ንዳንኤል በቲ ኻብ ንእስነቱ ዝነበሮ ስብእና እዩ ፈትይዎ። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ ማዕረ እቶም ኣብ ቅድሚኡ ንሓያሎ ዓመታት ጽቡቕ ስም ዝሃነጹ ኖህን እዮብን ገይሩ ኣብ ዝጠቐሰሉ እዋን፡ ዳንኤል ኣብ መወዳእታ 10ታት ወይ መጀመርታ 20ታት ዕድሚኡ እዩ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል። (ዘፍ. 5:32፣ 6:9, 10፣ እዮ. 42:16, 17፣ ህዝ. 14:14) ድሕርዚ እውን፡ የሆዋ ንዳንኤል ኣብ ብምሉኡ እቲ ነዊሕን ዜደንቕን ህይወቱ ይፈትዎ ነይሩ እዩ።—ዳን. 10:11, 19። w23.08 2 ¶1-2