7 ንፍርቂ ነገድ ምናሴ ኸኣ፡ ሙሴ ኣብ ባሳን ርስቲ ሂብዎም ነበረ፣+ ነቲ ፍርቁ ድማ፡ እያሱ ብሸነኽ ምዕራብ ዮርዳኖስ፡+ ምስ ኣሕዋቶም ርስቲ ሃቦም። እያሱ ናብ ድንኳናቶም ኪሰድዶም ከሎ ኸኣ፡ መረቖም፡ 8 ከምዚ እውን በሎም፦ “ምስ ብዙሕ ሃብትን ምስ ኣዝየን ብዙሓት ማልን ምስ ብሩርን ወርቅን ነሓስን ሓጺንን ኣዝዩ ብዙሕ ክዳውንትን ናብ ድንኳናትኩም ተመለሱ።+ ነቲ ምርኮ ጸላእትኹም ምስ ኣሕዋትኩም ተማቐልዎ።”+