4 “ናብኡ ዚሃድም ቀታሊ ብህይወት ምእንቲ ኺነብር፡ ከምዚ ይገበር፦ ብዘይፍላጥ ንብጻዩ እንተ ወቒዕዎ እሞ፡ ኣቐዲሙ ጽልኢ እንተ ዘይነይርዎ፡+ 5 ንኣብነት፡ ዕንጨይቲ ኺኣሪ ምስ ብጻዩ ናብ ዱር እንተ ወፊሩ፡ ብፋስ ኦም ኪቘርጽ ኢዱ ምስ ኣልዓለ፡ እቲ ሓጺን ካብ ሓኽሊ ተነጺሉ ነቲ ብጻዩ እንተ ወቒዕዎ እሞ ንሱ እንተ ሞይቱ፡ እቲ ሰብ ዝቐተለ ብህይወት ኪነብርሲ፡ ናብ ሓንቲ ኻብዘን ከተማታት እዚአን ይህደም።+