ዘጸኣት 21:14 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 14 ሰብ ንብጻዩ ኣዝዩ እንተ ተቘጢዕዎ እሞ፡ ብፍላጥ እንተ ቐቲልዎ፡+ ዋላ እውን ካብ መሰውእየይ ኣውጽኣዮ እሞ፡ ይቀተል።+ ዘዳግም 19:11, 12 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 11 “ግናኸ፡ ሰብ ንብጻዩ እንተ ጸሊእዎ፡+ ኣድብዩ ጸኒሑ ኸኣ ክሳዕ ዚመውት እንተ ወቒዕዎ፡* ናብ ሓንቲ ኻብዘን ከተማታት እዚአን ከኣ እንተ ሃዲሙ፡ 12 ዓበይቲ ኸተማኡ ልኢኾም ካብኡ ይውሰድዎ፡ ኣብ ኢድ እቲ ፈዳይ ደም ድማ ኣሕሊፎም ይሃብዎ፡ ይሙት ከኣ።+
11 “ግናኸ፡ ሰብ ንብጻዩ እንተ ጸሊእዎ፡+ ኣድብዩ ጸኒሑ ኸኣ ክሳዕ ዚመውት እንተ ወቒዕዎ፡* ናብ ሓንቲ ኻብዘን ከተማታት እዚአን ከኣ እንተ ሃዲሙ፡ 12 ዓበይቲ ኸተማኡ ልኢኾም ካብኡ ይውሰድዎ፡ ኣብ ኢድ እቲ ፈዳይ ደም ድማ ኣሕሊፎም ይሃብዎ፡ ይሙት ከኣ።+