ዘሁልቍ 30:2 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 2 ሰብ ንየሆዋ መብጽዓ እንተ ተመባጺዑ፡+ ወይ ኪሕረም ብምምብጻዕ ማሕላ እንተ ምሒሉ፡*+ ቃሉ ኣየፍርስ።+ ንዅሉ እቲ ኺገብሮ እተመባጽዖ ይግበሮ።+ መክብብ 5:4 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 4 ኣምላኽ ብዓያሹ ባህ ኣይብሎን እዩ እሞ፡+ ንዕኡ እንተ ተመባጺዕካሉ፡ ንምፍጻሙ ኣይትደንጒ።+ ነቲ እተመባጻዕካዮ፡ ፈጽሞ።+