ዘሁልቍ 1:53 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 53 ሌዋውያን ከኣ፡ ኣብ ልዕሊ ኣኼባ እስራኤላውያን ቍጥዓ ምእንቲ ኸይልዓል፡ ኣብ ዙርያ ማሕደር ምስክር ይስፈሩ።+ ሌዋውያን ድማ ነቲ ማሕደር ምስክር ዘለዎም ሓላፍነት ይሰከሙ።”*+ ዘሁልቍ 3:32 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 32 ርእሲ ሹማምንቲ ሌዋውያን ድማ ኣልኣዛር+ ወዲ ኻህን ኣሮን ነበረ። ንሱ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ክንክን መቕደስ ሓላፍነት ዝነበሮም፡ ሓላዊ* ነበረ። ዘሁልቍ 18:4 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 4 ምሳኻ ዀይኖም፡ ብዛዕባ እቲ ድንኳን ምርኻብን ኵሉ ኣገልግሎት እቲ ድንኳንን ዘለዎም ሓላፍነት ይፈጽሙ፣ ዘይተፈቕደሉ ሰብ* ከኣ ናባኻትኩም ኣይቕረብ።+
53 ሌዋውያን ከኣ፡ ኣብ ልዕሊ ኣኼባ እስራኤላውያን ቍጥዓ ምእንቲ ኸይልዓል፡ ኣብ ዙርያ ማሕደር ምስክር ይስፈሩ።+ ሌዋውያን ድማ ነቲ ማሕደር ምስክር ዘለዎም ሓላፍነት ይሰከሙ።”*+