ዘጸኣት 13:21 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 21 የሆዋ ኸኣ መዓልትን ለይትን ምእንቲ ኺጕዓዙ፡+ ብመዓልቲ መገዲ ኺመርሖም ብዓንዲ ደበና፡ ብለይቲ ድማ ኬብርሃሎም ብዓንዲ ሓዊ ቐቅድሚኦም ይኸይድ ነበረ።+ ዘጸኣት 23:20 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 20 “ኣብ መገዲ ኺሕልወካን ናብታ ዘዳለኽዋ ቦታ ኼእትወካን+ መልኣኸይ ቀቅድሜኻ እልእኽ ኣለኹ።+ ዘጸኣት 29:45 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 45 ኣብ መንጎ ህዝቢ እስራኤል ክነብር፡* ኣምላኾም ከኣ ክኸውን እየ።+ ኢሳይያስ 8:10 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 10 ውጥን ምሃዙ፣ ግናኸ፡ ኪተዓናቐፍ እዩ! ዝደለኹምዎ በሉ፣ ግናኸ፡ ኣይኪሰልጥን እዩ! ከመይሲ፡ ኣምላኽ ምሳና እዩ!*+