ዘፍጥረት 29:35 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 35 መሊሳ ኸኣ ጠነሰት፡ ወዲ እውን ወለደት፣ “ሕጅስ ንየሆዋ ኽውድሶ እየ” ኢላ ስሙ ይሁዳ* ኣውጽኣትሉ።+ ድሕርዚ፡ ምውላድ ኣቋረጸት። ዘፍጥረት 46:12 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 12 ደቂ ይሁዳ፡+ ዔርን ኦናንን ሸላሕን+ ፋሬስን+ ዜራሕን።+ ዔርን ኦናንን ግና ኣብ ምድሪ ከነኣን ሞቱ።+ ደቂ ፋሬስ፡ ሔጽሮንን ሓሙልን።+