2 ሳሙኤል 22:31 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 31 መገዲ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ፍጽምቲ እያ፣+ቃል የሆዋ እተጻረየ እዩ።+ ንዅሎም እቶም ዚምዕቈብዎ ዋልታኦም እዩ።+ መዝሙር 18:2 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 2 የሆዋ ኸውሐይን ዕርደይን መናገፍየይን እዩ።+ ኣምላኸይ ዝምዕቈበሉ ኸውሐይ፡+ዋልታይን ቀርኒ* ድሕነተይን፡* እምባይ* እዩ።+ መዝሙር 19:7 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 7 ሕጊ የሆዋ ፍጹም እዩ፡+ ሓይሊ የሐድስ።*+ መዘኻኸሪታት የሆዋ እሙን እዩ፡+ ንዘይለበመ የጥብቦ።+ ያእቆብ 1:17 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 17 ኵሉ ጽቡቕ ውህበትን ኵሉ ፍጹም ውህበትን ካብ ላዕሊ፡+ ካብቲ ኸም ዚለዋወጥ ጽላሎት ዘይቀያየር ወይ ዘይለዋወጥ*+ ኣቦ ሰማያዊ ብርሃናት እዩ ዚወርድ።+