12 እቶም እስራኤላውያን ዝሰዓርዎም እሞ፡ ብሸነኽ ምብራቕ ዮርዳኖስ ዘላ ምድሮም፡ ካብ ስንጭሮ ኣርኖን+ ክሳብ ከረን ሄርሞንን+ ንምብራቕ ዘሎ ዅሉ ዓራባን፡+ ርስቶም ክትከውን ዝወሰዱሎም ነገስታት እታ ምድሪ እዚኣቶም እዮም፦ 2 እቲ ኣብ ሔስቦን ዚነብር ዝነበረ፡ ካብታ ኣብ ገምገም ስንጭሮ ኣርኖን+ ዘላ ዓሮዔር፡+ ካብ ማእከል እቲ ስንጭሮን ፍርቂ ጊልዓድን ክሳብ እቲ ዶብ ዓሞናውያን ዝዀነ ስንጭሮ ያቦቅ ከኣ ዝገዝአ ሲሆን+ ንጉስ ኣሞራውያን።