33 ተመሊሶም ከኣ ብመገዲ ባሳን ደየቡ። ዖግ+ ንጉስ ባሳን ከኣ ምስ ኵሉ ህዝቡ ኣብ ኤድረይ ብውግእ ኪቀባበሎም ወጸ።+ 34 የሆዋ ድማ ንሙሴ፡ “ንዕኡን ንዅሉ ህዝቡን ንምድሩን ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ እሞ፡+ ኣይትፍርሃዮ።+ ከምቲ ነቲ ኣብ ሔስቦን ዚነብር ዝነበረ ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያን ዝገበርካዮ ኸኣ፡ ከምኡ ኽትገብሮ ኢኻ” በሎ።+ 35 ንሳቶም ድማ ንዕኡ ምስ ደቁን ምስ ኵሉ ህዝቡን ሓደ ኻብ ህዝቡ ኽሳዕ ዘይተርፍ ወቕዕዎ፣+ ምድሩ ኸኣ ተረስተዩ።+