ዘጸኣት 22:22-24 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 22 “ንመበለት ወይ ንዘኽታም* ኣይትግፍዑ።+ 23 እንተ ገፊዕካዮ እሞ፡ ናባይ እንተ ጠሪዑ፡ ጥርዓኑ ርግጽ ክሰምዕ እየ፣+ 24 ቍጥዓይ ከኣ ኪነድድ እዩ፣ ብሰይፊ ድማ ክቐትለኩም እየ። ሽዑ፡ ኣንስትኹም መበለታት፡ ደቅኹም ከኣ ዘኽታማት ይዀኑ። ዘዳግም 10:17, 18 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 17 የሆዋ ኣምላኽኩምሲ ኣምላኽ ኣማልኽቲ፡+ ጐይታ ጐይተት፡ ዓብይን ሓያልን ዜፍርህን ኣምላኽ፡ ዘየዳሉን+ ጉቦ ዘይቅበልን እዩ። 18 ንሱ ንዘኽታምን* ንመበለትን ፍትሒ የውጽእ፡+ ንጓና ኸኣ የፍቅር፡+ እንጌራን ክዳንን እውን ይህቦ። መዝሙር 10:14 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 14 ንስኻ ግና ሽግርን ጭንቅን ትርኢ። ነዚ ትጥምቶ እሞ ኣብ ኢድካ ተእትዎ።+ መከረኛ ናባኻ የብል፣+ረዳኢ ዘኽታም* ንስኻ ኢኻ።+ መዝሙር 146:9 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 9 የሆዋ ንጓኖት የዕቍቦም፣ንዘኽታምን ንመበለትን ይኣልዮም፣+ውጥናት እኩያት ግና ይዓናቕፍ።*+
22 “ንመበለት ወይ ንዘኽታም* ኣይትግፍዑ።+ 23 እንተ ገፊዕካዮ እሞ፡ ናባይ እንተ ጠሪዑ፡ ጥርዓኑ ርግጽ ክሰምዕ እየ፣+ 24 ቍጥዓይ ከኣ ኪነድድ እዩ፣ ብሰይፊ ድማ ክቐትለኩም እየ። ሽዑ፡ ኣንስትኹም መበለታት፡ ደቅኹም ከኣ ዘኽታማት ይዀኑ።
17 የሆዋ ኣምላኽኩምሲ ኣምላኽ ኣማልኽቲ፡+ ጐይታ ጐይተት፡ ዓብይን ሓያልን ዜፍርህን ኣምላኽ፡ ዘየዳሉን+ ጉቦ ዘይቅበልን እዩ። 18 ንሱ ንዘኽታምን* ንመበለትን ፍትሒ የውጽእ፡+ ንጓና ኸኣ የፍቅር፡+ እንጌራን ክዳንን እውን ይህቦ።