ኢሳይያስ 12:2 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 2 እንሆ፡ ኣምላኽ ድሕነተይ እዩ።+ ያህ* የሆዋ ብርታዐይን ሓይለይን እዩ፡ድሕነተይ ድማ ኰይኑ እዩ እሞ፡+ክእመን፡* ኣይክርዕድን እውን እየ።”+ ኢሳይያስ 45:17 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 17 እስራኤል ግና ብናይ ዘለኣለም ድሕነት ብየሆዋ ኺድሕን እዩ።+ ንስኻትኩምሲ ንዘለኣለመ ኣለም ኣይክትሓፍሩን ወይ ኣይክትዋረዱን ኢኹም።+