ዘጸኣት 17:6 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 6 እንሆ፡ ኣነ ኣብኡ ኣብ ቅድሜኻ ኣብ ልዕሊ ኸውሒ ሆሬብ ደው ክብል እየ። ነቲ ኸውሒ ኸኣ ውቕዓዮ፣ ማይ ድማ ካብኡ ኺወጽእ እዩ፣ እቶም ህዝቢ እውን ኪሰትይዎ እዮም” በሎ።+ ሙሴ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ እቶም ዓበይቲ እስራኤል ከምኡ ገበረ። ዘሁልቍ 20:11 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 11 ሽዑ፡ ሙሴ ኢዱ ኣልዒሉ፡ ነቲ ኸውሒ ብበትሩ ኽልተ ሳዕ ወቕዖ፣ ብዙሕ ማይ ከኣ ወጸ፣ እቲ ኣኼባን ማሎምን ከኣ ሰተዩ።+ መዝሙር 105:41 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 41 ከውሒ ኸፈተ እሞ ማያት ኣውሓዘ፣+እዚ ኸኣ ከም ፈለግ ብምድረ በዳ ወሓዘ።+ ኢሳይያስ 48:21 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 21 ብዝባደመ ቦታታት ኪመርሖም ከሎ፡ ኣይጸምኡን።+ ካብ ከውሒ ማይ ኣውሓዘሎም፣ከውሒ ሰንጢቑ ማይ ኣፈልፈለ” በሉ።+ 1 ቈረንቶስ 10:4 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 4 ኵላቶም እውን ሕደ መንፈሳዊ መስተ ሰትዮም እዮም።+ ከመይሲ፡ ካብቲ ዝሰዓቦም መንፈሳዊ ኸውሒ ሰትዮም እዮም፣ እቲ ኸውሒ ኸኣ ንክርስቶስ የመልክት።*+
6 እንሆ፡ ኣነ ኣብኡ ኣብ ቅድሜኻ ኣብ ልዕሊ ኸውሒ ሆሬብ ደው ክብል እየ። ነቲ ኸውሒ ኸኣ ውቕዓዮ፣ ማይ ድማ ካብኡ ኺወጽእ እዩ፣ እቶም ህዝቢ እውን ኪሰትይዎ እዮም” በሎ።+ ሙሴ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ እቶም ዓበይቲ እስራኤል ከምኡ ገበረ።