መዝሙር 44:2 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 2 ብኣእዳውካ ንኣህዛብ ሰጒጕካስ+ንኣቦታትና ኣብኡ ኣስፊርካዮም።+ ንኣህዛብ ሓምሺሽካዮምን ሰጒጕካዮምን።+ መዝሙር 78:55 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 55 ንኣህዛብ ድማ ካብ ቅድሚኦም ሰጐጎም፣+ብገመድ መለክዒ ገይሩ ርስቲ ብዕጫ ሃቦም፣+ንነገዳት እስራኤል ኣብ ኣባይቶም ኣስፈሮም።+ ኤርምያስ 2:21 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 21 ሕሩይ ቀይሕ ተኽሊ ወይኒ፡+ ኵሉ ጽሩይ ዘርኢ ገይረ ተኺለኪ፣ከመይ ኢልኪ ደኣ ብልሽውቲ ጨናፍር ጓና ተኽሊ ወይኒ ዄንኪ ኣብ ቅድመይ ተለዊጥኪ፧’+