ዘዳግም 1:16, 17 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 16 “በታ ግዜ እቲኣ ድማ ንፈራዶኹም ከምዚ ኢለ ኣዘዝክዎም፦ ‘ኣብ መንጎ ኣሕዋትኩም ነገር ምስ እትሰምዑ፡ ኣብ መንጎ ሰብን ሓዉን ወይ ጓናን+ ብጽድቂ ፍረዱ።+ 17 ኣብ ፍርዲ ኣይተዳልዉ።+ ንንእሽቶ፡ ከምቲ ዓብዪ ስምዕዎ።+ ፍርዲ ናይ ኣምላኽ እዩ እሞ፡+ ንሰብ ኣይትፍርሁ።+ ኣጸጋሚ ነገር እንተ ኣጋጢሙኩም፡ ናባይ ኣምጽእዎ፡ ኣነ እውን ክሰምዖ እየ።’+ 2 ዜና መዋእል 19:7 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 7 እምበኣር፡ ፍርሃት የሆዋ ኣባኻትኩም ይኹን።+ ኣብ የሆዋ ኣምላኽናስ ዓመጻን*+ ኣድልዎን+ ምውሳድ ጉቦን የልቦን+ እሞ፡ ብእትገብርዎ ተጠንቀቑ።” ምሳሌ 18:5 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 5 ምእንቲ እኩይ ኢልካ ኣድልዎ ምግባር፡+ወይ ንጻድቕ ፍትሒ ምኽላእ ጽቡቕ ኣይኰነን።+
16 “በታ ግዜ እቲኣ ድማ ንፈራዶኹም ከምዚ ኢለ ኣዘዝክዎም፦ ‘ኣብ መንጎ ኣሕዋትኩም ነገር ምስ እትሰምዑ፡ ኣብ መንጎ ሰብን ሓዉን ወይ ጓናን+ ብጽድቂ ፍረዱ።+ 17 ኣብ ፍርዲ ኣይተዳልዉ።+ ንንእሽቶ፡ ከምቲ ዓብዪ ስምዕዎ።+ ፍርዲ ናይ ኣምላኽ እዩ እሞ፡+ ንሰብ ኣይትፍርሁ።+ ኣጸጋሚ ነገር እንተ ኣጋጢሙኩም፡ ናባይ ኣምጽእዎ፡ ኣነ እውን ክሰምዖ እየ።’+