ዘጸኣት 15:26 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 26 ከምዚ ድማ በለ፦ “ቃል የሆዋ ኣምላኽካ ተጠንቂቕካ እንተ ሰሚዕካ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ቕኑዕ ዘበለ ኸኣ እንተ ጌርካ፡ ናብ ትእዛዛቱ ድማ ጽን እንተ ኢልካ፡ ኵሉ ስርዓታቱ እውን እንተ ሓሊኻ፡+ ኣነ እቲ ዘሕውየካ የሆዋ እየ እሞ፡+ ናብ ልዕሊ ግብጻውያን ዝሰደድክዎ ሕማማት ኣይከምጽኣልካን እየ።”+ መዝሙር 41:3 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 3 የሆዋ ኣብ ዓራት ሕማሙ ኺድግፎ እዩ፣+ምስ ሓመመ፡ ንስኻ ንዓራቱ ምሉእ ብምሉእ ትልውጣ። መዝሙር 147:3 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 3 ልቦም ንእተሰብሩ የሕውዮም፣ንኣቝሳሎም ከኣ ይዝንን። ኢሳይያስ 33:24 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 24 ካብቶም ነበርቲ ሓደ እኳ፡ “ሓሚመ” ኣይኪብልን እዩ።+ እቲ ኣብታ ምድሪ ዚቕመጥ ህዝብስ፡ ስሕተቱ ኺሕደገሉ እዩ።+ ያእቆብ 5:15 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 15 እታ ናይ እምነት ጸሎት ድማ ነቲ ሕሙም* ከተጥዕዮ እያ፣ የሆዋ* እውን ኬተንስኦ እዩ። ሓጢኣት ገይሩ እንተ ዀይኑ እውን፡ ኪሕደገሉ እዩ። ራእይ 21:4 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 4 ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ፣+ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡+ ደጊም እውን ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይኪኸውንን እዩ።+ እቲ ቐዳማይ ሓሊፉ እዩ።”
26 ከምዚ ድማ በለ፦ “ቃል የሆዋ ኣምላኽካ ተጠንቂቕካ እንተ ሰሚዕካ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ቕኑዕ ዘበለ ኸኣ እንተ ጌርካ፡ ናብ ትእዛዛቱ ድማ ጽን እንተ ኢልካ፡ ኵሉ ስርዓታቱ እውን እንተ ሓሊኻ፡+ ኣነ እቲ ዘሕውየካ የሆዋ እየ እሞ፡+ ናብ ልዕሊ ግብጻውያን ዝሰደድክዎ ሕማማት ኣይከምጽኣልካን እየ።”+
4 ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ፣+ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡+ ደጊም እውን ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይኪኸውንን እዩ።+ እቲ ቐዳማይ ሓሊፉ እዩ።”