ዘፍጥረት 37:28 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 28 እቶም ሚድያናውያን+ ነጋዶ ኺሓልፉ ኸለዉ፡ ንዮሴፍ ካብቲ ጕድጓድ ማይ ኣውጺኦም፡ ብ20 ብሩር ንእስማኤላውያን ሸጥዎ።+ ንሳቶም ከኣ ንዮሴፍ ናብ ግብጺ ወሰድዎ። ዘፍጥረት 37:36 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 36 እቶም ሚድያናውያን ድማ ኣብ ግብጺ፡ ናብ ጶጢፋር እቲ ኣገልጋሊ ቤተ መንግስቲ ፈርኦንን+ እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታትን+ ሸጥዎ። ዘፍጥረት 45:4, 5 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 4 ዮሴፍ ከኣ ንኣሕዋቱ፡ “በጃኹም ናባይ ቅረቡ” በሎም። ንሳቶም ድማ ናብኡ ቐረቡ። ሽዑ፡ ከምዚ በሎም፦ “ኣነ ናብ ግብጺ ዝሸጥኩምኒ ዮሴፍ ሓውኩም እየ።+ 5 ንምድሓን ህይወት ኢሉ ኣምላኽ እዩ ቕድሜኹም ዝለኣኸኒ እሞ፡+ ሕጂ ናብዚ ስለ ዝሸጥኩምኒ ኣይትጕሃዩን ኣይትወቓቐሱን። ዘፍጥረት 50:20 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 20 ንስኻትኩም ክትጐድኡኒ እኳ እንተ ሓሰብኩም፡+ ኣምላኽ ግና ከምዚ ሎሚ ዚገብሮ ዘሎ ብዙሕ ህዝቢ ምእንቲ ኼድሕን ኢሉ ንጽቡቕ እዩ ሓሲብዎ።+
28 እቶም ሚድያናውያን+ ነጋዶ ኺሓልፉ ኸለዉ፡ ንዮሴፍ ካብቲ ጕድጓድ ማይ ኣውጺኦም፡ ብ20 ብሩር ንእስማኤላውያን ሸጥዎ።+ ንሳቶም ከኣ ንዮሴፍ ናብ ግብጺ ወሰድዎ።
4 ዮሴፍ ከኣ ንኣሕዋቱ፡ “በጃኹም ናባይ ቅረቡ” በሎም። ንሳቶም ድማ ናብኡ ቐረቡ። ሽዑ፡ ከምዚ በሎም፦ “ኣነ ናብ ግብጺ ዝሸጥኩምኒ ዮሴፍ ሓውኩም እየ።+ 5 ንምድሓን ህይወት ኢሉ ኣምላኽ እዩ ቕድሜኹም ዝለኣኸኒ እሞ፡+ ሕጂ ናብዚ ስለ ዝሸጥኩምኒ ኣይትጕሃዩን ኣይትወቓቐሱን።