ዘፍጥረት 14:18 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 18 ሽዑ፡ መልከጼዴቅ+ ንጉስ ሳሌም+ እንጌራን ወይንን ኣምጽአ፣ ንሱ ኻህን እቲ ልዑል ኣምላኽ ነበረ።+ እብራውያን 5:5, 6 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 5 ከምኡ ድማ ክርስቶስ ባዕሉ ሊቀ ኻህናት ብምዃን ርእሱ ኣየኽበረን፣+ የግዳስ፡ እቲ ብዛዕባኡ፡ “ንስኻ ወደይ ኢኻ፣ ኣነ ሎሚ ወሊደካ”+ ዝበለ እዩ ኣኽቢርዎ። 6 ኣብ ካልእ ቦታ እውን፡ “ንስኻ ኸም ስርዓት መልከጼዴቅ ንዘለኣለም ካህን ኢኻ” ይብል።+ እብራውያን 6:19, 20 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 19 እዛ ዘላትና ተስፋ+ እዚኣ ኸም መልህቕ ነፍሲ፡* ርግጽን ጽንዕትን እያ፣ ነቲ መጋረጃ ሓሊፋ ድማ ናብ ውሽጢ ትኣቱ እያ፣+ 20 ኣብኡ ኸኣ እቲ ኸም ስርዓት መልከጼዴቅ ንዘለኣለም ሊቀ ኻህናት+ ዝዀነ የሱስ ምእንታና ቕድሜና ኣትዩ ኣሎ።+ እብራውያን 7:3 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 3 ብዘይ ኣቦ፡ ብዘይ ኣደ፡ ብዘይ ቍጽሪ ወለዶ፡ መጀመርታ መዓልትታት ወይስ መወዳእታ ህይወት ዘይብሉ ብምዃኑ፡ ግናኸ ኸም ወዲ ኣምላኽ ብምዃኑ፡ ንሓዋሩ ኻህን ኰይኑ ይነብር።+ እብራውያን 7:11 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 11 እምበኣር፡ ብኽህነት ሌዋውያን ፍጽምና ዚርከብ ነይሩ እንተ ዚኸውንሲ፡+ (እዝስ ሓደ መዳይ እቲ ነቲ ህዝቢ እተዋህቦ ሕጊ እዩ ነይሩ እሞ፡) ከም ስርዓት ኣሮን ዘይኰነስ፡ ከም ስርዓት መልከጼዴቅ+ ዚብሃል ካልእ ካህን ኪትንስእ ንምንታይ መድለየ፧ እብራውያን 7:21 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 21 (ከመይሲ፡ ብዘይ ማሕላ ኻህናት ዝዀኑ እኳ እንተ ኣለዉ፡ እዚ ግና በቲ ብዛዕባኡ፡ “የሆዋ፡* ‘ንስኻ ንዘለኣለም ካህን ኢኻ’ ኢሉ ምሒሉ እዩ፣ ሓሳቡ ኸኣ ኣይኪልውጥን እዩ”* ኢሉ ዝመሓሎ ማሕላ እዩ ኸምኡ ዀይኑ፡)+ እብራውያን 7:28 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 28 ሕግስ ድኻም ንዘለዎም ሰባት እዩ ሊቃውንቲ ኻህናት ኪዀኑ ዚሸሞም፣+ እቲ ድሕሪ ሕጊ እተማሕለ ቓል ማሕላ+ ግና ንዘለኣለም ፍጹም ዝዀነ+ ወዲ እዩ ዚሸይም።
5 ከምኡ ድማ ክርስቶስ ባዕሉ ሊቀ ኻህናት ብምዃን ርእሱ ኣየኽበረን፣+ የግዳስ፡ እቲ ብዛዕባኡ፡ “ንስኻ ወደይ ኢኻ፣ ኣነ ሎሚ ወሊደካ”+ ዝበለ እዩ ኣኽቢርዎ። 6 ኣብ ካልእ ቦታ እውን፡ “ንስኻ ኸም ስርዓት መልከጼዴቅ ንዘለኣለም ካህን ኢኻ” ይብል።+
19 እዛ ዘላትና ተስፋ+ እዚኣ ኸም መልህቕ ነፍሲ፡* ርግጽን ጽንዕትን እያ፣ ነቲ መጋረጃ ሓሊፋ ድማ ናብ ውሽጢ ትኣቱ እያ፣+ 20 ኣብኡ ኸኣ እቲ ኸም ስርዓት መልከጼዴቅ ንዘለኣለም ሊቀ ኻህናት+ ዝዀነ የሱስ ምእንታና ቕድሜና ኣትዩ ኣሎ።+
3 ብዘይ ኣቦ፡ ብዘይ ኣደ፡ ብዘይ ቍጽሪ ወለዶ፡ መጀመርታ መዓልትታት ወይስ መወዳእታ ህይወት ዘይብሉ ብምዃኑ፡ ግናኸ ኸም ወዲ ኣምላኽ ብምዃኑ፡ ንሓዋሩ ኻህን ኰይኑ ይነብር።+
11 እምበኣር፡ ብኽህነት ሌዋውያን ፍጽምና ዚርከብ ነይሩ እንተ ዚኸውንሲ፡+ (እዝስ ሓደ መዳይ እቲ ነቲ ህዝቢ እተዋህቦ ሕጊ እዩ ነይሩ እሞ፡) ከም ስርዓት ኣሮን ዘይኰነስ፡ ከም ስርዓት መልከጼዴቅ+ ዚብሃል ካልእ ካህን ኪትንስእ ንምንታይ መድለየ፧
21 (ከመይሲ፡ ብዘይ ማሕላ ኻህናት ዝዀኑ እኳ እንተ ኣለዉ፡ እዚ ግና በቲ ብዛዕባኡ፡ “የሆዋ፡* ‘ንስኻ ንዘለኣለም ካህን ኢኻ’ ኢሉ ምሒሉ እዩ፣ ሓሳቡ ኸኣ ኣይኪልውጥን እዩ”* ኢሉ ዝመሓሎ ማሕላ እዩ ኸምኡ ዀይኑ፡)+