ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ዘፍጥረት 14:18
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
    • 18 ሽዑ፡ መልከጼዴቅ+ ንጉስ ሳሌም+ እንጌራን ወይንን ኣምጽአ፣ ንሱ ኻህን እቲ ልዑል ኣምላኽ ነበረ።+

  • እብራውያን 5:5, 6
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
    • 5 ከምኡ ድማ ክርስቶስ ባዕሉ ሊቀ ኻህናት ብምዃን ርእሱ ኣየኽበረን፣+ የግዳስ፡ እቲ ብዛዕባኡ፡ “ንስኻ ወደይ ኢኻ፣ ኣነ ሎሚ ወሊደካ”+ ዝበለ እዩ ኣኽቢርዎ። 6 ኣብ ካልእ ቦታ እውን፡ “ንስኻ ኸም ስርዓት መልከጼዴቅ ንዘለኣለም ካህን ኢኻ” ይብል።+

  • እብራውያን 6:19, 20
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
    • 19 እዛ ዘላትና ተስፋ+ እዚኣ ኸም መልህቕ ነፍሲ፡* ርግጽን ጽንዕትን እያ፣ ነቲ መጋረጃ ሓሊፋ ድማ ናብ ውሽጢ ትኣቱ እያ፣+ 20 ኣብኡ ኸኣ እቲ ኸም ስርዓት መልከጼዴቅ ንዘለኣለም ሊቀ ኻህናት+ ዝዀነ የሱስ ምእንታና ቕድሜና ኣትዩ ኣሎ።+

  • እብራውያን 7:3
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
    • 3 ብዘይ ኣቦ፡ ብዘይ ኣደ፡ ብዘይ ቍጽሪ ወለዶ፡ መጀመርታ መዓልትታት ወይስ መወዳእታ ህይወት ዘይብሉ ብምዃኑ፡ ግናኸ ኸም ወዲ ኣምላኽ ብምዃኑ፡ ንሓዋሩ ኻህን ኰይኑ ይነብር።+

  • እብራውያን 7:11
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
    • 11 እምበኣር፡ ብኽህነት ሌዋውያን ፍጽምና ዚርከብ ነይሩ እንተ ዚኸውንሲ፡+ (እዝስ ሓደ መዳይ እቲ ነቲ ህዝቢ እተዋህቦ ሕጊ እዩ ነይሩ እሞ፡) ከም ስርዓት ኣሮን ዘይኰነስ፡ ከም ስርዓት መልከጼዴቅ+ ዚብሃል ካልእ ካህን ኪትንስእ ንምንታይ መድለየ፧

  • እብራውያን 7:21
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
    • 21 (ከመይሲ፡ ብዘይ ማሕላ ኻህናት ዝዀኑ እኳ እንተ ኣለዉ፡ እዚ ግና በቲ ብዛዕባኡ፡ “የሆዋ፡* ‘ንስኻ ንዘለኣለም ካህን ኢኻ’ ኢሉ ምሒሉ እዩ፣ ሓሳቡ ኸኣ ኣይኪልውጥን እዩ”* ኢሉ ዝመሓሎ ማሕላ እዩ ኸምኡ ዀይኑ፡)+

  • እብራውያን 7:28
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
    • 28 ሕግስ ድኻም ንዘለዎም ሰባት እዩ ሊቃውንቲ ኻህናት ኪዀኑ ዚሸሞም፣+ እቲ ድሕሪ ሕጊ እተማሕለ ቓል ማሕላ+ ግና ንዘለኣለም ፍጹም ዝዀነ+ ወዲ እዩ ዚሸይም።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ