ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ማቴዎስ 21:7-9
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
    • 7 ኣድግን ጻዕባን ከኣ ኣምጽኡ፣ ክዳውንቶም ድማ ጠይቂ ገበሩሎም፣ ንሱ ኸኣ ተወጥሐ።+ 8 መብዛሕትኦም ካብቶም ህዝቢ፡ ክዳውንቶም ኣብ መገዲ ኣንጸፉ፣+ ካልኦት ከኣ ካብ ኣእዋም ጨናፍር እናሰልዑ፡ ኣብ መገዲ ነስነሱ። 9 እቶም ቀቅድሚኡ ዚኸዱን ደድሕሪኡ ዚስዕቡን ዝነበሩ ህዝቢ፡ “ንወዲ ዳዊት፡ በጃኻ ኣድሕን!+ ብስም የሆዋ* ዚመጽእ ብሩኽ እዩ!+ ኣብ ላዕሊ ዘለኻ በጃኻ ኣድሕኖ!” እናበሉ ጨደሩ።+

  • ማቴዎስ 23:39
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
    • 39 እብለኩም ኣለኹ፡ ‘ብስም የሆዋ* ዚመጽእ ብሩኽ እዩ!’ ክሳዕ እትብሉ፡ ካብ ሕጂ ንደሓር ከቶ ኣይክትርእዩንን ኢኹም።”+

  • ማርቆስ 11:7-10
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
    • 7 ነቲ ጻዕብ ድማ ናብ የሱስ ኣምጽእዎ፣+ ክዳውንቶም ድማ ጠይቂ ገበሩሉ፣ ንሱ ኸኣ ተወጥሖ።+ 8 ብዙሓት እውን ክዳውንቶም ኣብ መገዲ ኣንጸፉ፣ ካልኦት ከኣ ካብ ግራውቲ፡ ጨናፍር ሰልዑ።+ 9 እቶም ቀቅድሚኡ ዚኸዱን ደድሕሪኡ ዚስዕቡን ዝነበሩ፡ ከምዚ እናበሉ ጨደሩ፦ “በጃኻ ኣድሕን!+ ብስም የሆዋ* ዚመጽእ ብሩኽ እዩ!+ 10 እታ እትመጽእ ዘላ መንግስቲ ኣቦና ዳዊት ብርኽቲ እያ!+ ኣብ ላዕሊ ዘለኻ በጃኻ ኣድሕን!”

  • ሉቃስ 19:37, 38
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
    • 37 ናብታ ኻብ ደብረ ዘይቲ ንቝልቁል እተውርድ መገዲ ምስ ቀረበ፡ ኵሎም እቶም ብዙሓት ደቀ መዛሙርቲ ብዛዕባ እቲ ዝረኣይዎ ዅሉ ግብርታት ሓይሊ ኺሕጐሱን ዓው ብዝበለ ድምጺ ንኣምላኽ ኪውድስዎን ጀመሩ፣ 38 “ብስም የሆዋ* ዚመጽእ ንጉስ ብሩኽ እዩ! ሰላም ኣብ ሰማይ፡ ክብሪ ድማ ኣብ ላዕሊ!” ድማ ይብሉ ነበሩ።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ