7 ነቲ ጻዕብ ድማ ናብ የሱስ ኣምጽእዎ፣+ ክዳውንቶም ድማ ጠይቂ ገበሩሉ፣ ንሱ ኸኣ ተወጥሖ።+ 8 ብዙሓት እውን ክዳውንቶም ኣብ መገዲ ኣንጸፉ፣ ካልኦት ከኣ ካብ ግራውቲ፡ ጨናፍር ሰልዑ።+ 9 እቶም ቀቅድሚኡ ዚኸዱን ደድሕሪኡ ዚስዕቡን ዝነበሩ፡ ከምዚ እናበሉ ጨደሩ፦ “በጃኻ ኣድሕን!+ ብስም የሆዋ ዚመጽእ ብሩኽ እዩ!+ 10 እታ እትመጽእ ዘላ መንግስቲ ኣቦና ዳዊት ብርኽቲ እያ!+ ኣብ ላዕሊ ዘለኻ በጃኻ ኣድሕን!”