16 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ መለሰሉ፦ “ካብ ዓበይቲ እስራኤል፡ ዓበይትን ኣሕሉቕን ህዝቢ ምዃኖም እትፈልጦም 70 ሰብኡት ኣክበለይ፣+ ናብ ድንኳን ምርኻብ ድማ ውሰዶም፣ ኣብኡ ኸኣ ምሳኻ ደው ኣብሎም። 17 ወሪደ+ ድማ ኣብኡ ምሳኻ ኽዛረብ እየ፣+ ካብቲ ኣብ ልዕሌኻ ዘሎ መንፈስ ከኣ ክወስድን+ ኣብ ልዕሊኦም ከንብርን እየ፣ በይንኻ ምእንቲ ኸይትጾሮ፡ ጾር እቲ ህዝቢ ኣብ ምጻር ኪሕግዙኻ እዮም።+