ዮሃንስ 7:16 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 16 የሱስ ከኣ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፦ “ትምህርተይሲ ናይቲ ዝለኣኸኒ እዩ እምበር፡ ናተይ ኣይኰነን።+ ዮሃንስ 8:28 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 28 ሽዑ፡ የሱስ፡ “ንወዲ ሰብ ምስ ሰቐልኩምዎ፡+ ሽዑ ኣነ ንሱ ምዃነይን+ ካብ ርእሰይ ሓንቲ እኳ ኸም ዘይገብርን ክትፈልጡ ኢኹም፣+ ግናኸ፡ ከምቲ ኣቦይ ዝመሃረኒ፡ ከምኡ እየ ዝዛረብ። ዮሃንስ 12:49 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 49 ከመይሲ፡ እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦ ባዕሉ ደኣ እንታይ ከም ዝብልን እንታይ ከም ዝዛረብን ሂቡኒ እምበር፡ ካብ ርእሰይ ኣይዛረብን እየ።+
28 ሽዑ፡ የሱስ፡ “ንወዲ ሰብ ምስ ሰቐልኩምዎ፡+ ሽዑ ኣነ ንሱ ምዃነይን+ ካብ ርእሰይ ሓንቲ እኳ ኸም ዘይገብርን ክትፈልጡ ኢኹም፣+ ግናኸ፡ ከምቲ ኣቦይ ዝመሃረኒ፡ ከምኡ እየ ዝዛረብ።