ዮሃንስ 6:56 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 56 እቲ ስጋይ ዚበልዕ፡ ደመይ እውን ዚሰቲ ምሳይ ሓድነት ይህልዎ፣ ኣነ እውን ምስኡ ሓድነት ይህልወኒ።+ 1 ቈረንቶስ 12:27 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 27 ንስኻትኩም ድማ ሰብነት ክርስቶስ ኢኹም፣+ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ በብውልቂ ኣካላት ኢኹም።+ ኤፌሶን 4:16 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 16 ካብኡ ድማ ኵሉ እቲ ሰብነት+ ብደገፍ መላግቦ ዘበለ ይገጣጠምን ይዋደድን እዩ። ኵሉ ኣካል ብግቡእ ምስ ዚዓዪ፡ ንርእሱ ብፍቕሪ ስለ ዚሃንጽ፡ እዚ ንዕቤት እቲ ሰብነት ኣበርክቶ ይገብር እዩ።+
16 ካብኡ ድማ ኵሉ እቲ ሰብነት+ ብደገፍ መላግቦ ዘበለ ይገጣጠምን ይዋደድን እዩ። ኵሉ ኣካል ብግቡእ ምስ ዚዓዪ፡ ንርእሱ ብፍቕሪ ስለ ዚሃንጽ፡ እዚ ንዕቤት እቲ ሰብነት ኣበርክቶ ይገብር እዩ።+