ማቴዎስ 7:7 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 7 “ብቐጻሊ ለምኑ እሞ፡ ኪውሃበኩም እዩ፣+ ብቐጻሊ ድለዩ እሞ፡ ክትረኽቡ ኢኹም፣ ብቐጻሊ ዃሕኵሑ እሞ፡ ኪኽፈተልኩም እዩ።+ ዮሃንስ 16:23 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 23 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ሓንቲ እኳ ኣይክትሓትቱንን ኢኹም። ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ንኣቦ ብስመይ+ ዝለመንኩምዎ ዘበለ+ ኺህበኩም እዩ።