ማቴዎስ 5:16 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 16 ከምኡ ኸኣ፡ ነቲ ሰናይ ግብርኹም ርእዮም፡+ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼሞግስዎ፡+ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ።+ ዮሃንስ 13:35 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 35 ንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተ ኣልያትኩም፡ በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ።”+ ፊልጲ 1:9 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 9 ፍቕርኹም ብልክዕ ፍልጠትን+ ብምሉእ ምስትውዓልን+ ገና እናበዝሐ ኪኸይድ፡ እዚ እጽሊ ኣለኹ፣+ ፊልጲ 1:11 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 11 ንኽብርን ውዳሰን ኣምላኽ ከኣ በቲ ብየሱስ ክርስቶስ ዚርከብ ፍረ ጽድቂ ኽትምልኡ እየ እዚ ዝገብር ዘለኹ።+