ሉቃስ 24:48 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 48 ንስኻትኩም ናይዚ መሰኻኽር ክትኰኑ ኢኹም።+ ግብሪ ሃዋርያት 1:8 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 8 መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ወረደ ግና፡ ሓይሊ ኽትቅበሉ እሞ፡+ ኣብ የሩሳሌምን+ ኣብ ኵላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን+ ክሳብ ወሰናት ምድርን+ መሰኻኽር ክትኰኑኒ ኢኹም”+ በሎም። ግብሪ ሃዋርያት 2:22 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 22 “ኣቱም ሰብ እስራኤል፡ እዚ ቓል እዚ ስምዑ፦ ንስኻትኩም ባዕላትኩም ከም እትፈልጥዎ፡ የሱስ እቲ ናዝሬታዊ፡ በቲ ኣምላኽ ብእኡ ኣቢሉ ኣብ ማእከልኩም ዝገበሮ ግብርታት ሓይልን ተኣምራትን ትእምርትታትን፡ ኣምላኽ ዝመስከረሉ ሰብኣይ እዩ ነይሩ።+ ግብሪ ሃዋርያት 5:32 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 32 ንሕና ድማ ነዚ ነገር እዚ መሰኻኽር ኢና፣+ እቲ ኣምላኽ ነቶም ዚእዘዝዎ* ዝሃቦም መንፈስ ቅዱስ እውን ከምኡ”+ ኢሎም መለሱ።
8 መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ወረደ ግና፡ ሓይሊ ኽትቅበሉ እሞ፡+ ኣብ የሩሳሌምን+ ኣብ ኵላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን+ ክሳብ ወሰናት ምድርን+ መሰኻኽር ክትኰኑኒ ኢኹም”+ በሎም።
22 “ኣቱም ሰብ እስራኤል፡ እዚ ቓል እዚ ስምዑ፦ ንስኻትኩም ባዕላትኩም ከም እትፈልጥዎ፡ የሱስ እቲ ናዝሬታዊ፡ በቲ ኣምላኽ ብእኡ ኣቢሉ ኣብ ማእከልኩም ዝገበሮ ግብርታት ሓይልን ተኣምራትን ትእምርትታትን፡ ኣምላኽ ዝመስከረሉ ሰብኣይ እዩ ነይሩ።+