ዮሃንስ 6:38 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 38 ምኽንያቱ፡ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እምበር፡ ፍቓደይ ክገብር ኣይኰንኩን+ ካብ ሰማይ ወሪደ ዘለኹ።+ ዮሃንስ 8:23 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 23 ንሱ ድማ፡ “ንስኻትኩም ካብ ታሕቲ ኢኹም፣ ኣነ ኻብ ላዕሊ እየ።+ ንስኻትኩም ካብዛ ዓለም እዚኣ ኢኹም፣ ኣነ ኻብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰንኩን። ዮሃንስ 8:42 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 42 የሱስ ከምዚ በሎም፦ “ኣነ ኻብ ኣምላኽ መጺአ እየ ኣብዚ ዘለኹ እሞ፡ ኣምላኽ ኣቦኹም እንተ ዚኸውንሲ፡ ንዓይ መፍቀርኩምኒ ኔርኩም።+ ንሱ ደኣ እዩ ልኢኹኒ እምበር፡ ኣነስ ብርእሰይ ኣይመጻእኩን።+
42 የሱስ ከምዚ በሎም፦ “ኣነ ኻብ ኣምላኽ መጺአ እየ ኣብዚ ዘለኹ እሞ፡ ኣምላኽ ኣቦኹም እንተ ዚኸውንሲ፡ ንዓይ መፍቀርኩምኒ ኔርኩም።+ ንሱ ደኣ እዩ ልኢኹኒ እምበር፡ ኣነስ ብርእሰይ ኣይመጻእኩን።+