ዘሌዋውያን 19:18 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 18 “‘ኣብ ልዕሊ ደቂ ህዝብኻ ሕነ ኣይትፍደን+ ኣይትቀየምን፣ ንብጻይካ ኸኣ ከም ነፍስኻ ኣፍቅሮ።+ ኣነ የሆዋ እየ። ማቴዎስ 5:39 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 39 ኣነ ግና፡ እብለኩም ኣለኹ፦ ንእኩይ ኣይትቃወምዎ፣ የግዳስ፡ የማነይቲ ምዕጕርትኻ ንዚጸፍዓካ ዘበለ፡ እታ ኻልአይቲ ምለሰሉ።+