ዘጸኣት 22:29 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 29 “ካብቲ ኣኺሉ ዚተርፍ ፍርያትካን መሊኡ ዚጅርብብ መጽመቚኻን፡* መባእ ንምሃብ ኣይተማትእ።+ ካብ ኣወዳትካ እቲ በዅሪ ንዓይ ሃበኒ።+ ምሳሌ 11:25 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 25 ለጋስ ሰብ* ጽቡቕ ይረክብ፣*+እቲ ዜርዊ ኸኣ ንርእሱ ይረዊ።+ ግብሪ ሃዋርያት 20:35 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 35 በዚ ኸምዚ ብምጽዓር፡+ ንድኹማት ክትድግፉ፡ ነቲ ጐይታና የሱስ ባዕሉ፡ ‘ካብ ምቕባል፡ ምሃብ የሐጕስ’+ ዝበሎ ቓላት ከኣ ክትዝክሩ ኸም ዚግባእ፡ ብዅሉ ኣርእየኩም እየ።” እብራውያን 13:16 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 16 ሰናይ ምግባርን ዘሎኩም ምምቓልን ኣይትረስዑ፣+ ከመይሲ፡ ኣምላኽ በዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ መስዋእትታት ባህ ይብሎ እዩ።+
35 በዚ ኸምዚ ብምጽዓር፡+ ንድኹማት ክትድግፉ፡ ነቲ ጐይታና የሱስ ባዕሉ፡ ‘ካብ ምቕባል፡ ምሃብ የሐጕስ’+ ዝበሎ ቓላት ከኣ ክትዝክሩ ኸም ዚግባእ፡ ብዅሉ ኣርእየኩም እየ።”