ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ኢሳይያስ 14
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ኢሳይያስ—ትሕዝቶ

      • እስራኤል ኣብ ምድሮም ኪቕመጡ እዮም (1, 2)

      • ኣብ ልዕሊ ንጉስ ባቢሎን እተዘርበ ባጫ (3-23)

        • እቲ ብሩህ፡ ካብ ሰማይ ኪወድቕ እዩ (12)

      • ኢድ የሆዋ ነቲ ኣሶራዊ ኺሕምሽሾ እዩ (24-27)

      • ኣንጻር ፍልስጥኤም እተዘርበ ኸቢድ መልእኽቲ (28-32)

ኢሳይያስ 14:1

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኬዕርፎም።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 26:42
  • +ዘካ 1:17
  • +ዘዳ 30:1-3፣ ኢሳ 66:20፣ ኤር 24:6፣ ህዝ 36:24
  • +ኢሳ 56:6, 7፣ 60:3፣ ዘካ 8:22, 23

ኢሳይያስ 14:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 61:5፣ ዘካ 2:8, 9

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/12/2006፡ ገጽ 10-11

ኢሳይያስ 14:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እዝ 3:1፣ 9:8፣ ኤር 30:10

ኢሳይያስ 14:4

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኸተባጭወሉ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 50:23

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/9/2002፡ ገጽ 30

ኢሳይያስ 14:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 125:3

ኢሳይያስ 14:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 36:17፣ ኤር 50:17
  • +ኣን 1:6፣ ዘካ 1:15

ኢሳይያስ 14:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 126:2፣ ኢሳ 49:13፣ ኤር 51:48፣ ራእ 18:20

ኢሳይያስ 14:8

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ተርሚንን።”

ኢሳይያስ 14:9

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ሲኦል፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ድቤላታት።”

ኢሳይያስ 14:11

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ሲኦል፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ራእ 18:22

ኢሳይያስ 14:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 36:17፣ ኤር 51:7፣ ህዝ 29:19፣ ዳን 5:18, 19

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዓንቀጽ 46፡ 117

    ራእይ፡ ገጽ 137

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/9/2002፡ ገጽ 30

ኢሳይያስ 14:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 47:7፣ ዳን 4:30
  • +ዳን 5:22, 23
  • +መዝ 48:1, 2

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/1/2006፡ ገጽ 26

    15/9/2002፡ ገጽ 30

ኢሳይያስ 14:14

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/1/2006፡ ገጽ 26

ኢሳይያስ 14:15

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ሲኦል፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

ኢሳይያስ 14:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 51:25

ኢሳይያስ 14:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 25:21፣ ኢሳ 64:10
  • +2ነገ 24:12, 14፣ 25:11

ኢሳይያስ 14:18

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “በቤቶም።”

ኢሳይያስ 14:19

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ጨንፈር።”

ኢሳይያስ 14:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 43:14፣ ኤር 50:25፣ 51:56
  • +ኤር 51:62

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንዅሎም ዚኸውን መጽሓፍ፡ ገጽ 27-29

ኢሳይያስ 14:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 13:1, 21፣ ኤር 50:35, 39፣ ራእ 18:2

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንዅሎም ዚኸውን መጽሓፍ፡ ገጽ 27-29

ኢሳይያስ 14:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 32:21, 22፣ ኢሳ 30:31፣ 31:8፣ 37:36, 37
  • +ኢሳ 10:24

ኢሳይያስ 14:26

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “እተመኽረ ምኽሪ።”

  • *

    ወይ፡ “ንዅሎም ኣህዛብ ክትወቅዕ እተዳለወት።”

ኢሳይያስ 14:27

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 33:11፣ ምሳ 19:21፣ 21:30፣ ኢሳ 46:11
  • +2ዜና 20:5, 6፣ ኢሳ 43:13

ኢሳይያስ 14:28

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 16:20፣ 2ዜና 28:27

ኢሳይያስ 14:29

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ተወርዋሪ መርዛም ተመን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 26:3, 6
  • +2ነገ 18:1, 8

ኢሳይያስ 14:30

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 47:1፣ ህዝ 25:16፣ ዮኤ 3:4፣ ኣሞ 1:6-8፣ ጸፎ 2:4፣ ዘካ 9:5

ኢሳይያስ 14:32

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 48:1-3፣ 87:1, 2፣ 132:13, 14

ሓፈሻዊ

ኢሳ. 14:1ዘሌ 26:42
ኢሳ. 14:1ዘካ 1:17
ኢሳ. 14:1ዘዳ 30:1-3፣ ኢሳ 66:20፣ ኤር 24:6፣ ህዝ 36:24
ኢሳ. 14:1ኢሳ 56:6, 7፣ 60:3፣ ዘካ 8:22, 23
ኢሳ. 14:2ኢሳ 61:5፣ ዘካ 2:8, 9
ኢሳ. 14:3እዝ 3:1፣ 9:8፣ ኤር 30:10
ኢሳ. 14:4ኤር 50:23
ኢሳ. 14:5መዝ 125:3
ኢሳ. 14:62ዜና 36:17፣ ኤር 50:17
ኢሳ. 14:6ኣን 1:6፣ ዘካ 1:15
ኢሳ. 14:7መዝ 126:2፣ ኢሳ 49:13፣ ኤር 51:48፣ ራእ 18:20
ኢሳ. 14:11ራእ 18:22
ኢሳ. 14:122ዜና 36:17፣ ኤር 51:7፣ ህዝ 29:19፣ ዳን 5:18, 19
ኢሳ. 14:13ኢሳ 47:7፣ ዳን 4:30
ኢሳ. 14:13ዳን 5:22, 23
ኢሳ. 14:13መዝ 48:1, 2
ኢሳ. 14:16ኤር 51:25
ኢሳ. 14:172ነገ 25:21፣ ኢሳ 64:10
ኢሳ. 14:172ነገ 24:12, 14፣ 25:11
ኢሳ. 14:22ኢሳ 43:14፣ ኤር 50:25፣ 51:56
ኢሳ. 14:22ኤር 51:62
ኢሳ. 14:23ኢሳ 13:1, 21፣ ኤር 50:35, 39፣ ራእ 18:2
ኢሳ. 14:252ዜና 32:21, 22፣ ኢሳ 30:31፣ 31:8፣ 37:36, 37
ኢሳ. 14:25ኢሳ 10:24
ኢሳ. 14:27መዝ 33:11፣ ምሳ 19:21፣ 21:30፣ ኢሳ 46:11
ኢሳ. 14:272ዜና 20:5, 6፣ ኢሳ 43:13
ኢሳ. 14:282ነገ 16:20፣ 2ዜና 28:27
ኢሳ. 14:292ዜና 26:3, 6
ኢሳ. 14:292ነገ 18:1, 8
ኢሳ. 14:30ኤር 47:1፣ ህዝ 25:16፣ ዮኤ 3:4፣ ኣሞ 1:6-8፣ ጸፎ 2:4፣ ዘካ 9:5
ኢሳ. 14:32መዝ 48:1-3፣ 87:1, 2፣ 132:13, 14
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
  • 32
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ኢሳይያስ 14:1-32

ኢሳይያስ

14 የሆዋስ ንያእቆብ ኪምሕሮ፡+ ንእስራኤል ድማ ከም ብሓድሽ ኪሓርዮ እዩ።+ ኣብ ምድሮም ኬስፍሮም* እዩ፣+ ጓኖት ከኣ ኪጽምበርዎም፡ ምስ ቤት ያእቆብ እውን ኪለግቡ እዮም።+ 2 ህዝብታት ወሲዶም ናብ ቦታኦም ኬምጽእዎም፡ ቤት እስራኤል ድማ ንዓታቶም ኣብ ምድሪ የሆዋ ገላዉን ኣግራድን ገይሮም ኪውንንዎም እዮም፣+ ነቶም ማረኽቶም ኪማርኽዎም፡ ነቶም ብግዲ ዘዕየይዎም ድማ ኪገዝእዎም እዮም።

3 በታ የሆዋ ኻብ ስቓይካን ካብ ህውከትካን ካብቲ እተጻዕነካ ኸቢድ ባርነትን ዜዕርፈካ መዓልቲ፡+ 4 ንንጉስ ባቢሎን ከምዚ ኢልካ ኽትምስለሉ* ኢኻ፦

“እቲ ብግዲ ዜዕዪሲ ኸመይ ኰን እዩ ናብ መወዳእታኡ በጺሑ!

እቲ ጭቈናስ ከመይ ኰን እዩ ተወዲኡ!+

 5 የሆዋ ንበትሪ እኩያት፡

ንሻቦጥ ገዛእቲ ሰይርዎ፣+

 6 ነቲ ንህዝብታት ብነድሪ ኸየቋረጸ ዚወቕዖም፡+

ነቲ ብቐጻሊ ብምስጓጕ ንኣህዛብ ዚገዝኦም ሰይርዎ።+

 7 ብዘላ ምድሪ ብዘይ ረብሻ ዓሪፋ።

ሰባት እልል ይብሉ።+

 8 ኣእዋም ጽሕድን*

ቄድሮሳት ሊባኖስን እኳ፡

‘ንስኻ ኻብ እትወድቕ ኣትሒዙ፡

ቈራጺ ዕንጨይቲ ናባና ኣይደየበን’ ኢሎም ብዛዕባኻ ይሕጐሱ።

 9 ኣብ ታሕቲ ዘሎ መቓብር* እኳ፡

ክትመጽእ ከለኻ ኪቕበለካ ይለዓዓል።

ብሰንክኻ ንዅሎም እቶም ብሞት እተሰነፉ፡

ንዅሎም ጨቈንቲ መራሕቲ* ምድሪ የበራብሮም።

ንዅሎም ነገስታት ኣህዛብ ካብ ዝፋናቶም የተንስኦም።

10 ኵላቶም ይዛረቡ፡ ከምዚ እውን ይብሉኻ፦

‘ንስኻ እውንዶ ኸማና ድኹም ኴንካ፧

ንስኻዶ ኸማና ዄንካ፧

11 ትምክሕትኻን ደሃይ በገናኻን

ናብ መቓብር* ወሪዱ።+

እቡባት ኣብ ትሕቴኻ ኸም ዓራት ተዘርጊሖም፡

ሓሳኹ ድማ መደረብታኻ ዀይኖም።’

12 ኣታ ብሩህ ወዲ ወጋሕታ፡

ከመይ ኰን ኢኻ ኻብ ሰማይ ዝወደቕካ!

ኣታ ንኣህዛብ ዝሰዓርካ፡+

ከመይ ኰን ኢኻ ተቘሪጽካ ናብ ምድሪ እተደርበኻ!

13 ንስኻስ ብልብኻ፡ ‘ናብ ሰማያት ክድይብ እየ።+

ዝፋነይ ኣብ ልዕሊ ኸዋኽብቲ ኣምላኽ ልዕል ከብል፡+

ኣብ ከረን ኣኼባ፡

ኣብ ግሉል ክፋላት ምድሪ ድማ ክቕመጥ እየ።+

14 ኣብ ልዕሊ ጫፍ ደበናታት ክድይብ፡

ነቲ ልዑል ድማ ክመስል እየ’ ኢልካ ኔርካ።

15 ኣብ ክንዳኡስ፡ ናብ መቓብር፡*

ናብ መዓሙቝ ጕድጓድ ክትወርድ ኢኻ።

16 እቶም ዚርእዩኻ ኺጥምቱኻ እዮም፣

ከምዚ እናበሉ ተጠንቂቖም ኪምርምሩኻ እዮም፦

‘ንምድሪ ዜናውጻ፡

ንመንግስትታት ድማ ዜንቀጥቅጥ ዝነበረ ሰብሲ እዚ ድዩ፧+

17 ንዓለም ከም በረኻ ዝገበራ፡

ንኸተማታታ ኸኣ ዝገልበጠ፡+

ንእሱራቱ እውን ናብ ቤቶም ከይከዱ ዝኣበየስ እዚ ድዩ፧’+

18 ኵሎም ነገስታት ኣህዛብ፡

ነፍሲ ወከፎም ኣብ መመቓብሮም፡*

እወ፡ ኵላቶም ብኽብሪ በጥ ይብሉ።

19 ንስኻ ግና ከም ፍንፉን ጠጥዒ፡*

ከም እተረግጸ ሬሳ፡

በቶም ናብ ጕድጓድ ኣእማን ዝወረዱ

ብሰይፊ እተወግኡ ቕቱላት ተኸዲንካ፡

ብዘይ መቓብር ተደርቢኻ ኣለኻ።

20 ንምድርኻ ኣጥፊእካያ፡

ንህዝብኻ ድማ ቀቲልካዮም ኢኻ እሞ፡

ኣብ መቓብር ምሳታቶም ኣይክትጽምበርን ኢኻ።

ዘርኢ ገበርቲ እከይ ከም ብሓድሽ ከቶ ኣይኪስመን እዩ።

21 ከይትንስኡ እሞ፡ ንምድሪ ኸይቈጻጸርዋ፡

ንዓለም ድማ ብኸተማታቶም ከይመልእዋስ፡

ብሰሪ ስሕተት ኣቦታቶም፡

ንደቁ መሕረዲ ኣዳልዉ።”

22 “ኣነ ኣንጻሮም ክትንስእ እየ”+ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት።

“ስምን ተረፍን ዘርእን ሓድግን ካብ ባቢሎን ክድምስስ እየ”+ ይብል የሆዋ።

23 “ርስቲ ቕንፍዝን ቦታ ዓዘቕትን ክገብራ፡ ብመዀስተር ጥፍኣት ከኣ ክዅስትራ እየ”+ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት።

24 የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ኢሉ ምሒሉ ኣሎ፦

“ከምቲ ዝሓለንክዎ፡ ከምኡ ኪኸውን እዩ፣

ከምቲ ዝወሰንክዎ፡ ከምኡ ኺፍጸም እዩ።

25 ነቲ ኣሶራዊ ኣብ ምድረይ ክሕምሽሾ፡

ኣብ ኣኽራነይ ድማ ክረግጾ እየ።+

ኣርዑቱ ኻባታቶም ኪእለ፡

ጾሩ እውን ካብ መንኵቦም ኪእለ እዩ።”+

26 ኣንጻር ኵላ ምድሪ እተወሰነ* እዚ እዩ፣

ኣንጻር ኵሎም ኣህዛብ እተዘርግሐት* ኢድ ከኣ እዚኣ እያ።

27 የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ካብ መደበስ፡

መን ኬተዓናቕፎ ይኽእል፧+

ኢዱ ኻብ ተዘርግሐትሲ፡

መን ኪመልሳ ይኽእል፧+

28 በታ ንጉስ ኣሓዝ ዝሞተላ ዓመት፡+ እዚ ኸቢድ መልእኽቲ እዚ ተዘርበ፦

29 “ካብ ሱር ተመንሲ+ መርዛም ተመን ኪወጽእ፡+

ውላዱ ኸኣ በራሪ ዜንድድ ተመን* ኪኸውን እዩ እሞ፡

ሻቦጥ እቲ ዚወቕዓኪ ስለ እተሰብረ፡

ኵልኺ ፍልስጥኤም፡ ኣይትተሓጐሲ።

30 በዅራት እቶም ትሑታት ኪምገቡ፡

ድኻታት ድማ ብደሓን በጥ ኪብሉ ኸለዉ፡

ንሱርኪ ብጥሜት ክቐትሎ እየ፣

ካባኺ ዝተረፈ እውን ኪቕተል እዩ።+

31 ኣታ ኣፍ ደገ፡ ዋይዋይ በል! ኣቲ ኸተማ፡ ኣእውዪ!

ኵልኺ ፍልስጥኤም፡ ጃጅዊ!

ካብ ሰሜንሲ ትኪ ይመጽእ ኣሎ፣

ካብ መስርዑ ዚፍለ ኸኣ የብሎምን።”

32 ንልኡኻት ህዝቢ እንታይ ኢሎም እዮም ኪምልሱሎም፧

የሆዋ፡ መሰረት ጽዮን ከም ዝሰረተ፡+

ትሑታት ህዝቡ ድማ ኣብኣ ኸም ዚምዕቈቡ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ