ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • እብራውያን 11
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

እብራውያን—ትሕዝቶ

      • ትርጉም እምነት (1, 2)

      • ኣብነታት እምነት (3-40)

        • ብዘይ እምነት ንኣምላኽ ባህ ከተብሎ ኣይከኣልን እዩ (6)

እብራውያን 11:1

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ዜእምን መርትዖ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እብ 11:13

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    8/2019፡ ገጽ 26

    ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)፡

    10/2016፡ ገጽ 21-23፡ 27

    ንቕሑ!፡

    ቍ. 3 2016፡ ገጽ 12

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/1/2013፡ ገጽ 7

    1/5/2009፡ ገጽ 3

    1/9/2005፡ ገጽ 16

    15/1/2003፡ ገጽ 10

    15/3/1997፡ ገጽ 6

    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ፡ ገጽ 5

እብራውያን 11:2

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኣቦታትናስ።”

እብራውያን 11:3

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “መዋእላት።” ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ስርዓት” ርአ።

እብራውያን 11:4

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንመባኡ ብምቕባል ኪምስክረሉ ኸሎ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 4:5
  • +ዘፍ 4:4
  • +ዘፍ 4:8, 10

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 15፡ 16-19

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/5/2015፡ ገጽ 20

    15/1/2002፡ ገጽ 23

    15/8/2000፡ ገጽ 13-14

    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ፡ ገጽ 9፡ 14-16

እብራውያን 11:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 5:22፣ ይሁ 14
  • +ዘፍ 5:24

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    6/2017፡ ገጽ 3

    ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)፡

    ቍ. 1 2017፡ ገጽ 12-13

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/10/2006፡ ገጽ 19

    1/9/2005፡ ገጽ 15

    1/1/2004፡ ገጽ 29

    15/9/2001፡ ገጽ 31

    15/12/1999፡ ገጽ 22

    15/1/1997፡ ገጽ 30-31

እብራውያን 11:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 58:11፣ ጸፎ 2:3፣ ማቴ 5:12፣ 6:33

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዓንቀጽ 174

    ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)፡

    ቍ. 1 2021፡ ገጽ 9

    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!፡ ትምህርቲ 12

    ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)፡

    12/2016፡ ገጽ 24-28

    9/2016፡ ገጽ 9

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/11/2013፡ ገጽ 11

    15/9/2010፡ ገጽ 8

    1/6/2009፡ ገጽ 30

    1/10/2006፡ ገጽ 28-29

    1/8/2005፡ ገጽ 28-29

    15/8/2004፡ ገጽ 19

    15/8/2003፡ ገጽ 25-26

    15/12/2002፡ ገጽ 17-18

    1/3/1996፡ ገጽ 7

    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ፡ ገጽ 5

እብራውያን 11:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 6:8, 9
  • +ዘፍ 6:13, 17
  • +ዘፍ 6:14
  • +ዘፍ 6:22፣ 2ጴጥ 2:5

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)፡

    10/2016፡ ገጽ 27-28

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/8/2013፡ ገጽ 14

    15/9/2011፡ ገጽ 18

    15/11/2001፡ ገጽ 31

እብራውያን 11:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሮሜ 4:9, 11
  • +ዘፍ 12:1, 4

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    8/2020፡ ገጽ 3-4

እብራውያን 11:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 23:4
  • +ዘፍ 17:6፣ 26:3፣ 28:13
  • +ዘፍ 12:8

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    8/2020፡ ገጽ 3-4

እብራውያን 11:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እብ 11:16

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    8/2020፡ ገጽ 2-4

    ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)፡

    2/2016፡ ገጽ 12

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/5/2015፡ ገጽ 21

    15/3/2013፡ ገጽ 22-23

    15/8/2009፡ ገጽ 4

    15/10/2008፡ ገጽ 32

    1/5/2005፡ ገጽ 11

    15/8/2001፡ ገጽ 18

    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ፡ ገጽ 32

    ንዘለኣለም ምንባር፡ ገጽ 134-135

እብራውያን 11:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 17:17፣ 21:2

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/5/2015፡ ገጽ 21

እብራውያን 11:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሮሜ 4:19
  • +ዘፍ 22:17፣ 1ነገ 4:20
  • +ዘፍ 21:5

እብራውያን 11:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 47:9
  • +ዮሃ 8:56

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)፡

    10/2016፡ ገጽ 22

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/5/2015፡ ገጽ 20-21

    15/11/2011፡ ገጽ 16-17

    15/8/2001፡ ገጽ 19፡ 28-29

እብራውያን 11:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 11:31

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)፡

    ቍ. 5 2017፡ ገጽ 12-13

እብራውያን 11:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እብ 11:10፣ 12:22
  • +ዘጸ 3:6, 15

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/1/1998፡ ገጽ 11

እብራውያን 11:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 22:1, 2
  • +ዘፍ 22:9, 10፣ ዮሃ 3:16

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    12/2017፡ ገጽ 6

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/8/1998፡ ገጽ 11-12

እብራውያን 11:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 21:12

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    12/2017፡ ገጽ 6

እብራውያን 11:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ቈረ 10:11

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    12/2017፡ ገጽ 6

    ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)፡

    2/2016፡ ገጽ 11-12

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/8/2009፡ ገጽ 4

እብራውያን 11:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 27:27-29
  • +ዘፍ 27:38-40

እብራውያን 11:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 47:29
  • +ዘፍ 48:15, 16, 20
  • +ዘፍ 47:31

እብራውያን 11:22

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ቐብሩ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 50:24, 25፣ ዘጸ 13:19

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/6/2007፡ ገጽ 28

እብራውያን 11:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 7:20
  • +ዘጸ 1:16, 22
  • +ዘጸ 2:2

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/5/1997፡ ገጽ 30-31

እብራውያን 11:24

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 2:11
  • +ዘጸ 2:10

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/5/2015፡ ገጽ 21-22

    15/4/2014፡ ገጽ 3-4

    15/6/2002፡ ገጽ 11

እብራውያን 11:25

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/5/2015፡ ገጽ 21-22

    15/4/2014፡ ገጽ 3-4

    15/9/2005፡ ገጽ 16-17

    15/6/2002፡ ገጽ 11

    ንዘለኣለም ምንባር፡ ገጽ 218-219

እብራውያን 11:26

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ክርስቶስ።”

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/5/2015፡ ገጽ 21-22

    15/4/2014፡ ገጽ 5፡ 6-7

    15/3/2012፡ ገጽ 28

    15/6/2002፡ ገጽ 11

እብራውያን 11:27

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ጢሞ 1:17
  • +ዘጸ 10:28
  • +ዘጸ 12:51

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዓንቀጽ 83

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/4/2014፡ ገጽ 8-10

    15/8/2005፡ ገጽ 22-23

    15/6/2001፡ ገጽ 18-23

    15/12/1999፡ ገጽ 21-22

    1/9/1995፡ ገጽ 9

እብራውያን 11:28

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኸይትንኪ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 12:21-23

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/4/2014፡ ገጽ 10-11

እብራውያን 11:29

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 14:22
  • +ዘጸ 14:27, 28

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/4/2014፡ ገጽ 11-12

እብራውያን 11:30

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 6:15, 20

እብራውያን 11:31

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 6:17

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/11/2013፡ ገጽ 13

እብራውያን 11:32

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 6:11
  • +መሳ 4:6
  • +መሳ 13:24
  • +መሳ 11:1
  • +1ሳሙ 16:13
  • +1ሳሙ 3:20

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ፡ ገጽ 70-71

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/1/2011፡ ገጽ 25-26

እብራውያን 11:33

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 7:12, 22
  • +2ሳሙ 7:8, 12
  • +መሳ 14:5, 6፣ 1ሳሙ 17:34-36፣ ዳን 6:21, 22

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)፡

    10/2016፡ ገጽ 23

    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ፡ ገጽ 70-71

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/1/2011፡ ገጽ 25-26

እብራውያን 11:34

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዳን 3:23-25
  • +2ነገ 6:15, 16
  • +መሳ 16:28፣ 1ነገ 18:46
  • +መሳ 11:32
  • +መሳ 4:16

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)፡

    10/2016፡ ገጽ 23

    ትንቢት ዳንኤል፡ ገጽ 81

እብራውያን 11:35

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ብበጃ ሓራ ምውጻእ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 17:22-24፣ 2ነገ 4:32, 34

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    12/2017፡ ገጽ 12

    ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)፡

    10/2016፡ ገጽ 23-24

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/5/2005፡ ገጽ 5-6፡ 17

    1/2/1995፡ ገጽ 20-21

    1/3/1994፡ ገጽ 29

    ንዘለኣለም ምንባር፡ ገጽ 173-174

እብራውያን 11:36

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 20:2
  • +ኤር 37:15

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)፡

    10/2016፡ ገጽ 23

እብራውያን 11:37

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 24:20, 21
  • +1ነገ 19:10
  • +2ነገ 1:8
  • +1ነገ 19:2
  • +1ነገ 22:24፣ ኤር 38:6

እብራውያን 11:38

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 18:4፣ 19:9

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)፡

    10/2016፡ ገጽ 23

እብራውያን 11:40

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እብ 2:3፣ 3:1፣ 7:22

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ራእይ፡ ገጽ 102-103

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/4/2002፡ ገጽ 30

    1/2/2002፡ ገጽ 22-23

ሓፈሻዊ

እብ. 11:1እብ 11:13
እብ. 11:4ዘፍ 4:5
እብ. 11:4ዘፍ 4:4
እብ. 11:4ዘፍ 4:8, 10
እብ. 11:5ዘፍ 5:22፣ ይሁ 14
እብ. 11:5ዘፍ 5:24
እብ. 11:6መዝ 58:11፣ ጸፎ 2:3፣ ማቴ 5:12፣ 6:33
እብ. 11:7ዘፍ 6:8, 9
እብ. 11:7ዘፍ 6:13, 17
እብ. 11:7ዘፍ 6:14
እብ. 11:7ዘፍ 6:22፣ 2ጴጥ 2:5
እብ. 11:8ሮሜ 4:9, 11
እብ. 11:8ዘፍ 12:1, 4
እብ. 11:9ዘፍ 23:4
እብ. 11:9ዘፍ 17:6፣ 26:3፣ 28:13
እብ. 11:9ዘፍ 12:8
እብ. 11:10እብ 11:16
እብ. 11:11ዘፍ 17:17፣ 21:2
እብ. 11:12ሮሜ 4:19
እብ. 11:12ዘፍ 22:17፣ 1ነገ 4:20
እብ. 11:12ዘፍ 21:5
እብ. 11:13ዘፍ 47:9
እብ. 11:13ዮሃ 8:56
እብ. 11:15ዘፍ 11:31
እብ. 11:16እብ 11:10፣ 12:22
እብ. 11:16ዘጸ 3:6, 15
እብ. 11:17ዘፍ 22:1, 2
እብ. 11:17ዘፍ 22:9, 10፣ ዮሃ 3:16
እብ. 11:18ዘፍ 21:12
እብ. 11:191ቈረ 10:11
እብ. 11:20ዘፍ 27:27-29
እብ. 11:20ዘፍ 27:38-40
እብ. 11:21ዘፍ 47:29
እብ. 11:21ዘፍ 48:15, 16, 20
እብ. 11:21ዘፍ 47:31
እብ. 11:22ዘፍ 50:24, 25፣ ዘጸ 13:19
እብ. 11:23ግብ 7:20
እብ. 11:23ዘጸ 1:16, 22
እብ. 11:23ዘጸ 2:2
እብ. 11:24ዘጸ 2:11
እብ. 11:24ዘጸ 2:10
እብ. 11:271ጢሞ 1:17
እብ. 11:27ዘጸ 10:28
እብ. 11:27ዘጸ 12:51
እብ. 11:28ዘጸ 12:21-23
እብ. 11:29ዘጸ 14:22
እብ. 11:29ዘጸ 14:27, 28
እብ. 11:30እያ 6:15, 20
እብ. 11:31እያ 6:17
እብ. 11:32መሳ 6:11
እብ. 11:32መሳ 4:6
እብ. 11:32መሳ 13:24
እብ. 11:32መሳ 11:1
እብ. 11:321ሳሙ 16:13
እብ. 11:321ሳሙ 3:20
እብ. 11:33መሳ 7:12, 22
እብ. 11:332ሳሙ 7:8, 12
እብ. 11:33መሳ 14:5, 6፣ 1ሳሙ 17:34-36፣ ዳን 6:21, 22
እብ. 11:34ዳን 3:23-25
እብ. 11:342ነገ 6:15, 16
እብ. 11:34መሳ 16:28፣ 1ነገ 18:46
እብ. 11:34መሳ 11:32
እብ. 11:34መሳ 4:16
እብ. 11:351ነገ 17:22-24፣ 2ነገ 4:32, 34
እብ. 11:36ኤር 20:2
እብ. 11:36ኤር 37:15
እብ. 11:372ዜና 24:20, 21
እብ. 11:371ነገ 19:10
እብ. 11:372ነገ 1:8
እብ. 11:371ነገ 19:2
እብ. 11:371ነገ 22:24፣ ኤር 38:6
እብ. 11:381ነገ 18:4፣ 19:9
እብ. 11:40እብ 2:3፣ 3:1፣ 7:22
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
  • 32
  • 33
  • 34
  • 35
  • 36
  • 37
  • 38
  • 39
  • 40
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
እብራውያን 11:1-40

እብራውያን

11 እምነት ናይቲ ተስፋ ዚግበሮ ርግጽ ትጽቢት፡+ ናይቲ ዘይርአ ነገር ግሁድ መርኣያ* እያ። 2 ጥንቲ ዝነበሩስ* ብእኣ እዩ እተመስከረሎም።

3 እቲ ስርዓታት* ብቓል ኣምላኽ ከም እተሰርዐ፡ በዚ ኸምዚ እቲ ዚርአ ኻብቲ ዘይርአ ኸም ዝዀነ፡ ብእምነት ነስተውዕል ኣለና።

4 ኣቤል ካብ ናይ ቃየል ዚበልጽ መስዋእቲ ንኣምላኽ ብእምነት ኣቕሪቡ እዩ፣+ ኣምላኽ ንመባኡ ብምቕባሉ፡* ጻድቕ ምዃኑ በታ እምነት እቲኣ ተመስኪሩሉ እዩ፣+ ምዉት ክነሱ ኸኣ፡ ብእምነቱ ይዛረብ ኣሎ።+

5 ሄኖክ፡+ ሞት ምእንቲ ኸይርኢ፡ ብእምነት ግዒዙ እዩ፣ ኣምላኽ ስለ ዘግዓዞ ኸኣ፡ ኣይተረኽበን፣+ ቅድሚ ምግዓዙስ ንኣምላኽ ባህ ከም ዘበሎ ተመስኪሩሉ እዩ። 6 ብዘይ እምነት ከኣ ንኣምላኽ ባህ ከተብሎ ኣይከኣልን እዩ፣ እቲ ናብ ኣምላኽ ዚቐርብሲ፡ ንሱ ኸም ዘሎን ነቶም ኣጸቢቖም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን ኪኣምን ይግብኦ እዩ።+

7 ኖህ+ ብዛዕባ እቲ ገና ዘይተራእየ ነገራት መለኮታዊ መጠንቀቕታ ምስ ተቐበለ፡+ ብፍርሃት ኣምላኽ ተደሪኹ ንምድሓን ቤተ ሰቡ እትኸውን መርከብ ብእምነት ሰሪሑ እዩ፣+ በታ እምነት እቲኣ ገይሩ ድማ ንዓለም ኰኒንዋ እዩ፣+ ነቲ ብእምነት ዚርከብ ጽድቂ ኸኣ ወራሲ ዀይኑ እዩ።

8 ኣብርሃም+ ምስ ተጸውዐ፡ ናብቲ ኸም ርስቲ ኪቕበሎ ዘለዎ ቦታ ብምውጻእ፡ ብእምነት ተኣዚዙ እዩ፣ ናበይ ከም ዚኸይድ እኳ እንተ ዘይፈለጠ፡ ወጺኡ እዩ።+ 9 ኣብታ ምድሪ ተስፋ ጓና ዀይኑ ኸም ኣብ ምድሪ ጓና ብእምነት ይነብር ነይሩ እዩ፣+ ምስቶም ነታ ተስፋ እቲኣ መዋርስቱ ዝዀኑ ይስሃቅን ያእቆብን+ ከኣ ኣብ ድንኳን ተቐሚጡ እዩ።+ 10 ከመይሲ፡ ነታ ኣምላኽ ዝነዳፊኣን ዝሃናጺኣን ናይ ሓቂ መሰረት ዘለዋ ኸተማ እዩ ዚጽበ ነይሩ።+

11 ሳራ እውን ዕድሚኣ እኳ ምስ ሓለፈ፡+ ነቲ ተስፋ ዝሃባ እሙን ገይራ ስለ ዝረኣየቶ፡ ዘርኢ ንምጥናስ ብእምነት ሓይሊ ረኺባ እያ። 12 ስለዚ ድማ፡ ካብ ሓደ፡ ንሱ እውን ከም ምዉት ክነሱስ፡+ ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ዝምብዛሖምን ከምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑጻ ዘይቍጸሩን+ ተወሊዶም እዮም።+

13 ኵሎም እዚኣቶም ነቲ ተስፋታት እኳ እንተ ዘይረኸብዎ፡+ ካብ ርሑቕ ርእዮም ግና ተቐቢሎምዎ እዮም፣+ ኣብታ ምድሪ እቲኣ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ምዃኖም እናተኣመኑ ኸኣ ብእምነት ጸኒዖም ሞይቶም እዮም። 14 እቶም ከምዚ ኢሎም ዚዛረቡስ፡ መንበሪ ዚዀኖም ናታቶም ቦታ ኣጸቢቖም ከም ዚደልዩ፡ የርእዩ እዮም። 15 ነቲ ሓዲጎምዎ ዝወጹ ይዝክሩ ነይሮም እንተ ዚዀኑስ፡+ ኪምለሱ ኣጋጣሚ ነይርዎም እዩ። 16 ሕጂ ግና እትሓይሽ፡ ማለት ናይ ሰማይ ዝዀነት ንምርካብ ይመጣጠሩ ኣለዉ። ስለዚ፡ ኣምላኽ፡ ከተማ ኣዳልዩሎም ኣሎ እሞ፡+ ከም ኣምላኾም ብኣታቶም ኪጽዋዕ ኣይሓፍርን እዩ።+

17 ኣብርሃም ምስ ተፈተነ፡+ ብእምነት ንይስሃቅ ሰዊእዎ ኺብሃል ይከኣል እዩ፣—እቲ ተሓጒሱ ተስፋታት እተቐበለስ፡ ነቲ ሓደ ወዱ ኺስውኦ ፈቲኑ እዩ፣+— 18 እዚ ዝገበረ ኸኣ፡ “ብይስሃቅ እዩ ዘርእኻ ዚጽዋዕ” ተባሂሉሉ ኽነሱ እዩ።+ 19 ኣምላኽ ካብ ምዉታት ኬተንስኦ ኸም ዚኽእል ግና ሓሲቡ እዩ፣ ካብኡ እውን ብምሳሌያዊ መገዲ ረኺብዎ እዩ።+

20 ይስሃቅ እውን ብዛዕባ እቲ ዚመጽእ ነገራት ንያእቆብን+ ንኤሳውን+ ብእምነት መሪቕዎም እዩ።

21 ያእቆብ ኪመውት ምስ በለ፡+ ንደቂ ዮሴፍ ንነፍሲ ወከፎም ብእምነት መሪቕዎም እዩ፣+ ኣብ ጫፍ በትሩ ተመርኲሱ ኸኣ ሰጊዱ እዩ።+

22 ዮሴፍ ኣብ ኣጋ ሞቱ፡ ብዛዕባ ምውጻእ ደቂ እስራኤል ብእምነት ተዛሪቡ እዩ፣ ብዛዕባ ኣዕጽምቱ* እውን ትእዛዝ ሂቡ እዩ።+

23 ሙሴ ምስ ተወልደ፡ ወለዱ ጽቡቕ ሕጻን ምዃኑ ርእዮም፡+ ኣዋጅ እቲ ንጉስ ከይፈርሁ፡+ ብእምነት ሰለስተ ወርሒ ሓቢኦምዎ እዮም።+ 24 ሙሴ ምስ ዓበየ፡+ ወዲ ጓል ፈርኦን ከይብሃል ብእምነት ኣብዩ እዩ፣+ 25 ንግዜኡ ብሓጢኣት ባህ ካብ ዚብሎስ፡ ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ደኣ እዩ መከራ ኺጸግብ ዝሓረየ፣ 26 ናብቲ ዚረኽቦ ዓስቢ ኣተኲሩ ስለ ዝጠመተ፡ ካብ መዛግብቲ ግብጽስ ነቲ ቕቡእ* ብምዃን ዚጽረፎ ጸርፊ ዝበዝሐ ሃብቲ ገይሩ እዩ ቘጺርዎ። 27 ነቲ ዘይርአስ ከም ዚርእዮ ዀይኑ ስለ ዝጸንዐ፡+ ንቝጥዓ እቲ ንጉስ ከይፈርሀ፡+ ብእምነት ንግብጺ ሓዲግዋ እዩ።+ 28 እቲ መጥፍኢ ንበዅራቶም ምእንቲ ኸይጐድእ፡* ብእምነት ፋስጋን ምንጻግ ደምን ኣብዒሉ እዩ።+

29 ንቐይሕ ባሕሪ ኸም ንቑጽ ምድሪ ገይሮም ብእምነት ተሳጊሮምዎ እዮም፣+ ግብጻውያን ከምኡ ኺገብሩ ምስ ፈተኑ ግና፡ ተዋሒጦም እዮም።+

30 መካበብያ ያሪኮ ሸውዓተ መዓልቲ ምስ ዞርዎ፡ ብእምነት ወዲቑ እዩ።+ 31 ረሃብ እታ ኣመንዝራ ነቶም ሰለይቲ ብሰላም ስለ እተቐበለቶም፡ ብእምነት ምስቶም ዘይተኣዘዙ ኣይጠፍአትን።+

32 ደጊም እንታይ እሞ ኽብል እየ፧ ብዛዕባ እኒ ጊዴዎን፡+ እኒ ባራቅ፡+ እኒ ሲምሶን፡+ እኒ ይፍታሕ፡+ እኒ ዳዊትን+ ሳሙኤልን+ ካልኦት ነብያትን ከየዘንትወልኩም ግዜ ይሓጽረኒ እዩ። 33 ንሳቶም ብእምነት ንመንግስትታት ስዒሮም፡+ ጽድቂ ኣምጺኦም፡ ተስፋታት ረኺቦም፡+ ኣፍ ኣናብስ ዓጽዮም፡+ 34 ንሓይሊ ሓዊ ኣጥፊኦም፡+ ካብ ስሕለት ሰይፊ ኣምሊጦም፡+ ካብ ድኻም በርቲዖም፡+ ኣብ ውግእ ሓዪሎም፡+ ንወራሪ ሰራዊት ሰጒጎም እዮም።+ 35 ኣንስቲ ንምዉታተን ብትንሳኤ ተቐቢለናኦም እየን፣+ ካልኦት ግና ዚሓይሽ ትንሳኤ ምእንቲ ኺረኽቡ ኢሎም፡ ሓራ ምውጻእ* ስለ ዝኣበዩ፡ ተሰቅዮም እዮም። 36 ገሊኦም ድማ ብላግጽን ብመግረፍትን፡ ኣብ ልዕሊ እዚ እውን ብመቝሕን+ ብማእሰርትን+ ተፈቲኖም እዮም። 37 ብዳርባ እምኒ ተቐቲሎም፡+ ተፈቲኖም፡ ብመጋዝ ተቘሪጾም፡ ብሰይፊ ተቐቲሎም፡+ ኣጐዛ ኣባጊዕን ዲኖ ኣጣልን ተኸዲኖም ዞይሮም፡+ ስኢኖም፡ ጸቢብዎም፡+ መከራ ጸጊቦም እዮም፣+ 38 ዓለም ከኣ ንዓታቶም እትበቅዕ ኣይነበረትን። ኣብ በረኻታትን ኣብ ኣኽራንን ኣብ በዓትታትን+ ኣብ ጐዳጕዲ ምድርን ኰለል ኢሎም እዮም።

39 ኵሎም እዚኣቶም ግና፡ ብእምነቶም እኳ እንተ ተመስከረሎም፡ ነታ ተስፋ ኣይረኸብዋን፣ 40 ብዘይ ብኣና ፍጹማት ምእንቲ ኸይኰኑስ፡ ኣምላኽ ብዛዕባና ዚሓይሽ ኣቐዲሙ ርእዩ እዩ።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ