ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ዘፍጥረት 45
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ዘፍጥረት—ትሕዝቶ

      • ዮሴፍ መንነቱ ገለጸ (1-15)

      • ኣሕዋት ዮሴፍ ናብ ያእቆብ ተመልሱ (16-28)

ዘፍጥረት 45:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 43:30
  • +ግብ 7:13

ዘፍጥረት 45:3

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/1/1999፡ ገጽ 30

ዘፍጥረት 45:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 37:28፣ ግብ 7:9

ዘፍጥረት 45:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 47:23, 25፣ 50:20፣ መዝ 105:17

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/1/1999፡ ገጽ 30

ዘፍጥረት 45:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 41:30፣ 47:18

ዘፍጥረት 45:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 46:26

ዘፍጥረት 45:8

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኣቦኡ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 105:21፣ ግብ 7:9, 10

ዘፍጥረት 45:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 45:26
  • +ግብ 7:14

ዘፍጥረት 45:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 46:33, 34፣ 47:1፣ ዘጸ 8:22፣ 9:26

ዘፍጥረት 45:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 47:12

ዘፍጥረት 45:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 42:23

ዘፍጥረት 45:14

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ክሳድ ሓዉ ብንያም ወዲቑ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 46:29

ዘፍጥረት 45:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 47:6

ዘፍጥረት 45:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 41:39, 40
  • +ዘፍ 45:27፣ 46:5
  • +ዘፍ 47:9

ዘፍጥረት 45:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 46:6

ዘፍጥረት 45:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 43:34

ዘፍጥረት 45:24

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 42:21, 22

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    6/2017፡ ገጽ 16-17

ዘፍጥረት 45:26

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 105:21
  • +ዘፍ 42:38፣ 44:27, 28

ዘፍጥረት 45:28

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 46:30

ሓፈሻዊ

ዘፍ. 45:1ዘፍ 43:30
ዘፍ. 45:1ግብ 7:13
ዘፍ. 45:4ዘፍ 37:28፣ ግብ 7:9
ዘፍ. 45:5ዘፍ 47:23, 25፣ 50:20፣ መዝ 105:17
ዘፍ. 45:6ዘፍ 41:30፣ 47:18
ዘፍ. 45:7ዘፍ 46:26
ዘፍ. 45:8መዝ 105:21፣ ግብ 7:9, 10
ዘፍ. 45:9ዘፍ 45:26
ዘፍ. 45:9ግብ 7:14
ዘፍ. 45:10ዘፍ 46:33, 34፣ 47:1፣ ዘጸ 8:22፣ 9:26
ዘፍ. 45:11ዘፍ 47:12
ዘፍ. 45:12ዘፍ 42:23
ዘፍ. 45:14ዘፍ 46:29
ዘፍ. 45:18ዘፍ 47:6
ዘፍ. 45:19ዘፍ 41:39, 40
ዘፍ. 45:19ዘፍ 45:27፣ 46:5
ዘፍ. 45:19ዘፍ 47:9
ዘፍ. 45:20ዘፍ 46:6
ዘፍ. 45:22ዘፍ 43:34
ዘፍ. 45:24ዘፍ 42:21, 22
ዘፍ. 45:26መዝ 105:21
ዘፍ. 45:26ዘፍ 42:38፣ 44:27, 28
ዘፍ. 45:28ዘፍ 46:30
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ዘፍጥረት 45:1-28

ዘፍጥረት

45 ሽዑ፡ ዮሴፍ ኣብ ቅድሚ እቶም ምስኡ ዝነበሩ ኣገልገልቲ፡ ርእሱ ኺቈጻጸር ኣይከኣለን።+ ዓው ኢሉ ኸኣ፡ “ንዅሎም ካብ ቅድመይ ኣውጽኡለይ” በለ። ዮሴፍ ንኣሕዋቱ፡ መንነቱ ኼፍልጦም ከሎ፡ ዋላ ሓደ ኻልእ ሰብ ምስኡ ኣይነበረን።+

2 ድምጹ ዓው ኣቢሉ ድማ በኸየ፣ ግብጻውያን ከኣ ሰምዑ፡ ቤት ፈርኦን እውን ሰምዐት። 3 ዮሴፍ ድማ ንኣሕዋቱ፡ “ኣነ ዮሴፍ እየ። ኣቦይከ ገናዶ ብህይወት ኣሎ፧” በሎም። ኣሕዋቱ ግና ብሰንኩ ተደሚሞም ስለ ዝነበሩ፡ ኪምልሱሉ ኣይከኣሉን። 4 ዮሴፍ ከኣ ንኣሕዋቱ፡ “በጃኹም ናባይ ቅረቡ” በሎም። ንሳቶም ድማ ናብኡ ቐረቡ።

ሽዑ፡ ከምዚ በሎም፦ “ኣነ ናብ ግብጺ ዝሸጥኩምኒ ዮሴፍ ሓውኩም እየ።+ 5 ንምድሓን ህይወት ኢሉ ኣምላኽ እዩ ቕድሜኹም ዝለኣኸኒ እሞ፡+ ሕጂ ናብዚ ስለ ዝሸጥኩምኒ ኣይትጕሃዩን ኣይትወቓቐሱን። 6 ኣብዛ ምድሪ፡ ጥሜት ካብ ዚኸውን እዚኣ ኻልአይቲ ዓመት እያ፣+ ዘይሕረሰለን ወይ ዘይዕጸደለን ከኣ ገና ሓሙሽተ ዓመት ኣለዋ። 7 ግናኸ፡ ኣብ ምድሪ ተረፍ ምእንቲ ኼትርፈልኩም፡+ ብዓብዪ ድሕነት ድማ ብህይወት ምእንቲ ኽትነብሩ፡ ቅድሜኹም ዝለኣኸኒ ኣምላኽ እዩ። 8 እምበኣር፡ ንፈርኦን ቀንዲ ኣማኻሪኡ፡* ንዅላ ቤቱ ጐይታ፡ ኣብ ኵላ ምድሪ ግብጺ ኸኣ ገዛኢ ክኸውን ዝሸመኒ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እዩ እምበር፡+ ንስኻትኩም ኣይኰንኩምን ናብዚ ዝለኣኽኩምኒ።

9 “ቀልጢፍኩም ናብ ኣቦይ ደይቡ እሞ፡ ከምዚ በልዎ፦ ‘ወድኻ ዮሴፍ ከምዚ ይብል ኣሎ፦ “ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ዅላ ግብጺ ጐይታ ገይሩ ሸይሙኒ ኣሎ።+ ናባይ ውረድ። ኣይትደንጒ።+ 10 ንስኻን ደቅኻን ደቂ ደቅኻን ጤለ በጊዕካን ከብትኻን ዘሎካ ዅሉን ኣብ ምድሪ ጎሼን ኣብ ጥቓይ ክትቅመጥ ኢኻ።+ 11 ገና ሓሙሽተ ዓመት ጥሜት ተሪፉ ኣሎ እሞ፡+ ኣብኡ ኽምግበካ እየ። እንተ ዘይኰነስ፡ ንስኻን ቤትካን ዘሎካ ዅሉን ክትደኽዩ ኢኹም።”’ 12 ዝዛረበኩም ዘለኹ ኣነ ምዃነይ፡+ ኣዒንትኹምን ኣዒንቲ ሓወይ ብንያምን ይርእያ ኣለዋ። 13 ስለዚ፡ ብዛዕባ ዅሉ ኣብ ግብጺ ዘሎኒ ኽብርን ብዛዕባ እቲ ዝረኣኹምዎ ዅሉን ንኣቦይ ንገርዎ። ንኣቦይ ከኣ ቀልጢፍኩም ናብዚ ኣውርድዎ።”

14 ሽዑ፡ ንሓዉ ብንያም ሓቚፍዎ* በኸየ፣ ብንያም እውን ኣብ ክሳዱ በኸየ።+ 15 ንዅሎም ኣሕዋቱ ኸኣ እናበኸየ ሰዓሞም፣ ድሕርዚ፡ ኣሕዋቱ ምስኡ ተዛረቡ።

16 ኣብ ቤት ፈርኦን ድማ፡ “ኣሕዋት ዮሴፍ መጺኦም” ዚብል ወረ ተሰምዐ። እዚ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ፈርኦንን ገላዉኡን ጽቡቕ ነበረ። 17 ፈርኦን ከኣ ንዮሴፍ ከምዚ በሎ፦ “ንኣሕዋትካ ኸምዚ ኢልካ ንገሮም፦ ‘ከምዚ ግበሩ፦ መጽዓኛታትኩም ጽዒንኩም ናብ ምድሪ ከነኣን ኪዱ፣ 18 ንኣቦኹምን ንቤተ ሰብኩምን ሒዝኩም ከኣ ናባይ ምጹ። ካብ ምድሪ ግብጺ ጸጽቡቑ ኽህበኩም እየ፣ ካብቲ ስቡሕ ክፋል እዛ ምድሪ እውን ክትበልዑ ኢኹም።’+ 19 ከምዚ ኢልካ ኽትነግሮም እውን እእዝዘካ ኣለኹ፦+ ‘ከምዚ ግበሩ፦ ንቘልዑኹምን ንኣንስትኹምን ካብ ግብጺ ሰረገላታት ውሰዱ፣+ ንኣቦኹም ድማ ሒዝኩምዎ ምጹ።+ 20 እቲ ኣብ ኵላ ምድሪ ግብጺ ዘሎ ዘዝበለጸ ናታትኩም እዩ እሞ፡ ብዛዕባ ንብረትኩም ኣይትጨነቑ።’”+

21 ደቂ እስራኤል ድማ ከምኡ ገበሩ፣ ዮሴፍ ከኣ ከም ትእዛዝ ፈርኦን፡ ሰረገላታት ሃቦም፣ ንመገዲ ድማ ስንቂ ሃቦም። 22 ንነፍሲ ወከፎም ለውጢ ኽዳውንቲ ሃቦም፣ ንብንያም ግና 300 ብሩርን ሓሙሽተ ለውጢ ኽዳውንትን ሃቦ።+ 23 ንኣቦኡ ድማ ጸጽቡቕ ነገር ግብጺ እተጻዕኑ ዓሰርተ ኣእዱግ፡ ንመገዲ ዚዀኖ ኸኣ እኽልን እንጌራን ቀለብን እተጻዕና ዓሰርተ ኣንስትዮ ኣእዱግ ለኣኸሉ። 24 ንኣሕዋቱ ኸኣ ሰደዶም፣ ምስ ነቐሉ ድማ፡ “ኣብ መገዲ ንሓድሕድኩም ኣይትተሓራረቑ” በሎም።+

25 ካብ ግብጺ ደዪቦም ከኣ ናብ ምድሪ ከነኣን ናብ ኣቦኦም ያእቆብ መጹ። 26 ሽዑ፡ “ዮሴፍ ገና ብህይወት ኣሎ፣ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ግብጺ ዚገዝእ ዘሎ እውን ንሱ እዩ”+ ኢሎም ነገርዎ። ንሱ ግና ስለ ዘይኣመኖም፡ ልቡ ደንዘዘ።+ 27 እቲ ዮሴፍ ዝበሎም ኵሉ ዘረባ ምስ ነገርዎ፡ እቲ ኺመጸሉ ኢሉ ዮሴፍ ዝሰደዶ ሰረገላታት ድማ ምስ ረኣየ፡ መንፈስ ኣቦኦም ያእቆብ ተሓደሰ። 28 እስራኤል ከኣ፡ “ይኣክል! ወደይ ዮሴፍሲ ገና ብህይወት ኣሎ! ቅድሚ ሙማተይ ደኣ ኸይደ ኽርእዮ” በለ።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ