ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 2 ዜና መዋእል 1
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

2 ዜና መዋእል—ትሕዝቶ

      • ሰሎሞን ጥበብ ኪውሃቦ ዘቕረቦ ልማኖ (1-12)

      • ሃብቲ ሰሎሞን (13-17)

2 ዜና መዋእል 1:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 29:25፣ መክ 2:9፣ ማቴ 6:28, 29፣ 12:42

2 ዜና መዋእል 1:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 3:4፣ 1ዜና 21:29

2 ዜና መዋእል 1:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 13:5
  • +1ዜና 16:1

2 ዜና መዋእል 1:5

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኣብኡ ንዕኡ ይሓትቱ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 31:2-5
  • +ዘጸ 38:1, 2

2 ዜና መዋእል 1:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 3:4

2 ዜና መዋእል 1:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 3:5-9

2 ዜና መዋእል 1:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 7:8
  • +1ዜና 28:5፣ መዝ 89:28, 29

2 ዜና መዋእል 1:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 13:14, 16
  • +2ሳሙ 7:12፣ 1ዜና 28:6፣ መዝ 132:11

2 ዜና መዋእል 1:10

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ቅድሚ እዚ ህዝቢ እዚ ኽወጽእን ክኣቱንሲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 72:1, 2
  • +ምሳ 2:6፣ ያእ 1:5

2 ዜና መዋእል 1:11

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነፍሲ።”

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ብዙሕ መዓልትታት።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 3:10-13, 28

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/12/2005፡ ገጽ 19

2 ዜና መዋእል 1:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 29:25፣ 2ዜና 9:22፣ መክ 2:9

2 ዜና መዋእል 1:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 3:4

2 ዜና መዋእል 1:14

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ፈረሰኛታትን።”

  • *

    ወይ፡ “ፈረሰኛታትን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 17:16፣ 1ነገ 4:26
  • +2ዜና 8:5, 6
  • +2ዜና 9:25

2 ዜና መዋእል 1:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 10:21
  • +1ነገ 10:27፣ 2ዜና 9:27

2 ዜና መዋእል 1:16

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ካብ ግብጽን ካብ ቅወን ይኣትዉ ነበሩ፣ ነጋዶ ንጉስ ከኣ ካብ ቅወ ብውሱን ዋጋ ይዕድግዎም ነበሩ” ኪኸውን ይኽእል። ቅወ ንቂልቅያ ዜመልክት ኪኸውን ይኽእል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 9:28
  • +1ነገ 10:28, 29

ሓፈሻዊ

2 ዜና 1:11ዜና 29:25፣ መክ 2:9፣ ማቴ 6:28, 29፣ 12:42
2 ዜና 1:31ነገ 3:4፣ 1ዜና 21:29
2 ዜና 1:41ዜና 13:5
2 ዜና 1:41ዜና 16:1
2 ዜና 1:5ዘጸ 31:2-5
2 ዜና 1:5ዘጸ 38:1, 2
2 ዜና 1:61ነገ 3:4
2 ዜና 1:71ነገ 3:5-9
2 ዜና 1:82ሳሙ 7:8
2 ዜና 1:81ዜና 28:5፣ መዝ 89:28, 29
2 ዜና 1:9ዘፍ 13:14, 16
2 ዜና 1:92ሳሙ 7:12፣ 1ዜና 28:6፣ መዝ 132:11
2 ዜና 1:10መዝ 72:1, 2
2 ዜና 1:10ምሳ 2:6፣ ያእ 1:5
2 ዜና 1:111ነገ 3:10-13, 28
2 ዜና 1:121ዜና 29:25፣ 2ዜና 9:22፣ መክ 2:9
2 ዜና 1:131ነገ 3:4
2 ዜና 1:14ዘዳ 17:16፣ 1ነገ 4:26
2 ዜና 1:142ዜና 8:5, 6
2 ዜና 1:142ዜና 9:25
2 ዜና 1:151ነገ 10:21
2 ዜና 1:151ነገ 10:27፣ 2ዜና 9:27
2 ዜና 1:162ዜና 9:28
2 ዜና 1:161ነገ 10:28, 29
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
2 ዜና መዋእል 1:1-17

2 ዜና መዋእል

1 ሰሎሞን ወዲ ዳዊት ድማ ኣብ ንግስናኡ እናበርትዐ ኸደ፣ የሆዋ ኣምላኹ ኸኣ ምስኡ ነበረ፡ ኣዝዩ እውን ኣዕበዮ።+

2 ሰሎሞን ድማ ናብ ኵሉ እስራኤል፡ ናብ ኣሕሉቕ ሽሕን ናብ ኣሕሉቕ ሚእትን ናብ ፈራዶን ናብ ኵሎም ሹማምንቲ ብዘሎ እስራኤልን ናብ ርእስታት ማይ ቤትን ለኣኸ። 3 ሽዑ፡ ሰሎሞንን ኵሉ እቲ ጉባኤን፡ እቲ ሙሴ ጊልያ የሆዋ ኣብ በረኻ ዝገበሮ ድንኳን ምርኻብ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣብኡ ስለ ዝነበረ፡ ናብቲ ኣብ ጊብዖን ዝነበረ በሪኽ+ ከዱ። 4 ግናኸ፡ ዳዊት ንታቦት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ካብ ቂርያት-የዓሪም ናብታ ዳዊት ዘዳለወሉ ቦታ ኣደይብዎ ነበረ፣+ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ድንኳን ተኺሉሉ ነበረ።+ 5 እቲ በሳልኤል+ ወዲ ኡሪ ወዲ ሑር ዝገበሮ መሰውኢ ነሓሲ+ ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ማሕደር የሆዋ ተነቢሩ ነበረ፣ ሰሎሞንን እቲ ጉባኤን ከኣ ኣብ ቅድሚኡ ይጽልዩ* ነበሩ። 6 ሰሎሞን ድማ ኣብኡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ መስዋእቲ ሰውአ፣ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ድንኳን ምርኻብ መሰውኢ ነሓሲ+ ኸኣ 1,000 ዚሓርር መስዋእቲ ሰውአ።

7 ኣምላኽ ድማ በታ ለይቲ እቲኣ ንሰሎሞን ተራእዮ፣ “እንታይ ክህበካ ኸም እትደሊ ለምን” ከኣ በሎ።+ 8 ሰሎሞን ድማ ንኣምላኽ ከምዚ በሎ፦ “ንስኻ ንኣቦይ ዳዊት ብተኣማንነት ኣጸቢቕካ ኣፍቂርካዮ፡+ ኣብ ክንዳኡ እውን ኣንጊስካኒ ኢኻ።+ 9 ሕጂ ኸኣ፡ ኦ የሆዋ ኣምላኽ፡ ንስኻ ኸም ሓመድ ምድሪ ኣብ ልዕሊ ዝምብዛሑ ህዝቢ ኣንጊስካኒ ኢኻ እሞ፡+ እቲ ንኣቦይ ዳዊት ዘተስፎኻዮ ተስፋ እሙን ይኹን።+ 10 ነዚ ዓብዪ ህዝብኻ እዚ ደኣ መን ኪፈርዶ ይኽእል፧+ ሕጂ እምበኣር፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ኽመርሕሲ፡* ጥበብን ፍልጠትን ሃበኒ።”+

11 ኣምላኽ ድማ ንሰሎሞን ከምዚ በሎ፦ “እዚ ነገር እዚ ትምኒት ልብኻ ስለ ዝዀነ፡ ሃብቲ፡ ጥሪት፡ ክብሪ፡ ወይ ሞት* ጸላእትኻ ስለ ዘይለመንካ፡ ንርእስኻ እውን ነዊሕ ዕድመ* ስለ ዘይለመንካ፡ የግዳስ፡ ነዚ ኣብ ልዕሊኡ ዘንገስኩኻ ህዝበይ ንምፍራድ ጥበብን ፍልጠትን ስለ ዝለመንካ፡+ 12 ጥበብን ፍልጠትን ኪውሃበካ እዩ፣ ከምኡ ድማ ቅድሜኻ ንዝነበሩ ነገስታት ዘይነበሮም፡ ብድሕሬኻ ንዚትንስኡ እውን ዘይህልዎም ሃብትን ጥሪትን ክብርን ክህበካ እየ።”+

13 ሰሎሞን ካብቲ ኣብ ጊብዖን ዝነበረ በሪኽ፡+ ካብ ቅድሚ እቲ ድንኳን ምርኻብ፡ ናብ የሩሳሌም መጸ፣ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከኣ ነገሰ። 14 ሰሎሞን ድማ ሰረገላታትን ኣፍራስን* ኣከበ፣ 1,400 ሰረገላን 12,000 ፈረስን*+ ከኣ ነበርዎ፣ ኣብ ከተማታት ሰረገላን+ ኣብ ጥቓ ንጉስ ኣብ የሩሳሌምን ድማ ኣቐመጦም።+ 15 ንጉስ ከኣ ንብሩርን ንወርቅን ኣብ የሩሳሌም ከም እምኒ ዝምብዛሑ ገበሮ፣+ ንዕንጨይቲ ቄድሮስ እውን ኣብ ሼፈላ ኸም ዘሎ ኣእዋም ሳግላ ዝምብዛሑ ገበሮ።+ 16 ኣፍራስ ሰሎሞን ድማ ካብ ግብጺ ይኣትዉ ነበሩ፣+ ጕጅለ ነጋዶ ንጉስ ከኣ ንኣፍራስ ብሕደ ዋጋ ብመጓሰ የምጽኡ ነበሩ።*+ 17 ካብ ግብጺ ዚኣቱ ዝነበረ ሰረገላ፡ ነንሓደ 600 ብሩር፡ ሓደ ፈረስ ድማ 150 የውጽእ ነበረ፣ ንሳቶም ከኣ ናብ ኵሎም ነገስታት ሔታውያንን ነገስታት ሶርያን ይሰድዱ ነበሩ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ