ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 1 ዜና መዋእል 13
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

1 ዜና መዋእል—ትሕዝቶ

      • እቲ ታቦት ካብ ቂርያት-የዓሪም ደየበ (1-14)

        • ዑዛ ተቐዝፈ (9, 10)

1 ዜና መዋእል 13:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 15:25

1 ዜና መዋእል 13:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 35:2

1 ዜና መዋእል 13:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 7:2
  • +1ሳሙ 14:18

1 ዜና መዋእል 13:5

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ሺሖር።”

  • *

    ወይ፡ “መእተዊ ሓማት።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 6:21-7:1፣ 2ሳሙ 6:1, 2፣ 1ዜና 15:3
  • +ዘሁ 34:2, 8

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/10/2005፡ ገጽ 10

1 ዜና መዋእል 13:6

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኣብ መንጎ” ኪኸውን ይኽእል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 25:22፣ ዘሁ 7:89፣ 1ሳሙ 4:4፣ 2ሳሙ 6:2
  • +እያ 15:9, 12

1 ዜና መዋእል 13:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 37:5
  • +2ሳሙ 6:3-8

1 ዜና መዋእል 13:8

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ብኽራርን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 15:20
  • +1ዜና 25:1
  • +2ዜና 5:13

1 ዜና መዋእል 13:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 4:15
  • +ዘሌ 10:1, 2

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/2/2005፡ ገጽ 26-27

1 ዜና መዋእል 13:11

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ትርጉሙ፡ “ፍንጠሳ ኣብ ዑዛ።”

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/10/2005፡ ገጽ 11

1 ዜና መዋእል 13:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 6:9-11

1 ዜና መዋእል 13:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 30:27፣ 39:5

ሓፈሻዊ

1 ዜና 13:11ዜና 15:25
1 ዜና 13:2ዘሁ 35:2
1 ዜና 13:31ሳሙ 7:2
1 ዜና 13:31ሳሙ 14:18
1 ዜና 13:51ሳሙ 6:21-7:1፣ 2ሳሙ 6:1, 2፣ 1ዜና 15:3
1 ዜና 13:5ዘሁ 34:2, 8
1 ዜና 13:6ዘጸ 25:22፣ ዘሁ 7:89፣ 1ሳሙ 4:4፣ 2ሳሙ 6:2
1 ዜና 13:6እያ 15:9, 12
1 ዜና 13:7ዘጸ 37:5
1 ዜና 13:72ሳሙ 6:3-8
1 ዜና 13:8ዘጸ 15:20
1 ዜና 13:81ዜና 25:1
1 ዜና 13:82ዜና 5:13
1 ዜና 13:10ዘሁ 4:15
1 ዜና 13:10ዘሌ 10:1, 2
1 ዜና 13:122ሳሙ 6:9-11
1 ዜና 13:14ዘፍ 30:27፣ 39:5
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
1 ዜና መዋእል 13:1-14

1 ዜና መዋእል

13 ዳዊት ድማ ምስ ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን ምስ ኵሎም መራሕትን ተማኸረ።+ 2 ዳዊት ከኣ ንዅሎም ጉባኤ እስራኤል፡ “ንዓኻትኩም ጽቡቕ እንተ መሲሉኩም፡ ኣብ የሆዋ ኣምላኽና እውን ቅቡል እንተ ዀይኑ፡ ናባና መጺኦም ምእንቲ ኺእከቡ፡ ኣብ ኵላ ምድሪ እስራኤል ናብ ዘለዉ ዝተረፉ ኣሕዋትናን ናብቶም ኣብ ከተማታቶም+ መምስ መጓሰዪአን ዘለዉ ኻህናትን ሌዋውያንን ንልኣኽ። 3 ንታቦት+ ኣምላኽና ኸኣ ነምጽኣዮ” በሎም። ከመይሲ፡ ብዘመን ሳኦል ኣይተገደሱሉን ነበሩ።+ 4 ንዅሎም እቶም ህዝቢ ቕኑዕ መሲልዎም ነበረ እሞ፡ ኵሎም እቶም ጉባኤ ኸምኡ ኺገብሩ ተሰማምዑ። 5 ዳዊት ድማ ንታቦት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ካብ ቂርያት-የዓሪም ንምምጻእ፡+ ካብቲ ፈለግ* ግብጺ ኽሳብ ለቦ-ሓማት* ንዝነበሩ ዅሎም እስራኤል ኣከቦም።+

6 ዳዊትን ኵሎም እስራኤልን ከኣ ነቲ ስሙ ዚጽውዓሉ ታቦት እቲ ኣብ ልዕሊ* ኪሩቤል+ ኣብ ዝፋን ዚቕመጥ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ኼደይብዎ፡ ናብ በዓላ፡+ ናብ ቂርያት-የዓሪም ናይ ይሁዳ ደየቡ። 7 ግናኸ፡ ንታቦት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣብ ሓድሽ ሰረገላ ኣንቢሮም፡+ ካብ ቤት ኣቢናዳብ ወሰድዎ፣ ዑዛን ኣሕዮን ድማ ነቲ ሰረገላ ይመርሕዎ ነበሩ።+ 8 ዳዊትን ኵሎም እስራኤልን ከኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ብዅሉ ሓይሎም ብመዝሙራትን ብመሰንቆን* ብበገናን ብኸበሮን+ ብጸናጽል ሸሓንን+ ብመለኸትን+ ይጻወቱ ነበሩ። 9 ናብ ዓውዲ ኪዶን ምስ መጹ ግና፡ እቶም ከብቲ ነቲ ታቦት ኪግልብጥዎ ስለ ዝበሉ፡ ዑዛ ኢዱ ዘርጊሑ ሓዞ። 10 ሽዑ፡ ቍጥዓ የሆዋ ኣብ ዑዛ ነደደ፣ ኢዱ ኣብ ልዕሊ እቲ ታቦት ስለ ዝዘርግሐ ኸኣ ወቕዖ እሞ፡+ ንሱ ኣብኡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሞተ።+ 11 ዳዊት ድማ፡ ቍጥዓ የሆዋ ፈንጢሱ ኣብ ዑዛ ስለ እተኻዕወ፡ ጐሃየ፣ እታ ቦታ እቲኣ ኸኣ፡ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ጴረጽ-ዑዛ* ትብሃል ኣላ።

12 ዳዊት ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ፈርሆ እሞ፡ “ታቦት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከመይ ገይሩ ናባይ ኪመጽእ ይኽእል፧” በለ።+ 13 ዳዊት ከኣ ነቲ ታቦት ናብታ ዝነበራ ኸተማ ዳዊት ኣየምጽኦን። የግዳስ፡ ናብ ቤት ዖቤድ-ኤዶም እቲ ጊታዊ ኸም ዚውሰድ ገበረ። 14 ታቦት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ድማ ምስ ቤተ ሰብ ዖቤድ-ኤዶም ነበረ፣ ኣብ ቤቱ ኸኣ ሰለስተ ወርሒ ጸንሐ፣ የሆዋ ድማ ንቤተ ሰብ ዖቤድ-ኤዶምን ንዘለዎ ዅሉን ባረኸ።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ