ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ኤርምያስ 28
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ኤርምያስ—ትሕዝቶ

      • ኤርምያስ ምስቲ ናይ ሓሶት ነብዪ ዝዀነ ሓናንያ እተመላለሶ ቓል (1-17)

ኤርምያስ 28:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 24:17፣ 2ዜና 36:10
  • +እያ 11:19፣ 2ሳሙ 21:2

ኤርምያስ 28:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 27:4, 8

ኤርምያስ 28:3

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ዓመታት መዓልትታት።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 24:11, 13፣ ኤር 27:16፣ ዳን 1:2

ኤርምያስ 28:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 24:8፣ 25:27፣ ኤር 37:1
  • +2ነገ 23:36፣ 24:6
  • +2ነገ 24:12, 14፣ ኤር 24:1

ኤርምያስ 28:6

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ይኹን!”

ኤርምያስ 28:8

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ሕማምን።”

ኤርምያስ 28:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 27:2

ኤርምያስ 28:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 28:4

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ኤርምያስ፡ ገጽ 187-188

ኤርምያስ 28:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 27:2

ኤርምያስ 28:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 28:48፣ ኤር 5:19
  • +ኤር 27:6፣ ዳን 2:37, 38

ኤርምያስ 28:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 28:1
  • +ኤር 14:14፣ 23:21፣ 27:15፣ ህዝ 13:3

ኤርምያስ 28:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 13:5፣ 18:20፣ ኤር 29:32

ሓፈሻዊ

ኤር. 28:12ነገ 24:17፣ 2ዜና 36:10
ኤር. 28:1እያ 11:19፣ 2ሳሙ 21:2
ኤር. 28:2ኤር 27:4, 8
ኤር. 28:32ነገ 24:11, 13፣ ኤር 27:16፣ ዳን 1:2
ኤር. 28:42ነገ 24:8፣ 25:27፣ ኤር 37:1
ኤር. 28:42ነገ 23:36፣ 24:6
ኤር. 28:42ነገ 24:12, 14፣ ኤር 24:1
ኤር. 28:10ኤር 27:2
ኤር. 28:11ኤር 28:4
ኤር. 28:13ኤር 27:2
ኤር. 28:14ዘዳ 28:48፣ ኤር 5:19
ኤር. 28:14ኤር 27:6፣ ዳን 2:37, 38
ኤር. 28:15ኤር 28:1
ኤር. 28:15ኤር 14:14፣ 23:21፣ 27:15፣ ህዝ 13:3
ኤር. 28:16ዘዳ 13:5፣ 18:20፣ ኤር 29:32
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ኤርምያስ 28:1-17

ኤርምያስ

28 በታ ዓመት እቲኣ፡ ኣብ መጀመርታ ንግስና ጼዴቅያስ+ ንጉስ ይሁዳ፡ ኣብታ ራብዐይቲ ዓመት፡ ኣብ ሓምሸይቲ ወርሒ፡ ነብዪ ሓናንያ ወዲ ዓዙር ብዓል ጊብዖን+ ኣብ ቤት የሆዋ፡ ኣብ ቅድሚ ኻህናትን ኵሉ ህዝብን ከምዚ በለኒ፦ 2 “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል፦ ‘ንኣርዑት ንጉስ ባቢሎን ክሰብሮ እየ።+ 3 ኣብ ውሽጢ ኽልተ ዓመት፡* ኵሉ እቲ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ካብዚ ቦታ እዚ ወሲዱ ናብ ባቢሎን ዘምጽኦ ኣቕሑ ቤት የሆዋ ናብዛ ቦታ እዚኣ ኽመልሶ እየ።’”+ 4 “‘ንኣርዑት ንጉስ ባቢሎን ክሰብሮ እየ እሞ፡ ንየኮንያ+ ወዲ ዮያቂም+ ንጉስ ይሁዳን ንዅሎም እቶም ናብ ባቢሎን ዝኸዱ ምሩኻት ይሁዳን+ ከኣ ክመልሶም እየ’ ይብል የሆዋ።”

5 ሽዑ፡ ነብዪ ኤርምያስ ንነብዪ ሓናንያ፡ ኣብ ቅድሚ እቶም ካህናትን ኣብ ቅድሚ ዅሉ እቲ ኣብ ቤት የሆዋ ደው ኢሉ ዝነበረ ህዝብን ተዛረቦ። 6 ነብዪ ኤርምያስ ድማ፡ “ኣሜን!* የሆዋ ይግበሮ! ነቲ ኣቕሑ ቤት የሆዋን ንዅሎም እቶም ምሩኻትን ካብ ባቢሎን ናብዛ ቦታ እዚኣ ብምምላስ፡ የሆዋ ነቲ እተነበኻዮ ቓላትካ ይፈጽሞ! 7 ግናኸ፡ በጃኻ ነዚ ኣብ ኣእዛንካን ኣብ ኣእዛን ኵሉ ህዝብን ዝዛረቦ ዘለኹ ቓል ስማዕ። 8 ጥንቲ፡ እቶም ቅድመይን ቅድሜኻን ዝነበሩ ነብያት ብዛዕባ ብዙሓት ሃገራትን ዓበይቲ መንግስትታትን፡ ብዛዕባ ውግእን መዓትን ለበዳን* ይንበዩ ነይሮም እዮም። 9 ሓደ ነብዪ ብዛዕባ ሰላም እንተ ተነብዩ፡ ቃል እቲ ነብዪ እቲ ድማ እንተ ተፈጺሙ፡ ሽዑ እዩ የሆዋ ነቲ ነብዪ እቲ ብሓቂ ኸም ዝለኣኾ ዚፍለጥ።”

10 ሽዑ፡ ነብዪ ሓናንያ ነቲ ኣርዑት ካብ ክሳድ ነብዪ ኤርምያስ ወሲዱ ሰበሮ።+ 11 ሓናንያ ድማ ኣብ ቅድሚ ዅሉ እቲ ህዝቢ፡ “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ከምዚ ገይረ ንኣርዑት ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ካብ ክሳድ ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ውሽጢ ኽልተ ዓመት ክሰብሮ እየ።’”+ ነብዪ ኤርምያስ ከኣ መገዱ ኸደ።

12 ነብዪ ሓናንያ ነቲ ኣርዑት ካብ ክሳድ ነብዪ ኤርምያስ ወሲዱ ምስ ሰበሮ፡ እዚ መልእኽቲ የሆዋ እዚ ናብ ኤርምያስ መጸ፦ 13 “ኬድካ ንሓናንያ ኸምዚ በሎ፦ ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ንስኻስ ኣርዑታት ዕንጨይቲ ሴርካ ኣለኻ፣+ ኣብ ክንዳኡ ግና፡ ኣርዑታት ሓጺን ክትገብር ኢኻ።” 14 የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤልሲ፡ ከምዚ ይብል፦ “ንነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ኪግዝእዎስ፡ ኣብ ክሳድ ኵሎም እዞም ኣህዛብ እዚኦም ኣርዑት ሓጺን ክገብር እየ፣+ ንሳቶም ከኣ ኪግዝእዎ እዮም። እንስሳታት መሮር እኳ ኽህቦ እየ።”’”+

15 ነብዪ ኤርምያስ ድማ ንነብዪ ሓናንያ+ ኸምዚ በሎ፦ “ኣታ ሓናንያ፡ እስከ ስምዓኒ! የሆዋ ኣይለኣኸካን፣ ነዚ ህዝቢ እዚ ግና ብሓሶት ከም ዚእመን ጌርካዮ ኢኻ።+ 16 ስለዚ፡ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘እንሆ፡ ካብ ገጽ ምድሪ ኸርሕቐካ እየ። ኣብ የሆዋ ዕልወት ኪግበር ደፋፊእካ ኢኻ እሞ፡ በዛ ዓመት እዚኣ ኽትመውት ኢኻ።’”+

17 ስለዚ፡ ነብዪ ሓናንያ በታ ዓመት እቲኣ፡ ኣብ ሻውዐይቲ ወርሒ ሞተ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ