ኢሳይያስ
16 ናብ ገዛኢ እታ ምድሪ፡
ካብ ሴላዕ ብበረኻ ኣቢልኩም፡
ናብ ከረን ጓል ጽዮን፡ ድዑል ስደዱ።
3 “ምኽሪ ሃቡ፡ ውሳነ ፈጽሙ።
ቀትሪ ኸሎ፡ ንጽላሎትኪ ኸም ለይቲ ግበርዮ።
ንእተበተኑ ሕብእዮም፡ ንህዱማት ኣሕሊፍኪ ኣይትሃቢ።
4 ኣቲ ሞኣብ፡ እቶም ብቱናተይ ኣባኺ ይንበሩ።
ካብ ቅድሚ እቲ መጥፍኢ፡ መሕብኢ ዅንዮም።+
እቲ ጨቋኒ ናብ መወዳእታኡ ኺበጽሕ፡
እቲ ጥፍኣት እውን ኪውዳእ እዩ፣
እቶም ዚረግጹ ድማ፡ ካብ ምድሪ ኺጠፍኡ እዮም።
5 ሽዑ፡ ዝፋን ብተኣማንነት ብዚርአ ፍቕሪ ኺጸንዕ እዩ።
7 ስለዚ፡ ሞኣብ ንሞኣብ ዋይዋይ ኪብለሉ እዩ፣
ኵላቶም ዋይዋይ ኪብሉ እዮም።+
እቶም እተወቕዑ ድማ፡ ብዛዕባ ጎጎ ዘቢብ ቂር-ሓረሰት ኪቝዝሙ እዮም።+
8 ከመይሲ፡ ዛላታት ሔስቦን+ ኰነ፡
ተኽሊ ወይኒ ሲብማ+ ነቒጹ፣
ገዛእቲ ኣህዛብ ነቲ ብሩህ ቀይሕ ጨናፍራ* ረጊጾምዎ፣
ክሳብ ያዕዜር በጺሖም፣+
ክሳብ በረኻ ተዘርጊሖም።
ጨናፍራ ኣስፋሕፊሑ፡ ክሳብ ባሕሪ ድማ በጺሑ።
9 ስለዚ፡ ከምቲ ንያዕዜር ዝበኸኹላ፡ ንተኽሊ ወይኒ ሲብማ ኽበኽየላ እየ።
10 ሓጐስን ባህታን ካብ ግራት ፍረታት ተወሲዱ እዩ፣
ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ ኸኣ ደርፊ ሓጐስ ወይ እልልታ የልቦን።+
ንጭድርታ ኸም ዜቋርጽ ገይረዮ እየ እሞ፡+
ረጋጺ ኣብ መጽመቝ ወይኒ ደጊም ኣይኪረግጽን እዩ።
12 ሞኣብ ኣብ በሪኽ እኳ ንርእሱ እንተ ኣድከማ፡ ኣብ መቕደሱ እውን እንተ ጸለየ፡ ሓንቲ እኳ ኣይኪዓምምን እዩ።+
13 የሆዋ ብዛዕባ ሞኣብ ኣቐዲሙ እተዛረቦ ቓል እዚ እዩ። 14 ሕጂ ኸኣ የሆዋ፡ “ክብሪ ሞኣብ፡ ከም ዓመታት ዕሱብ፡ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመት* ምስ ብዙሕ ህውከት ኪዋረድ እዩ፣ እቶም ዚተርፉ እውን ኣዝዮም ሒደትን ዘይረብሑን ኪዀኑ እዮም” ይብል።+