ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ኢሳይያስ 16
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ኢሳይያስ—ትሕዝቶ

      • ኣንጻር ሞኣብ እተዘርበ መልእኽቲ ይቕጽል (1-14)

ኢሳይያስ 16:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 48:19
  • +ዘሁ 21:13

ኢሳይያስ 16:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 48:8, 42

ኢሳይያስ 16:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 7:16, 17
  • +መዝ 45:6፣ 72:1, 2፣ ኢሳ 9:6, 7፣ 32:1፣ ኤር 23:5

ኢሳይያስ 16:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 48:26, 29፣ ጸፎ 2:9, 10
  • +ኣሞ 2:1

ኢሳይያስ 16:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 15:2፣ ኤር 48:20
  • +2ነገ 3:24, 25

ኢሳይያስ 16:8

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነቲ ቐይሕ ወይኒ ዝጾረ ጨናፍራ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 13:15, 17
  • +ዘሁ 32:37, 38፣ እያ 13:15, 19
  • +እያ 13:24, 25፣ ኤር 48:32

ኢሳይያስ 16:9

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ጭድርታ ውግእ ኣብ ፍረ ሓጋይክንን ኣብ ቀውዕኽንን ወሪዱ እዩ እሞ” ኪኸውን ይኽእል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 15:4፣ ኤር 48:34

ኢሳይያስ 16:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 48:33
  • +ጸፎ 2:9

ኢሳይያስ 16:11

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ክራር።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 15:5፣ ኤር 48:36
  • +ኢሳ 15:1

ኢሳይያስ 16:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 48:7, 35

ኢሳይያስ 16:14

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ከምቲ ዕሱብ ዚገብሮ ተጠንቂቕካ ምስ ተቘጽረ፣” ማለት፡ ብልክዕ ኣብ ሰለስተ ዓመት።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 25:10፣ ኤር 48:46, 47፣ ጸፎ 2:9

ሓፈሻዊ

ኢሳ. 16:2ኤር 48:19
ኢሳ. 16:2ዘሁ 21:13
ኢሳ. 16:4ኤር 48:8, 42
ኢሳ. 16:52ሳሙ 7:16, 17
ኢሳ. 16:5መዝ 45:6፣ 72:1, 2፣ ኢሳ 9:6, 7፣ 32:1፣ ኤር 23:5
ኢሳ. 16:6ኤር 48:26, 29፣ ጸፎ 2:9, 10
ኢሳ. 16:6ኣሞ 2:1
ኢሳ. 16:7ኢሳ 15:2፣ ኤር 48:20
ኢሳ. 16:72ነገ 3:24, 25
ኢሳ. 16:8እያ 13:15, 17
ኢሳ. 16:8ዘሁ 32:37, 38፣ እያ 13:15, 19
ኢሳ. 16:8እያ 13:24, 25፣ ኤር 48:32
ኢሳ. 16:9ኢሳ 15:4፣ ኤር 48:34
ኢሳ. 16:10ኤር 48:33
ኢሳ. 16:10ጸፎ 2:9
ኢሳ. 16:11ኢሳ 15:5፣ ኤር 48:36
ኢሳ. 16:11ኢሳ 15:1
ኢሳ. 16:12ኤር 48:7, 35
ኢሳ. 16:14ኢሳ 25:10፣ ኤር 48:46, 47፣ ጸፎ 2:9
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ኢሳይያስ 16:1-14

ኢሳይያስ

16 ናብ ገዛኢ እታ ምድሪ፡

ካብ ሴላዕ ብበረኻ ኣቢልኩም፡

ናብ ከረን ጓል ጽዮን፡ ድዑል ስደዱ።

 2 ካብ ሰፈራ ኸም ዝሃደመት ዑፍ፡+

ኣዋልድ ሞኣብ ኣብ መሳገሪታት ኣርኖን ከምኡ ኪዀና እየን።+

 3 “ምኽሪ ሃቡ፡ ውሳነ ፈጽሙ።

ቀትሪ ኸሎ፡ ንጽላሎትኪ ኸም ለይቲ ግበርዮ።

ንእተበተኑ ሕብእዮም፡ ንህዱማት ኣሕሊፍኪ ኣይትሃቢ።

 4 ኣቲ ሞኣብ፡ እቶም ብቱናተይ ኣባኺ ይንበሩ።

ካብ ቅድሚ እቲ መጥፍኢ፡ መሕብኢ ዅንዮም።+

እቲ ጨቋኒ ናብ መወዳእታኡ ኺበጽሕ፡

እቲ ጥፍኣት እውን ኪውዳእ እዩ፣

እቶም ዚረግጹ ድማ፡ ካብ ምድሪ ኺጠፍኡ እዮም።

 5 ሽዑ፡ ዝፋን ብተኣማንነት ብዚርአ ፍቕሪ ኺጸንዕ እዩ።

እቲ ኣብኡ ኣብ ድንኳን ዳዊት ዚቕመጥ፡ እሙን ኪኸውን እዩ፣+

ብቕንዕና ኺፈርድ፡ ብፍጥነት ከኣ ጽድቂ ኺፍጽም እዩ።”+

 6 ብዛዕባ ትምክሕቲ ሞኣብ፡—ንሱስ ኣዝዩ ዕቡይ እዩ፡+—

ብዛዕባ ትዕቢቱን ትምክሕቱን ነድሩን ሰሚዕና፣+

እቲ ባዶ ዘረባኡ ግና ከንቱ ኪኸውን እዩ።

 7 ስለዚ፡ ሞኣብ ንሞኣብ ዋይዋይ ኪብለሉ እዩ፣

ኵላቶም ዋይዋይ ኪብሉ እዮም።+

እቶም እተወቕዑ ድማ፡ ብዛዕባ ጎጎ ዘቢብ ቂር-ሓረሰት ኪቝዝሙ እዮም።+

 8 ከመይሲ፡ ዛላታት ሔስቦን+ ኰነ፡

ተኽሊ ወይኒ ሲብማ+ ነቒጹ፣

ገዛእቲ ኣህዛብ ነቲ ብሩህ ቀይሕ ጨናፍራ* ረጊጾምዎ፣

ክሳብ ያዕዜር በጺሖም፣+

ክሳብ በረኻ ተዘርጊሖም።

ጨናፍራ ኣስፋሕፊሑ፡ ክሳብ ባሕሪ ድማ በጺሑ።

 9 ስለዚ፡ ከምቲ ንያዕዜር ዝበኸኹላ፡ ንተኽሊ ወይኒ ሲብማ ኽበኽየላ እየ።

ኦ ሔስቦንን ኤልዓለን፡+ ጭድርታ ፍረ ሓጋይክንን ቀውዕኽንን ኣብቂዑ እዩ እሞ፡*

ብንብዓተይ ከጠስጥሰክን እየ።

10 ሓጐስን ባህታን ካብ ግራት ፍረታት ተወሲዱ እዩ፣

ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ ኸኣ ደርፊ ሓጐስ ወይ እልልታ የልቦን።+

ንጭድርታ ኸም ዜቋርጽ ገይረዮ እየ እሞ፡+

ረጋጺ ኣብ መጽመቝ ወይኒ ደጊም ኣይኪረግጽን እዩ።

11 ስለዚ፡ ኣምዑተይ ብሞኣብ፡+

ውሽጠይ ድማ ብቂር-ሓረሰት፡+

ከም ትሪምሪምታ መሰንቆ* ይናወጽ ኣሎ።

12 ሞኣብ ኣብ በሪኽ እኳ ንርእሱ እንተ ኣድከማ፡ ኣብ መቕደሱ እውን እንተ ጸለየ፡ ሓንቲ እኳ ኣይኪዓምምን እዩ።+

13 የሆዋ ብዛዕባ ሞኣብ ኣቐዲሙ እተዛረቦ ቓል እዚ እዩ። 14 ሕጂ ኸኣ የሆዋ፡ “ክብሪ ሞኣብ፡ ከም ዓመታት ዕሱብ፡ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመት* ምስ ብዙሕ ህውከት ኪዋረድ እዩ፣ እቶም ዚተርፉ እውን ኣዝዮም ሒደትን ዘይረብሑን ኪዀኑ እዮም” ይብል።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ