ኣሞጽ
6 “እቶም ኣብ ጽዮን ዘለዉ ብርእሶም ዚተኣማመኑ፡*
ኣብ ከረን ሰማርያ ድማ ተኣሚኖም ዚነብሩ፡+
እቶም ናይቶም ቀዳሞት ኣህዛብ ምርኡያት፡
እቶም ቤት እስራኤል ዝመጽዎም፡ ወይለኦም!
2 ናብ ካልነ ተሳገሩ እሞ ርኣዩ።
ካብኡ ናብታ ዓባይ ሓማት ኪዱ፣+
ናብ ናይ ፍልስጥኤማውያን ጋት ከኣ ውረዱ።
ንሳተንዶ ኻብዘን መንግስትታት* እዚአን ይበልጻ እየን፧
ወይስ ሃገረንዶ ኻብ ናታትኩም ይገፍሕ እዩ፧
7 ስለዚ፡ ምስቶም ቅድም ዚማረኹ ናብ ምርኮ ኪኸዱ እዮም፣+
ፈንጠዝያ እቶም ዘሳፍሑ ድማ ኪውዳእ እዩ።
8 ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ብርእሱ* ምሒሉ ኣሎ’+ ይብል የሆዋ ኣምላኽ ሰራዊት፡
‘“ኣነ ንትምክሕቲ ያእቆብ እፍንፍኖ፡+
ንእተዓርደ ግምብታቱ ኸኣ እጸልኦ እየ፣+
ነታ ኸተማን ነቲ ንዓኣ ዚመልኣን ኣሕሊፈ ኽህብ እየ።+
9 “‘“ኣብ ሓንቲ ቤት ዓሰርተ ሰብ እንተ ተሪፎም ከኣ፡ ንሳቶም እውን ኪሞቱ እዮም። 10 ዘመድ* ተሰኪሙ ኼውጽኦምን በብሓደ ኼንድዶምን እዩ። ንኣዕጽምቶም ካብታ ቤት ኬውጽኦ እዩ፣ ሽዑ፡ ኣብ ውሽጣዊ ኽፍልታት እታ ቤት ንዘሎ፡ ‘ምሳኻኸ ገለዶ ኣሎ፧’ ኪብሎ እዩ። ንሱ ድማ፡ ‘ገለ እኳ የልቦን’ ኪብል እዩ። ንሱ ኸኣ፡ ‘ስም የሆዋ ዚርቍሓሉ ግዜ ኣይኰነን እሞ፡ ስቕ በል!’ ኪብል እዩ።”
12 ኣፍራስዶ ኣብ ከውሒ ይጐይዩ፡
ወይስ ኣብዑርዶ ኣብኡ ይሕረሱ እዮም፧