ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 2 ሳሙኤል 14
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

2 ሳሙኤል—ትሕዝቶ

      • ዮኣብን እታ ተቆዓዊት ሰበይትን (1-17)

      • ዳዊት ንሓሳብ ዮኣብ ፈለጦ (18-20)

      • ኣቤሴሎም ኪምለስ ተፈቕደሉ (21-33)

2 ሳሙኤል 14:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 2:18፣ 1ዜና 2:15, 16
  • +2ሳሙ 13:39፣ 18:33፣ 19:2

2 ሳሙኤል 14:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 11:5, 6፣ 20:20፣ ኣሞ 1:1
  • +መክ 9:8፣ ዳን 10:3

2 ሳሙኤል 14:3

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “እንታይ ከም እትብል ነገራ።”

2 ሳሙኤል 14:7

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነፍሲ።”

  • *

    ማለት፡ ዘርኢ ዚኸውን ናይ መወዳእታ ተስፋ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 35:19፣ ዘዳ 19:11, 12

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/5/2005፡ ገጽ 18

2 ሳሙኤል 14:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 35:19, 27፣ ዘዳ 19:6
  • +ዘዳ 6:13፣ መክ 8:4

2 ሳሙኤል 14:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 19:5፣ ዘሁ 6:27
  • +2ሳሙ 13:38

2 ሳሙኤል 14:14

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነፍሲ።”

2 ሳሙኤል 14:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 14:2, 7

2 ሳሙኤል 14:19

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነፍስኻ።”

  • *

    ወይ፡ “ካብቲ ጐይታይ ንጉስ ዝበሎ ሓደ እኳ ናብ የማን ወይ ናብ ጸጋም ዜብል የልቦን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 14:1-3

2 ሳሙኤል 14:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 14:13
  • +2ሳሙ 13:38

2 ሳሙኤል 14:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 3:14፣ 2ሳሙ 3:3፣ 13:37

2 ሳሙኤል 14:26

እግረ ጽሑፋት

  • *

    እዚ ኣብ ቤተ መንግስቲ ዚቕመጥ መለክዒ ኽብደት፡ ወይ ካብ ተራ ሲቃል እተፈልየ ሲቃል “ንጉስ።” ነይሩ ኪኸውን ይኽእል።

  • *

    ኣስታት 2.3 ኪ.ግ.። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

2 ሳሙኤል 14:27

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 18:18

2 ሳሙኤል 14:28

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 14:24

2 ሳሙኤል 14:32

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 14:23

2 ሳሙኤል 14:33

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 45:15

ሓፈሻዊ

2 ሳሙ. 14:12ሳሙ 2:18፣ 1ዜና 2:15, 16
2 ሳሙ. 14:12ሳሙ 13:39፣ 18:33፣ 19:2
2 ሳሙ. 14:22ዜና 11:5, 6፣ 20:20፣ ኣሞ 1:1
2 ሳሙ. 14:2መክ 9:8፣ ዳን 10:3
2 ሳሙ. 14:7ዘሁ 35:19፣ ዘዳ 19:11, 12
2 ሳሙ. 14:11ዘሁ 35:19, 27፣ ዘዳ 19:6
2 ሳሙ. 14:11ዘዳ 6:13፣ መክ 8:4
2 ሳሙ. 14:13ዘጸ 19:5፣ ዘሁ 6:27
2 ሳሙ. 14:132ሳሙ 13:38
2 ሳሙ. 14:162ሳሙ 14:2, 7
2 ሳሙ. 14:192ሳሙ 14:1-3
2 ሳሙ. 14:212ሳሙ 14:13
2 ሳሙ. 14:212ሳሙ 13:38
2 ሳሙ. 14:23ዘዳ 3:14፣ 2ሳሙ 3:3፣ 13:37
2 ሳሙ. 14:272ሳሙ 18:18
2 ሳሙ. 14:282ሳሙ 14:24
2 ሳሙ. 14:322ሳሙ 14:23
2 ሳሙ. 14:33ዘፍ 45:15
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
  • 32
  • 33
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
2 ሳሙኤል 14:1-33

2 ሳሙኤል

14 ዮኣብ ወዲ ጽሩያ+ ኸኣ ልቢ ንጉስ ንኣቤሴሎም ሃረር ከም ዝበለ ፈለጠ።+ 2 ዮኣብ ድማ ናብ ተቆዓ+ ልኢኹ፡ ካብኣ ብልሂ ሰበይቲ ጸውዐ እሞ፡ “በጃኺ፡ ኣብ ሓዘን ከም ዘለኺ ምሰሊ፡ ክዳውንቲ ሓዘን ከኣ ተኸደኒ፡ ዘይቲ ድማ ኣይትለኸዪ።+ ብምዉት ንነዊሕ እዋን ከም ዝሓዘነት ሰበይቲ ኹኒ። 3 ናብ ንጉስ ኬድኪ ኸኣ፡ ከምዚ ኢልኪ ተዛረብዮ” ኢሉ ዮኣብ ነቲ ዘረባ ኣብ ኣፋ ኣንበሮ።*

4 እታ ተቆዓዊት ሰበይቲ ድማ ናብ ንጉስ ኣትያ፡ ብገጻ ናብ ምድሪ ተደፊኣ ሰገደት እሞ፡ “ኦ ንጉስ፡ ርድኣኒ!” በለት። 5 ንጉስ ከኣ፡ “እንታይ ኢኺ ዄንኪ፧” በላ። ንሳ ድማ ከምዚ በለት፦ “ብሓቂ ኣነ ሰብኣየይ ዝሞተኒ መበለት እየ። 6 ገረድካ ኸኣ ክልተ ኣወዳት ነይሮምኒ፣ ክልቲኦም ከኣ ዚፈላልዮም ኣብ ዘይብሉ መሮር ተባኢሶምሲ፡ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ቐቲልዎ። 7 ሕጂ ኸኣ ብዘለዉ ዓሌት ኣንጻረይ፡ ኣንጻር ገረድካ፡ ተንሲኦም፡ ‘ነቲ ንሓዉ ዝቐተለ፡ ምእንቲ እታ ዝቐተላ ህይወት* ሓዉ ኽንቀትሎስ፡ ዋላ እውን ወራሲ ይጥፋእ፡ ኣሕሊፍኪ ሃብና’ ይብሉ ኣለዉ።+ ነቲ ተሪፉኒ ዘሎ ቝልዒ ሓዊ* ኼጥፍኡ፡ ንሰብኣየይ እውን ኣብ ገጽ ምድሪ ስም ኰነ ሓድጊ ኣይኪሓድጉሉን እዮም።”

8 ንጉስ ድማ ነታ ሰበይቲ፡ “ናብ ቤትኪ ኺዲ፡ ኣነ ኸኣ ብዛዕባኺ ትእዛዝ ከውጽእ እየ” በላ። 9 እታ ተቆዓዊት ሰበይቲ ድማ ንንጉስ፡ “ኦ ጐይታይ ንጉስ፡ እቲ ኣበሳ ኣብ ልዕለይን ኣብ ልዕሊ ቤት ኣቦይን ይኹን፣ ንጉስ ምስ ዝፋኑ ኸኣ ንጹህ ይኹን” በለቶ። 10 ንጉስ ድማ፡ “ብሕጂ ሓደ እኳ እንተ ተዛሪቡኪ፡ ናባይ ኣምጽእዮ፡ መሊሱ ኸኣ ኣይኬሸግረክን እዩ” በላ። 11 ንሳ ግና፡ “በጃኻ፡ እቲ ፈዳይ ደም+ ከየጥፍእ፡ ንወደይ እውን ከይቀትሎሲ፡ ንጉስ ንየሆዋ ኣምላኽካ ይዘክሮ” በለት። ንሱ ድማ፡ “ከምቲ የሆዋ ህያው ዝዀነ፡+ ካብ ጸጕሪ ወድኺ ሓንቲ እኳ ኣብ ምድሪ ኣይክትወድቕን እያ” በላ። 12 እታ ሰበይቲ ኸኣ፡ “በጃኻ፡ ገረድካ ንጐይታይ ንጉስ ሓደ ነገር ትዛረቦ” በለት። ንሱ ድማ፡ “ተዛረቢ” በላ።

13 እታ ሰበይቲ ኸኣ ከምዚ በለት፦ “ስለምንታይ ደኣ ኣንጻር ህዝቢ ኣምላኽ ከምዚ ኽትገብር ሓሲብካ፧+ ንጉስ ነቲ እተሰጕጐ ወዱ ኣይመለሶን እሞ፡ ንጉስ ከምዚ ኢሉ ኺዛረብ ከሎ፡ ንገዛእ ርእሱ እዩ በዳሊ ዚገብር ዘሎ።+ 14 ብርግጽ ክንመውት፡ ከምቲ ኣብ ምድሪ ዝፈሰሰ ዘይሕፈስ ማይ ድማ ክንከውን ኢና። ኣምላኽ ግና ህይወት* ኣየጥፍእን እዩ፣ የግዳስ፡ እቲ እተሰጕጐ ንሓዋሩ ኻብኡ ዘይስጐጐሉ ምኽንያታት ደኣ እዩ ዚሓስብ። 15 ህዝቢ ስለ ዘፍርሃኒ እየ ንጐይታይ ንጉስ እዚ ኽብል ዝመጻእኩ። ገረድካ ኸኣ፡ ‘ንንጉስ ደኣ ኽዛረቦ። ምናልባት ንጉስ ዘረባ ግዝእቱ ይገብሮ ይኸውን። 16 ንጉስሲ ንግዝእቱ ይሰምዕ፡ ካብ ኢድ እቲ ንዓይን ነቲ ሓደ ወደይን ካብቲ ኣምላኽ ዝሃበና ርስቲ ኼጥፍእ ዚደሊ ሰብኣይ እውን የናግፈኒ ይኸውን’ በለት።+ 17 ገረድካ ድማ፡ ‘ቃል ጐይታይ ንጉስ ደኣ የዕርፈኒ’ በለት። ጐይታይ ንጉስሲ ጽቡቕን ክፉእን ኣብ ምፍላይ ከም መልኣኽ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እዩ። የሆዋ ኣምላኽካ ምሳኻ ይኹን።”

18 ንጉስ ድማ ነታ ሰበይቲ፡ “በጃኺ፡ ዝሓትተኪ ዘበለ ኣይትሕብእለይ” ኢሉ መለሰላ። እታ ሰበይቲ ኸኣ፡ “በጃኻ፡ ጐይታይ ንጉስ ተዛረብ” በለት። 19 እቲ ንጉስ ድማ፡ “ኣብዚ ዅሉስ ኢድ ዮኣብ ኣሎ ድዩ፧” በላ።+ እታ ሰበይቲ ኸኣ፡ “ኦ ጐይታይ ንጉስ፡ ከምቲ ንስኻ* ህያው ዝዀንካ፡ ከምቲ ጐይታይ ንጉስ ዝበልካዮ እዩ፣* እቲ ዝኣዘዘንን እዚ ዅሉ ዘረባ ኣብ ኣፍ ገረድካ ዘንበረን ጊልያኻ ዮኣብ እዩ። 20 ጊልያኻ ዮኣብ ንትርኢት እቲ ነገር ኪቕይሮ ኢሉ እዩ እዚ ገይሩ፣ ግናኸ፡ ጐይታይ ከም መልኣኽ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝበለ ጥበብ ኣለዎ፡ ኣብ ምድሪ ዚኸውን ዘሎ ዅሉ እውን ይፈልጥ እዩ” በለት።

21 ንጉስ ድማ ንዮኣብ፡ “ሕራይ፡ እዚ ኽገብር እየ።+ ኬድካ ነቲ ጐበዝ፡ ንኣቤሴሎም ምለሶ” በሎ።+ 22 ሽዑ፡ ዮኣብ ብገጹ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደ እሞ፡ ንንጉስ ወደሶ። ዮኣብ ከኣ፡ “ኦ ጐይታይ ንጉስ፡ ንጉስ ከም ዘረባ ጊልያኡ ስለ ዝገበረ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ሞገስ ከም ዝረኸብኩ፡ ሎሚ ጊልያኻ ፈሊጡ” በሎ። 23 ዮኣብ ድማ ተንሲኡ ናብ ጌሹር ከደ እሞ፡+ ንኣቤሴሎም ናብ የሩሳሌም ኣምጽኦ። 24 ግናኸ፡ ንጉስ፡ “ናብ ቤቱ ይኺድ እምበር፡ ገጸይ ኣይርአ” በለ። ኣቤሴሎም ከኣ ናብ ቤቱ ተመልሰ፡ ገጽ ንጉስ እውን ኣይረኣየን።

25 ኣብ ኵሉ እስራኤል ድማ ከም ኣቤሴሎም ገይሩ ብጽባቐ ትርኢቱ ኣዝዩ እተወደሰ ሰብ ኣይነበረን። ካብ ከብዲ እግሩ ኽሳብ መንበስበስታ ርእሱ ገለ እንታ ኣይነበሮን። 26 ጸጕሪ ርእሱ ይኸብዶ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ መመወዳእታ ዓመት ይቘርጾ ነበረ እሞ፡ ምስ ቈረጾ፡ ጸጕሪ ርእሱ በቲ ንመምዘኒ ዚኸውን እምኒ ንጉስ* 200 ሲቃል* ተመዝነ። 27 ንኣቤሴሎም ድማ ሰለስተ ኣወዳትን+ ታማር ዝስማ ሓንቲ ጓልን ተወልዱሉ። ንሳ ኸኣ ኣዝያ መልክዐኛ ሰበይቲ ነበረት።

28 ኣቤሴሎም ከኣ ኣብ የሩሳሌም ክልተ ዓመት ምሉእ ተቐመጠ፣ ገጽ ንጉስ ግና ኣይረኣየን።+ 29 ኣቤሴሎም ድማ ናብ ንጉስ ኪሰድዶ ኢሉ ንዮኣብ ጸውዖ፣ ዮኣብ ግና ናብኡ ኣይመጸን። መሊሱ ኸኣ ካልኣይ ሳዕ ለኣኸሉ፣ ንሱ ግና ምምጻእ ኣበየ። 30 ሽዑ፡ ንገላዉኡ፡ “ግራት ዮኣብ ኣብ ጥቓ እታ ናተይ ኣላ፣ ኣብኣ ድማ ስገም ኣለዎ። ኬድኩም ብሓዊ ኣባርዕዎ” በሎም። እቶም ገላዉ ኣቤሴሎም ከኣ ነታ ግራት ብሓዊ ኣባርዕዋ። 31 ሽዑ፡ ዮኣብ ተንሲኡ ናብ ቤት ኣቤሴሎም መጸ እሞ፡ “ገላዉኻ ንግራተይ ብሓዊ ዘባርዕዋ ስለምንታይ እዮም፧” በሎ። 32 ኣቤሴሎም ድማ ንዮኣብ፡ “እንሆ፡ ‘ንዓ ናብ ንጉስ ክሰድደካ እሞ፡ “ስለምንታይ ደኣ ኻብ ጌሹር መጺአ፧+ ኣብኡ ምጽናሕ ምሓሸኒ ነይሩ። ሕጂ፡ ገጽ ንጉስ ክርኢ ይፈቐደለይ፣ ኣበሳ እንተ ተረኺቡኒ ኸኣ፡ ንሱ ይቕተለኒ” ኽትብለለይ’ ኢለ ልኢኸልካ ነይረ” ኢሉ መለሰሉ።

33 ዮኣብ ከኣ ናብ ንጉስ ኣትዩ ነገሮ። ንሱ ድማ ንኣቤሴሎም ጸውዖ፣ ንሱ ኸኣ ናብ ንጉስ መጺኡ፡ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ብገጹ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደሉ። ንጉስ ድማ ንኣቤሴሎም ሰዓሞ።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ