እያሱ
20 የሆዋ ድማ ንእያሱ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 2 “ንእስራኤላውያን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘እተን ብሙሴ ዝበልኩኹም ከተማታት ዕቝባ+ ንርእስኹም ሕረዩ፣ 3 እዚ ኸኣ እቲ ብዘይፍላጥ ወይ ብድንገት* ሰብ* ዝቐተለ ቐታሊ ናባታተን ምእንቲ ኺሃድም እዩ። ካብ ፈዳይ ደም ድማ መዕቈቢ ኪዀናኹም እየን።+ 4 ንሱ ናብ ሓንቲ ኻብዘን ከተማታት እዚአን ይህደም፡+ ኣብ መእተዊ እቲ ኣፍ ደገ ኸተማ ደው ኢሉ ኸኣ፡+ እቶም ዓበይቲ እታ ኸተማ እቲኣ እናሰምዕዎ ነገሩ የቕርብ። ንሳቶም ድማ ናብታ ኸተማ ይቀበልዎ፡ ቦታ ኸኣ ይሃብዎ፡ ምሳታቶም እውን ይንበር። 5 ንብጻዩ ብድንገት* እዩ ቐቲልዎ፡ ኣቐዲሙ ኸኣ ጽልኢ ኣይነበሮን እሞ፡ እቲ ፈዳይ ደም ደድሕሪኡ እንተ ስዒቡ፡ ነቲ ሰብ ዝቐተለ ኣብ ኢዱ ኣሕሊፎም ኣይሃብዎ።+ 6 ኣብ ቅድሚ ኣኼባ ንፍርዲ ኽሳዕ ዚቐውም ኣብታ ኸተማ እቲኣ ይቀመጥ፣+ እቲ በታ ግዜ እቲኣ ዘሎ ሊቀ ኻህናት ክሳዕ ዚመውት ድማ ኣብኣ ይጽናሕ።+ ድሕሪኡ፡ እቲ ሰብ ዝቐተለ ናብታ ኻብኣ ዝሃደመላ ኸተማ ኺምለስ፡ ናብ ከተማኡን ናብ ቤቱን ከኣ ኪኣቱ ይኽእል እዩ።’”+
7 ስለዚ፡ ኣብ ገሊላ ኣብ ኣኽራን ንፍታሌም ንቀደሽ፡+ ኣብ ኣኽራን ኤፍሬም ንሴኬም፡+ ኣብ ኣኽራን ይሁዳ ኸኣ ንቂርያት-ኣርባዕ፡+ ንሳ ድማ ኬብሮን፡ ቀደሱ።* 8 ኣብ ዞባ ዮርዳኖስ፡ ኣብ ምብራቕ ያሪኮ ኸኣ፡ ካብ ነገድ ሮቤል ነታ ኣብ በረኻ ኣብ ከበሳ ዘላ ቤጸር፡+ ካብ ነገድ ጋድ ነታ ኣብ ጊልዓድ ዘላ ራሞት፡+ ካብ ነገድ ምናሴ ድማ ነታ ኣብ ባሳን ዘላ ጎላን+ ሓረዩ።+
9 ብዘይፍላጥ ሰብ* ዝቐተለ ዘበለ ናባታተን ኪሃድም፡ ኣብ ቅድሚ ኣኼባ ንፍርዲ ኸይቈመ ኸኣ ብኢድ ፈዳይ ደም ከይመውትሲ፡ እተን ንዅሎም እስራኤላውያንን ኣብ መንጎኦም ንዚነብሩ ጓኖትን እተመደባ ኸተማታት እዚኣተን እየን።+