እዮብ
21 እዮብ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰ፦
2 “ዝብሎ እስከ ተጠንቂቕኩም ስምዑ፣
ምጽንናዕኩም ከኣ እዚ ይኹን።
3 ክዛረብሲ ተዓገሱኒ፣
ምስ ተዛረብኩ፡ ሽዑ ኸተላግጹ ትኽእሉ ኢኹም።+
4 መረረተይ ንሰብ ድየ ዝገልጽ ዘለኹ፧
እንተ ዚኸውንሲ፡ ዓቕሊዶ ኣይመጽበብኩን፧*
5 ርኣዩኒ፡ ተገሪምኩም ከኣ ጠምቱኒ፣
ኢድኩም እውን ኣብ ኣፍኩም ኣንብሩ።
6 ክሓስቦ ኸለኹ፡ እርበሽ፡
ብዘሎ ሰብነተይ እውን ፈጥፈጥ ይብል።
8 ዘርኦም ወትሩ ኣብ ቅድሚኦም እዮም፣
ውሉዳቶም ከኣ ይርእዩ።
9 ኣባይቶም ደሓን እዩ፡ ንሳቶም እውን ብዘይ ፍርሂ እዮም፣+
ኣምላኽ ድማ ብሻቦጡ ኣይቀጽዖምን።
10 ብዕራዮም ሰሪሩ ብዘይ ፍረ ኣይተርፍን፣
ላሞም እውን ከየቘልዐት ትወልድ።
11 ኣወዳቶም ከም መጓሰ ኣብ ግዳም ይጐይዩ፣
ደቆም ከኣ ይሰራሰሩ።
14 ግናኸ፡ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ ‘ሕደገና!
መገድታትካ ኽንፈልጥ ኣይንደልን ኢና።+
15 እነገልግሎስ፡ እቲ ዅሉ ዚኽእል መን እዩ፧+
ምስኡ ምፍላጥናኸ እንታይ ይጠቕመና፧’ ይብልዎ።+
16 ንብልጽግናኦም ከም ዘይቈጻጸርዎ ግና እፈልጥ እየ።+
17 ክንደይ ሳዕ እዩ መብራህቲ እኩያት ዚጠፍእ፧+
ክንደይ ሳዕ እዩ መዓት ዚወርዶም፧
ክንደይ ሳዕከ እዩ ኣምላኽ ብቝጥዓኡ ጥፍኣት ዜምጽኣሎም፧
18 ኣብ ቅድሚ ንፋስ ከም ሓሰር፡
ከምቲ ህቦብላ ንፋስ ዚወስዶ ብቝቡቕዶ ይዀኑ እዮም፧
19 ኣምላኽሲ መቕጻዕቲ ሰብ ንደቁ ይዓቝሮ።
ንሱ ምእንቲ ኺፈልጦ ኢሉ ግና፡ ኣምላኽ ይፍደዮ።+
20 ኣዒንቱ ጥፍኣቱ ይርኣያ፣
ካብ ቍጥዓ እቲ ዅሉ ዚኽእል ከኣ ይስተ።+
23 ገሊኡ ሰብ ግና ምስ ምሉእ ሓይሉ ኸሎ፡+
ምሉእ ብምሉእ እውን ቀሲኑን ሃዲኡን ከሎ ይመውት፣+
24 ሰለፉ ብስብሒ መሊኡ ኸሎ፡
ኣዕጽምቱ ኸኣ ብድልዱሉ ኸሎ* ይመውት።
25 ካልእ ሰብ ግና ጽቡቕ ከይጠዓመ፡
ብዙሕ እናተጨነቐ* ይመውት።
28 ንስኻትኩምሲ፡ ‘ቤት እቲ ምርኡይ ኣበይ እዩ፧
እኩይ ዚነብረሉ ድንኳንከ ኣበይ እዩ፧’ ትብሉ።+
29 ንተጓዓዝቲዶ ኣይሓተትኩምን ኢኹም፧
ትዕዝብትታቶምከ* ተጠንቂቕኩምዶ ኣየጽናዕኩምን ኢኹም፧
30 እኩይ ብመዓልቲ ጥፍኣት ከም ዚነሓፍ፡
ብመዓልቲ ነድሪ ኸም ዚናገፍዶ ኣየጽናዕኩምን ኢኹም፧
31 ብዛዕባ መገዱ መን ኣብ ገጹ ይዛረቦ፧
ከምቲ ዝገበሮኸ መን ይፈድዮ፧
32 ናብ መቓብር ምስ ተወስደ፡
መቓብሩ ይሕሎ።
34 ስለምንታይ ደኣ እሞ ትርጉም ዘይብሉ መጸናንዒ እትህቡኒ፧+
ኣብ መልስኹም ብዘይካ ምትላል ካልእ የልቦን።”