ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 1 ሳሙኤል 20
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

1 ሳሙኤል—ትሕዝቶ

      • ዮናታን ንዳዊት ዝነበሮ ተኣማንነት (1-42)

1 ሳሙኤል 20:1

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንነፍሰይ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 24:11፣ መዝ 18:20

1 ሳሙኤል 20:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 19:6

1 ሳሙኤል 20:3

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነፍስኻ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 18:1፣ 19:2
  • +1ሳሙ 27:1

1 ሳሙኤል 20:4

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነፍስኻ ዝበለቶ።”

1 ሳሙኤል 20:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 10:10፣ 2ዜና 2:4

1 ሳሙኤል 20:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 16:4, 18
  • +1ሳሙ 20:28, 29

1 ሳሙኤል 20:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 18:3፣ 23:18
  • +ምሳ 17:17
  • +1ሳሙ 20:1

1 ሳሙኤል 20:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 19:2

1 ሳሙኤል 20:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 10:7፣ 11:6
  • +1ሳሙ 16:13፣ 17:37

1 ሳሙኤል 20:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 9:1, 3, 6, 7

1 ሳሙኤል 20:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 21:7

1 ሳሙኤል 20:17

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነፍሱ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 18:1, 3፣ 2ሳሙ 1:26፣ ምሳ 18:24

1 ሳሙኤል 20:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 20:5

1 ሳሙኤል 20:19

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ናይ ስራሕ መዓልቲ።”

1 ሳሙኤል 20:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 20:13, 14
  • +1ሳሙ 20:42

1 ሳሙኤል 20:24

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 20:5

1 ሳሙኤል 20:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 14:50

1 ሳሙኤል 20:26

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 11:23, 24፣ 15:4, 5, 16, 18፣ ዘሁ 19:16

1 ሳሙኤል 20:27

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 17:12

1 ሳሙኤል 20:28

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 20:6

1 ሳሙኤል 20:30

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ንሕፍረት ዕርቃን ኣዴኻን።”

1 ሳሙኤል 20:31

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ንሱ ወዲ ሞት እዩ እሞ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 18:8
  • +1ሳሙ 19:6, 10

1 ሳሙኤል 20:32

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 19:5፣ ምሳ 17:17፣ 18:24

1 ሳሙኤል 20:33

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 18:11፣ 19:10
  • +1ሳሙ 20:6, 7

1 ሳሙኤል 20:34

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 18:1

1 ሳሙኤል 20:35

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 20:19-22

1 ሳሙኤል 20:42

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 23:18፣ 2ሳሙ 9:7
  • +1ሳሙ 20:17, 23

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ፡ ዓንቀጽ 3

ሓፈሻዊ

1 ሳሙ. 20:11ሳሙ 24:11፣ መዝ 18:20
1 ሳሙ. 20:21ሳሙ 19:6
1 ሳሙ. 20:31ሳሙ 18:1፣ 19:2
1 ሳሙ. 20:31ሳሙ 27:1
1 ሳሙ. 20:5ዘሁ 10:10፣ 2ዜና 2:4
1 ሳሙ. 20:61ሳሙ 16:4, 18
1 ሳሙ. 20:61ሳሙ 20:28, 29
1 ሳሙ. 20:81ሳሙ 18:3፣ 23:18
1 ሳሙ. 20:8ምሳ 17:17
1 ሳሙ. 20:81ሳሙ 20:1
1 ሳሙ. 20:91ሳሙ 19:2
1 ሳሙ. 20:131ሳሙ 10:7፣ 11:6
1 ሳሙ. 20:131ሳሙ 16:13፣ 17:37
1 ሳሙ. 20:142ሳሙ 9:1, 3, 6, 7
1 ሳሙ. 20:152ሳሙ 21:7
1 ሳሙ. 20:171ሳሙ 18:1, 3፣ 2ሳሙ 1:26፣ ምሳ 18:24
1 ሳሙ. 20:181ሳሙ 20:5
1 ሳሙ. 20:231ሳሙ 20:13, 14
1 ሳሙ. 20:231ሳሙ 20:42
1 ሳሙ. 20:241ሳሙ 20:5
1 ሳሙ. 20:251ሳሙ 14:50
1 ሳሙ. 20:26ዘሌ 11:23, 24፣ 15:4, 5, 16, 18፣ ዘሁ 19:16
1 ሳሙ. 20:271ሳሙ 17:12
1 ሳሙ. 20:281ሳሙ 20:6
1 ሳሙ. 20:311ሳሙ 18:8
1 ሳሙ. 20:311ሳሙ 19:6, 10
1 ሳሙ. 20:321ሳሙ 19:5፣ ምሳ 17:17፣ 18:24
1 ሳሙ. 20:331ሳሙ 18:11፣ 19:10
1 ሳሙ. 20:331ሳሙ 20:6, 7
1 ሳሙ. 20:341ሳሙ 18:1
1 ሳሙ. 20:351ሳሙ 20:19-22
1 ሳሙ. 20:421ሳሙ 23:18፣ 2ሳሙ 9:7
1 ሳሙ. 20:421ሳሙ 20:17, 23
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
  • 32
  • 33
  • 34
  • 35
  • 36
  • 37
  • 38
  • 39
  • 40
  • 41
  • 42
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
1 ሳሙኤል 20:1-42

1 ሳሙኤል

20 ዳዊት ድማ ካብ ናዮት ናይ ራማ ሃደመ። ግናኸ፡ ናብ ዮናታን መጺኡ፡ “ኣቦኻ ንህይወተይ* ዚደልያ ዘሎስ፡ እንታይ እየ ገይረ፧+ ኣበሳይ እንታይ እዩ፧ እንታይከ እየ በዲለዮ፧” በለ። 2 ዮናታን ከኣ፡ “እዝስ ዘይሕሰብ እዩ!+ ኣይክትመውትን ኢኻ። እንሆ፡ ኣቦይ ንዓይ ከይነገረ ዓብዪ ዀነ ንእሽቶ ነገር ኣይገብርን እዩ። ስለምንታይ እዩ እሞ ነዚ ነገር እዚ ዚሓብኣለይ፧ እዝስ ዘይከውን እዩ” በሎ። 3 ዳዊት ግና መሊሱ፡ “ኣቦኻ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ሞገስ ከም ዝረኸብኩ ብርግጽ ይፈልጥ እዩ፣+ ስለዚ ድማ፡ ‘ዮናታን ከይጕህስ፡ ነዚ ኣይፍለጦ’ ይብል እዩ። ግናኸ፡ ከምቲ የሆዋ ህያው ዝዀነ፡ ከምቲ ንስኻ* እውን ህያው ዝዀንካ፡ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ሞትን ስጕምቲ ጥራይ እያ ተሪፋ ዘላ” በሎ።+

4 ሽዑ፡ ዮናታን ንዳዊት፡ “ዝበልካዮ* ዘበለ ኽገብረልካ እየ” በሎ። 5 ዳዊት ከኣ ንዮናታን፡ “ጽባሕ ሰርቂ ወርሒ እዩ፣+ ኣነ ድማ ክበልዕ ምስ ንጉስ ኮፍ ክብል ብርግጽ ትጽቢት ይግበረለይ እዩ፣ ስደደኒ እሞ፡ ክሳዕ ምሸት እታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኣብ መሮር ክሕባእ እየ። 6 ኣቦኻ እንተ ስኢኑኒ፡ ‘ንዅሎም ዓሌቱ ኣብኡ ዓመታዊ መስዋእቲ ኣለዎም እሞ፡ ዳዊት ናብ ከተማኡ ቤት-ልሄም+ ቀልጢፉ ኪኸይድ ፍቓድ ክህቦ ለሚኑኒ’ በሎ።+ 7 ‘ደሓን’ እንተ ኢሉ፡ ንጊልያኻ ሰላም ማለት እዩ። እንተ ተቘጢዑ ግና፡ ኪጐድኣኒ ኸም ዝቘረጸ ከተረጋግጽ ትኽእል ኢኻ። 8 ንጊልያኻ ምሳኻ ኺዳን የሆዋ ኣእቲኻዮ ኢኻ እሞ፡+ ንጊልያኻ ብተኣማንነት ኣፍቅሮ።+ ኣበሳ እንተ ተረኺቡኒ ግና፡ ባዕልኻ ቕተለኒ።+ ስለምንታይከ ናብ ኣቦኻ እተሕልፈኒ፧” በሎ።

9 ዮናታን ከኣ፡ “ብዛዕባኻ ኸምዚ ዚብልዎ ሓሳብሲ ዘይሕሰብ እዩ! ኣቦይ ኪጐድኣካ ኸም ዝቘረጸ እንተ ፈሊጠስ፡ ኣይነግረካንዶ፧” በሎ።+ 10 ዳዊት ድማ ንዮናታን፡ “ኣቦኻ ተሪር ነገር እንተ መሊሱልካ ደኣ፡ መን ኪነግረኒ እዩ፧” በሎ። 11 ዮናታን ከኣ ንዳዊት፡ “ንዓ ናብ መሮር ንውጻእ” በሎ። ክልቲኦም ድማ ናብ መሮር ወጹ። 12 ዮናታን ከኣ ንዳዊት ከምዚ በሎ፦ “ጽባሕ ወይ ክሳዕ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኸምዛ ግዜ እዚኣ ንኣቦይ ከም ዝምርምሮ፡ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ምስክር እዩ። ንዳዊት ጽቡቕ ሓሳብ እንተ ኣልይዎስ፡ ልኢኸዶ ኣይነግረካን እየ፧ 13 ግናኸ፡ ኣቦይ ኪጐድኣካ እንተ ሓሲቡ እሞ፡ ንዓኻ ነጊረ ብሰላም እንተ ዘይሰዲደካ፡ የሆዋ ንዮናታን ከምዚ ይግበሮ፡ ከምዚ እውን ይወስኮ። የሆዋ ድማ ከምቲ ምስ ኣቦይ ዝነበረ፡+ ምሳኻ ይኹን።+ 14 ብህይወት ከለኹ፡ ዋላ እውን ምስ ሞትኩስ፡ ከም የሆዋ ብተኣማንነት ከተፍቅረኒ ደይኰንካን፧+ 15 የሆዋ ንዅሎም ጸላእቲ ዳዊት ካብ ገጽ ምድሪ ምስ ደምሰሰ እኳ፡ ብተኣማንነት እተርእየኒ ፍቕሪ ኸቶ ኻብ ቤተይ ኣየቋርጽ።”+ 16 ዮናታን ድማ፡ “የሆዋ ይድለዮ፡ ንጸላእቲ ዳዊት ከኣ ተሓተትቲ ይግበሮም” ኢሉ ምስ ቤት ዳዊት ኪዳን ኣተወ። 17 ንሱ ኸም ርእሱ* ገይሩ ይፈትዎ ነበረ እሞ፡ ዮናታን ንዳዊት ከም ብሓድሽ በቲ ንዕኡ ዘለዎ ፍቕሪ ኣምሓሎ።+

18 ዮናታን ከኣ ከምዚ በሎ፦ “ጽባሕ ሰርቂ ወርሒ እያ፣+ መንበርካ ጥራያ ኽትከውን እያ እሞ፡ ክትስኣን ኢኻ። 19 ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ብዝያዳ ኽትሰኣን ኢኻ፣ ናብታ ሓደ መዓልቲ* እተሓባእካላ ቦታ ኺድ እሞ፡ ኣብ ጥቓ እዚ እምኒ ጽናሕ። 20 ኣነ ድማ ናብ ዕላማ ኸም ዝውርውር ኣምሲለ፡ ናብቲ ሓደ ጐድኑ ሰለስተ ፍላጻ ኽውርውር እየ። 21 ጊልያ ምስ ሰደድኩ፡ ‘ኪድ፡ ነቲ ፍላጻታት ርኸቦ’ ኽብሎ እየ። ነቲ ጊልያ፡ ‘እንሆ፡ እቲ ፍላጻታት ክነጀውካ እዩ ዘሎ፡ ውሰዶ’ እንተ ኢለዮ፡ ከምቲ የሆዋ ህያው ዝዀነ፡ ንዓኻ ሰላም ማለት እዩ፡ ዜስግእ እውን የልቦን እሞ፡ ክትምለስ ትኽእል ኢኻ። 22 ነቲ መንእሰይ፡ ‘እንሆ፡ እቲ ፍላጻታት ክንየውካ እዩ ዘሎ’ እንተ ኢለዮ ግና፡ ሽዑ የሆዋ ሰዲዱካ እዩ እሞ፡ ኪድ። 23 ብዛዕባ እቲ ኣነን ንስኻን ዝኣቶናዮ ቓል፡+ የሆዋ ንዘለኣለም ኣብ መንጎና ይኹን።”+

24 ዳዊት ድማ ኣብ መሮር ተሓብአ። ሰርቂ ወርሒ ምስ ኰነ፡ ንጉስ ኪበልዕ ኣብ መኣዲ ተቐመጠ።+ 25 ንጉስ ከኣ ከም ልማዱ ኣብታ ኣብ መንደቕ እተጸግዐት መንበሩ ተቐመጠ። ዮናታን ድማ ፊት ንፊቱ ነበረ፣ ኣብኔር+ ከኣ ኣብ ጐድኒ ሳኦል ተቐሚጡ ነበረ፣ ቦታ ዳዊት ግና ጥራያ ነበረት። 26 ሳኦል ድማ፡ ‘ገለ ዀይኑስ ኣይነጽሀን።+ እወ፡ ኣይነጽሀን ኪኸውን ኣለዎ’ ኢሉ ሓሲቡ ነበረ እሞ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ገለ እኳ ኣይበለን። 27 ጽባሕ እታ ሰርቂ ወርሒ፡ ማለት ኣብታ ኻልአይቲ መዓልቲ እውን፡ ቦታ ዳዊት ጥራያ ነበረት። ሳኦል ከኣ ንወዱ ዮናታን፡ “ወዲ እሴይሲ+ ትማሊ ዀነ ሎሚ ናብ መኣዲ ዘይመጸ ስለምንታይ እዩ፧” በሎ። 28 ዮናታን ድማ ንሳኦል፡ “ዳዊት ናብ ቤት-ልሄም ኪኸይድ ፍቓድ ክህቦ ለሚኑኒ።+ 29 ‘ኣብታ ኸተማ ናይ ዓሌት መስዋእቲ ኣሎና፡ ሓወይ እውን ጸዊዑኒ እዩ እሞ፡ በጃኻ ክኸይድ ፍቐደለይ። ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ሞገስ እንተ ረኺበስ፡ በጃኻ ምሉቝ ኢለ ኣሕዋተይ ክርኢ’ ኢሉኒ። ስለዚ እዩ ናብ መኣዲ ንጉስ ዘይመጸ” ኢሉ መለሰሉ። 30 ሳኦል ከኣ ብዮናታን ተቘጢዑ፡ “ኣታ ወዲ እታ ዓላዊት ገረድ፡ ንሕፍረትካን ንሕፍረት ኣዴኻን* ዚኸውን ንወዲ እሴይ ከም ዝሓረኻስ ዘይፈልጥ ድዩ መሲሉካ፧ 31 ወዲ እሴይ ብህይወቱ ኣብ ምድሪ ኽሳዕ ዘሎ፡ ንስኻን ንግስናኻን ኣይክትጸንዑን ኢኹም።+ ሕጂ ድማ፡ ንሱ ኺመውት እዩ እሞ፡* ልኢኽካ ኣምጽኣለይ” በሎ።+

32 ዮናታን ግና ንኣቦኡ ሳኦል፡ “ስለምንታይ እዩ ዚመውት፧+ እንታይከ ገይሩ፧” በሎ። 33 ሳኦል ድማ ኪወቕዖ ኢሉ ዂናት ወርወረሉ፣+ ሽዑ፡ ዮናታን፡ ኣቦኡ ንዳዊት ኪቐትሎ ኸም ዝቘረጸ ፈለጠ።+ 34 ዮናታን ከኣ ብቝጥዓ ነዲዱ ኻብቲ መኣዲ ተንስአ፣ ኣቦኡ ንዳዊት ስለ ዘዋረዶ ምእንታኡ ጕህዩ ነበረ እሞ፡+ ኣብታ ድሕሪ ሰርቂ ወርሒ ዘላ ኻልአይቲ መዓልቲ እንጌራ ኣይበልዐን።

35 ንግሆ ድማ፡ ዮናታን ናብቲ ምስ ዳዊት ዝገበሮ ቘጸራ፡ ናብ መሮር ወጸ፣ መንእሰይ ጊልያ እውን ምስኡ ነበረ።+ 36 ነቲ ጊልያኡ ኸኣ፡ “በጃኻ እስከ ጐዪኻ ነቲ ዝውርውሮ ፍላጻታት ርኸቦ” በሎ። እቲ ጊልያ ድማ ጐየየ፣ ዮናታን ከኣ ፍላጻ ኽንዮኡ ወርወረ። 37 እቲ ጊልያ ናብታ ዮናታን ዝወርወራ ፍላጻ ዘላትላ ቦታ ምስ በጽሐ፡ ዮናታን ነቲ ጊልያ ጸዊዑ፡ “እቲ ፍላጻስ ክንየውካ ደይኰነን፧” በሎ። 38 ዮናታን ድማ ነቲ ጊልያ ተዳህዩ፡ “ተሎ! ቀልጥፍ! ኣይትደንጒ!” በሎ። እቲ ጊልያ ዮናታን ከኣ ነቲ ፍላጻታት ኣርዩ ናብ ጐይታኡ ተመልሰ። 39 ነቲ ነገር፡ ዮናታንን ዳዊትን ጥራይ ይፈልጥዎ ነበሩ እምበር፡ እቲ ጊልያ ገለ እኳ ኣይፈለጠን። 40 ዮናታን ድማ ኣጽዋሩ ንጊልያኡ ሂቡ፡ “ኪድ፡ ናብ ከተማ ውሰዶ” በሎ።

41 እቲ ጊልያ ምስ ከደ፡ ዳዊት ካብ ጥቓኡ፡ ካብ ሸነኽ ደቡብ ተንስአ። ብገጹ ድማ ናብ ምድሪ ተደፊኡ፡ ሰለስተ ሳዕ ሰገደ፣ ንሓድሕዶም ከኣ ተሳዓዓሙ፡ ብሓደ ድማ በኸዩ፣ ምናዳ ዳዊት ኣዝዩ በኸየ። 42 ዮናታን ከኣ ንዳዊት፡ “‘የሆዋ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ ዘርአይን ኣብ መንጎ ዘርእኻን ንዘለኣለም ይኹን’+ ኢልና ኽልቴና ብስም የሆዋ ስለ እተማሓሓልና፡+ ብሰላም ኪድ” በሎ።

ሽዑ፡ ዳዊት ተንሲኡ ኸደ፡ ዮናታን ድማ ናብ ከተማ ተመልሰ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ