ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 1 ሳሙኤል 21
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

1 ሳሙኤል—ትሕዝቶ

      • ዳዊት ኣብ ኖብ እንጌራ ምርኣይ በልዐ (1-9)

      • ዳዊት ኣብ ጋት ከም ዕቡድ መሰለ (10-15)

1 ሳሙኤል 21:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 22:9, 19
  • +1ሳሙ 18:13

1 ሳሙኤል 21:4

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ካብ ጾታዊ ርክብ ተሓሪሞም።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 19:15፣ ዘሌ 15:16፣ 2ሳሙ 11:11
  • +ዘጸ 25:30፣ ዘሌ 24:5, 9፣ ማቴ 12:3, 4

1 ሳሙኤል 21:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 15:18

1 ሳሙኤል 21:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 24:7-9፣ ማር 2:25, 26፣ ሉቃ 6:3, 4

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    የሱስ—መገዲ፡ ገጽ 76

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/3/2005፡ ገጽ 30

    1/9/2002፡ ገጽ 18

1 ሳሙኤል 21:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 22:9፣ መዝ 52:ልዕለ ጽሑፍ
  • +ዘፍ 36:1

1 ሳሙኤል 21:9

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ዓሚቝ ጐልጐል።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 17:2, 50
  • +1ሳሙ 17:51, 54
  • +ዘጸ 28:6

1 ሳሙኤል 21:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 27:1
  • +እያ 11:22፣ 1ሳሙ 5:8፣ 17:4፣ 27:2፣ መዝ 56:ልዕለ ጽሑፍ

1 ሳሙኤል 21:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 18:6-8፣ 29:4, 5

1 ሳሙኤል 21:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 56:3, 6

1 ሳሙኤል 21:13

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኢዶም።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 34:ልዕለ ጽሑፍ

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    1/2024፡ ገጽ 2-3

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/3/2005፡ ገጽ 24

ሓፈሻዊ

1 ሳሙ. 21:11ሳሙ 22:9, 19
1 ሳሙ. 21:11ሳሙ 18:13
1 ሳሙ. 21:4ዘጸ 19:15፣ ዘሌ 15:16፣ 2ሳሙ 11:11
1 ሳሙ. 21:4ዘጸ 25:30፣ ዘሌ 24:5, 9፣ ማቴ 12:3, 4
1 ሳሙ. 21:5ዘሌ 15:18
1 ሳሙ. 21:6ዘሌ 24:7-9፣ ማር 2:25, 26፣ ሉቃ 6:3, 4
1 ሳሙ. 21:71ሳሙ 22:9፣ መዝ 52:ልዕለ ጽሑፍ
1 ሳሙ. 21:7ዘፍ 36:1
1 ሳሙ. 21:91ሳሙ 17:2, 50
1 ሳሙ. 21:91ሳሙ 17:51, 54
1 ሳሙ. 21:9ዘጸ 28:6
1 ሳሙ. 21:101ሳሙ 27:1
1 ሳሙ. 21:10እያ 11:22፣ 1ሳሙ 5:8፣ 17:4፣ 27:2፣ መዝ 56:ልዕለ ጽሑፍ
1 ሳሙ. 21:111ሳሙ 18:6-8፣ 29:4, 5
1 ሳሙ. 21:12መዝ 56:3, 6
1 ሳሙ. 21:13መዝ 34:ልዕለ ጽሑፍ
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
1 ሳሙኤል 21:1-15

1 ሳሙኤል

21 ዳዊት ድማ ናብ ኖብ+ ናብ ካህን ኣሒሜሌክ መጸ። ኣሒሜሌክ ንዳዊት ራዕራዕ እናበለ ተቐበሎ እሞ፡ “ስለምንታይ ደኣ ኢኻ በይንኻ ሰብ ዘይብልካ፧” በሎ።+ 2 ዳዊት ድማ ንኻህን ኣሒሜሌክ፡ “ንጉስ ሓደ ነገር ክገብር ኣዚዙኒ፣ ግናኸ፡ ‘ብዛዕባ እቲ ዝልእከካ ተልእኾን ብዛዕባ እቲ ዝሃብኩኻ ትእዛዝን ሓደ ሰብ እኳ ኣይፍለጥ’ ኢሉኒ። ኣነ ኸኣ ምስ ኣጕባዘይ ኣብ ሓንቲ ቦታ ኽንራኸብ ተቛጺረ እየ። 3 ሕጂ ድማ፡ ሓሙሽተ እንጌራ ምሳኻ እንተ ኣልዩ፡ ወይ ክትረኽቦ እትኽእል ዘበለ ሃበኒ” በሎ። 4 እቲ ኻህን ግና ንዳዊት፡ “ተራ እንጌራ የልቦን፣ እቶም ኣጕባዝ ናብ ኣንስቲ ዘይቀረቡ* እንተ ዀይኖም ግና፡+ ቅዱስ እንጌራ ኣሎ”+ ኢሉ መለሰሉ። 5 ዳዊት ከኣ ነቲ ኻህን፡ “ከምቲ ኣብ ዝቐደመ ኣጋጣሚታት ንወፈራ ኽወጽእ ከለኹ ዝነበረስ፡ ኣንስቲ ብርግጽ ናባና ኣይቀረባን።+ ተልእኾ ተራ ኪኸውን ከሎ እኳ ሰብነት እቶም ኣጕባዝ ቅዱስ ካብ ኰነ፡ ሎሚ ግዳ ኽንደይ ብዝያዳ ቕዱስ ዘይከውን!” ኢሉ መለሰሉ። 6 እቲ ኻህን ድማ፡ ብዘይካ እቲ በታ እተወስደላ መዓልቲ ብሓድሽ እንጌራ ኺትካእ ተባሂሉ ኻብ ቅድሚ የሆዋ እተኣልየ እንጌራ ምርኣይ፡ እንጌራ ኣብኡ ስለ ዘይነበረ፡ ነቲ ቕዱስ እንጌራ ሃቦ።+

7 በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ፡ ሓደ ኻብ ገላዉ ሳኦል ኣብኡ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ተቐይዱ ነበረ። ንሱ ዶኤግ+ ዝስሙ ኤዶማዊ+ ኪኸውን ከሎ፡ ሓለቓ ጓሶት ሳኦል ነበረ።

8 ዳዊት ድማ ንኣሒሜሌክ፡ “ኲናት ወይ ሰይፊዶ ምሳኻ ኣሎ፧ ተልእኾ ንጉስ ህጹጽ ስለ ዝነበረ፡ ሰይፈይ ወይ ኣጽዋረይ ኣይተማላእኩን” በሎ። 9 እቲ ኻህን ከኣ፡ “ሰይፊ እቲ ንስኻ ኣብ ስንጭሮ* ኤላህ ዝቐተልካዮ+ ጐልያድ+ ኣብዚ ብዓለባ ተጠቕሊሉ ብድሕሪ እቲ ኤፎድ ኣሎ።+ ኣብዚ ንሱ ጥራይ እዩ ዘሎ እሞ፡ ክትወስዶ እንተ ደሊኻ፡ ውሰዶ” በሎ። ዳዊት ድማ፡ “ከምኡ ዝበለ የልቦን። ሃበኒ” በለ።

10 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ዳዊት ተንሲኡ ኻብ ሳኦል ሃደመ፣+ ናብ ኣኪሽ ንጉስ ጋት+ ከኣ መጸ። 11 ንኣኪሽ ድማ እቶም ገላዉኡ፡ “እዝስ ዳዊት፡ ንጉስ እታ ምድሪ ደይኰነን፧ እቲ እናሳዕስዓ፡

‘ሳኦል ኣሽሓቱ ቐተለ፡

ዳዊት ከኣ ኣእላፋቱ’

ኢለን ዝደረፋሉ ደይኰነን፧”+ 12 ዳዊት ከኣ ነዚ ዘረባ እዚ ኣብ ልቡ ኣንበሮ፣ ንኣኪሽ ንጉስ ጋት ድማ ኣዝዩ ፈርሆ።+ 13 ኣብ ቅድሚኦም ከኣ ኣእምሮ ዘይብሉ ብምምሳል፡+ ኣብ መንጎኦም* ከም ዕቡድ ኰነ። ንመዓጹ እቲ ኣፍ ደገ ኸኣ ሓናጠጦ፡ ልዛዩ እውን ብጭሕሙ ጀበብ ይብል ነበረ። 14 ኣኪሽ ድማ ንገላዉኡ፡ “እዚ ሰብኣይ እዚ ዕቡድ ምዃኑ ትርእይዎ ኣለኹም። ስለምንታይ ናባይ ኣምጺእኩምዎ፧ 15 እዚ ኣብ ቅድመይ ኪዓብድ ዘምጻእኩምለይሲ፡ ዕቡዳትዶ ስኢነ እየ፧ እዚዶ ናብ ቤተይ ይኣቱ፧” በሎም።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ