ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ኢሳይያስ 25
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ኢሳይያስ—ትሕዝቶ

      • ህዝቢ ኣምላኽ ዚረኽብዎ ብዙሕ በረኸት (1-12)

        • የሆዋ ዝገበሮ ድግስ ብሉጽ ወይኒ (6)

        • ሞት ኣይኪህሉን እዩ (8)

ኢሳይያስ 25:1

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ናይ ጥንቲ ምኽሪ ዝዀነ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 32:4፣ ነህ 9:33
  • +መዝ 33:11
  • +መዝ 40:5፣ 98:1፣ 107:8፣ 145:1, 4

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/3/2001፡ ገጽ 14

ኢሳይያስ 25:2

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/4/2001፡ ገጽ 12

    1/3/2001፡ ገጽ 14

ኢሳይያስ 25:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 46:10፣ 66:3፣ ህዝ 38:23

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/3/2001፡ ገጽ 14-15

ኢሳይያስ 25:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 46:1፣ ናሆ 1:7፣ ጸፎ 3:12
  • +መዝ 91:1፣ 121:5-7፣ ኢሳ 49:10

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    1/2019፡ ገጽ 6-7

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/3/2001፡ ገጽ 15-16

ኢሳይያስ 25:5

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/3/2001፡ ገጽ 15-16

ኢሳይያስ 25:6

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ምስ ሓተላኡ ዝጸንሐ ወይኒ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 11:9፣ 65:25
  • +መዝ 72:16፣ 85:11, 12፣ ኤር 31:12

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን፡

    1/2017፡ ገጽ 2

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/3/2001፡ ገጽ 16

    1/1/1995፡ ገጽ 30

    1/7/1994፡ ገጽ 6

ኢሳይያስ 25:7

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “መጐልበቢ።”

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኺውሕጦ።”

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/9/2014፡ ገጽ 25፡ 26-27

    15/8/2009፡ ገጽ 6

    1/12/2006፡ ገጽ 11

    15/4/2001፡ ገጽ 12-13

    1/3/2001፡ ገጽ 16-17

    1/1/1995፡ ገጽ 30

ኢሳይያስ 25:8

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኬጥፍኦ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሆሴ 13:14፣ 1ቈረ 15:54፣ 2ጢሞ 1:10፣ ራእ 20:14
  • +ኢሳ 35:10፣ ራእ 7:17፣ 21:4

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/9/2014፡ ገጽ 25-27

    15/8/2009፡ ገጽ 6

    15/4/2001፡ ገጽ 12-13

    1/3/2001፡ ገጽ 17

    1/1/1995፡ ገጽ 30

    ራእይ፡ ገጽ 303

ኢሳይያስ 25:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 25:1
  • +መዝ 37:34፣ 146:5
  • +ሚክ 7:7
  • +መዝ 20:5፣ ጸፎ 3:14, 15

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንየሆዋ ቕረቦ፡ ገጽ 15

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/7/2003፡ ገጽ 10

ኢሳይያስ 25:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 132:13, 14፣ ኢሳ 12:6
  • +ኢሳ 15:1፣ ጸፎ 2:9

ኢሳይያስ 25:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 48:29፣ ያእ 4:6

ሓፈሻዊ

ኢሳ. 25:1ዘዳ 32:4፣ ነህ 9:33
ኢሳ. 25:1መዝ 33:11
ኢሳ. 25:1መዝ 40:5፣ 98:1፣ 107:8፣ 145:1, 4
ኢሳ. 25:3መዝ 46:10፣ 66:3፣ ህዝ 38:23
ኢሳ. 25:4መዝ 46:1፣ ናሆ 1:7፣ ጸፎ 3:12
ኢሳ. 25:4መዝ 91:1፣ 121:5-7፣ ኢሳ 49:10
ኢሳ. 25:6ኢሳ 11:9፣ 65:25
ኢሳ. 25:6መዝ 72:16፣ 85:11, 12፣ ኤር 31:12
ኢሳ. 25:8ሆሴ 13:14፣ 1ቈረ 15:54፣ 2ጢሞ 1:10፣ ራእ 20:14
ኢሳ. 25:8ኢሳ 35:10፣ ራእ 7:17፣ 21:4
ኢሳ. 25:9ኢሳ 25:1
ኢሳ. 25:9መዝ 37:34፣ 146:5
ኢሳ. 25:9ሚክ 7:7
ኢሳ. 25:9መዝ 20:5፣ ጸፎ 3:14, 15
ኢሳ. 25:10መዝ 132:13, 14፣ ኢሳ 12:6
ኢሳ. 25:10ኢሳ 15:1፣ ጸፎ 2:9
ኢሳ. 25:11ኤር 48:29፣ ያእ 4:6
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ኢሳይያስ 25:1-12

ኢሳይያስ

25 ኦ የሆዋ፡ ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ።

ብእምነትን+ ብተኣማንነትን

ካብ ጥንቲ እተዓለመ*+

ዜደንቕ ነገራት ጌርካ ኢኻ እሞ፡+

ልዕል አብለካ፡ ስምካ እውን እውድስ ኣለኹ።

 2 ንኸተማስ ናብ ኵምራ ኣእማን፡

ንእተዓርደት ከተማ ድማ ናብ ዑና ቐይርካያ ኢኻ።

ግምቢ ጓኖት ደጊም ከተማ ኣይኰነትን፣

ከቶ እውን ዳግም ኣይክትህነጽን እያ።

 3 ስለዚ፡ ብርቱዕ ህዝቢ ኬኽብረካ እዩ፣

ከተማ ጨቈንቲ ኣህዛብ ክትፈርሃካ እያ።+

 4 ንትሑትሲ ዕርዲ፡

ንድኻ ብግዜ ጭንቁ ዕርዲ፡+

ካብ ሃጽፊ መዕቈቢ፡

ካብ ዋዒ ጸሓይ መጽለሊ ዄንካዮ ኢኻ።+

ሃፈጽታ ጨቈንቲ ኸምቲ ንመንደቕ ዚወቅዕ ሃጽፊ፡

 5 ከምቲ ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ዘሎ ዋዒ ኪኸውን ከሎ፡

ንያዕያዕታ ጓኖት ተህድኦ ኢኻ።

ከምቲ ዋዒ ብጽላሎት ደበና ዚዝሕል፡

ከምኡ ኸኣ ደርፊ ጨቈንቲ ስቕ ይብል።

 6 የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ኣብዚ ኸረን+ እዚ ንዅሎም ህዝብታት፡

ኣንጕዕ ብዝመልኦ መዓዛታት ዘለዎ መኣዲ፡

ብብሉጽን ብእተጻረየን ወይኒ

ድግስ መዓዛታት ዘለዎ መኣዲ፡+

ድግስ ብሉጽ ወይኒ* ገይሩሎም ኣሎ።

 7 ኣብዚ ኸረን እዚ ነቲ ንዅሎም ህዝብታት ኣጐልቢብዎም ዘሎ መግነዝ፡

ነቲ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣህዛብ እተኣልመ መሸፈኒ* ኼጥፍኦ* እዩ።

 8 ንሞት ንዘለኣለም ኪውሕጦ* እዩ።+

እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ንንብዓት ካብ ኵሉ ገጽ ኪደርዝ እዩ።+

የሆዋ ባዕሉ ተዛሪቡ እዩ እሞ፡

ጸርፊ ህዝቡ ኻብ ኵላ ምድሪ ኼርሕቕ እዩ።

 9 በታ መዓልቲ እቲኣ፡

“እንሆ፡ እዚ ኣምላኽና እዩ!+

ብእኡ ተስፋ ጌርና፣+

ንሱ ኸኣ ኬድሕነና እዩ።+

እዚ የሆዋ እዩ!

ብእኡ ተስፋ ጌርና።

ብድሕነቱ ንተሓጐስን ባህ ይበለናን” ኪብሉ እዮም።+

10 ከመይሲ፡ ኢድ የሆዋ ኣብዚ ኸረን እዚ ኽትዓርፍ እያ፣+

ከምቲ ሓሰር ምስ ኵምራ ድዅዒ ዚርገጽ፡

ሞኣብ ድማ ኣብ ቦታኡ ኺርገጽ እዩ።+

11 ከምቲ ሓምባሲ ኺሕምብስ ከሎ ኣእዳዉ ዚዝርግሕ፡

ኣእዳዉ ናብኡ ኺዝርግሕ፡

ኣእዳዉ ብኽእለት ብምንቅስቓስ ከኣ

ንትዕቢቱ ኼውርዶ እዩ።+

12 ነታ እተዓርደት ከተማ ድማ፡ ምስቲ ጽኑዕ ነዊሕ መካበብያኻ፡

ኬውርዳ እዩ፣

ናብ ምድሪ፡ ናብ ሓመድ ኬውድቓ እዩ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ