ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ህዝቅኤል 1
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ህዝቅኤል—ትሕዝቶ

      • ህዝቅኤል ኣብ ባቢሎን ብዛዕባ ኣምላኽ ራእያት ረኣየ (1-3)

      • ራእይ እቲ ሰማያዊ ሰረገላ የሆዋ (4-28)

        • ህቦብላን ደበናን ሓውን (4)

        • ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራት (5-14)

        • ኣርባዕተ መንኰርኰር (15-21)

        • ከም በረድ ዜብለጭልጭ ጠፈር (22-24)

        • ዝፋን የሆዋ (25-28)

ህዝቅኤል 1:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 3:15
  • +2ነገ 24:12, 14

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 23፡ 31

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/6/1998፡ ገጽ 15

ህዝቅኤል 1:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 36:9, 10

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 31

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/6/1998፡ ገጽ 15

    “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ፣” ኤር-ሚል፡ ገጽ 6

ህዝቅኤል 1:3

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ትርጉሙ፡ “ኣምላኽ የበርትዕ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 22:25
  • +ህዝ 3:14

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 30፡ 48-49

    “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ፣” ኤር-ሚል፡ ገጽ 6

ህዝቅኤል 1:4

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “በርቅን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 19:11
  • +ዘጸ 19:18፣ መዝ 97:2, 3
  • +ህዝ 8:2

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 30

ህዝቅኤል 1:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 10:9, 15፣ ራእ 4:6

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 43

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/7/2007፡ ገጽ 12

ህዝቅኤል 1:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 6:2፣ ህዝ 10:20, 21፣ ራእ 4:8

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 43፡ 238

ህዝቅኤል 1:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዳን 10:5, 6

ህዝቅኤል 1:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 10:11, 15

ህዝቅኤል 1:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 17:10፣ ምሳ 28:1
  • +ምሳ 14:4
  • +እዮ 39:27, 29
  • +ህዝ 10:14, 15፣ ራእ 4:7

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 43፡ 238

ህዝቅኤል 1:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 6:2

ህዝቅኤል 1:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 103:20፣ እብ 1:7, 14

ህዝቅኤል 1:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዳን 7:9, 10

ህዝቅኤል 1:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 10:9-13፣ ራእ 4:7

ህዝቅኤል 1:16

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማዕረ ዝሰንጣቒቱ ኽልተ መንኰርኰር ብቕኑዕ ኵርናዕ ሓደ ኣብ ውሽጢ ሓደ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል።

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 36-37

ህዝቅኤል 1:17

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 37

ህዝቅኤል 1:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ምሳ 15:3፣ ዘካ 4:10

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 37

ህዝቅኤል 1:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 10:15-17

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 40

ህዝቅኤል 1:20

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “እቲ መንፈስ እቶም ህያዋን ፍጡራት።”

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 38-39

ህዝቅኤል 1:21

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 38-39

ህዝቅኤል 1:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 10:1

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 38-39

ህዝቅኤል 1:23

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ትኽ ኢለን ተዘርጊሐን” ኪኸውን ይኽእል።

ህዝቅኤል 1:24

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 29:3፣ ህዝ 43:2፣ ራእ 14:2

ህዝቅኤል 1:26

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 24:10፣ መዝ 96:6፣ ህዝ 10:1
  • +1ነገ 22:19፣ መዝ 99:1፣ ኢሳ 6:1፣ ራእ 4:2
  • +ዳን 7:9

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 33፡ 39

ህዝቅኤል 1:27

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 8:2
  • +ዘዳ 4:24፣ መዝ 104:1, 2

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 39-40

    ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)፡

    ቍ. 6 2016፡ ገጽ 4

ህዝቅኤል 1:28

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ራእ 4:3
  • +ዘጸ 24:16, 17፣ ህዝ 8:4

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    11/2022፡ ገጽ 4

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 39-40

    ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)፡

    ቍ. 6 2016፡ ገጽ 4

ሓፈሻዊ

ህዝ. 1:1ህዝ 3:15
ህዝ. 1:12ነገ 24:12, 14
ህዝ. 1:22ዜና 36:9, 10
ህዝ. 1:3ኤር 22:25
ህዝ. 1:3ህዝ 3:14
ህዝ. 1:41ነገ 19:11
ህዝ. 1:4ዘጸ 19:18፣ መዝ 97:2, 3
ህዝ. 1:4ህዝ 8:2
ህዝ. 1:5ህዝ 10:9, 15፣ ራእ 4:6
ህዝ. 1:6ኢሳ 6:2፣ ህዝ 10:20, 21፣ ራእ 4:8
ህዝ. 1:7ዳን 10:5, 6
ህዝ. 1:9ህዝ 10:11, 15
ህዝ. 1:102ሳሙ 17:10፣ ምሳ 28:1
ህዝ. 1:10ምሳ 14:4
ህዝ. 1:10እዮ 39:27, 29
ህዝ. 1:10ህዝ 10:14, 15፣ ራእ 4:7
ህዝ. 1:11ኢሳ 6:2
ህዝ. 1:12መዝ 103:20፣ እብ 1:7, 14
ህዝ. 1:13ዳን 7:9, 10
ህዝ. 1:15ህዝ 10:9-13፣ ራእ 4:7
ህዝ. 1:18ምሳ 15:3፣ ዘካ 4:10
ህዝ. 1:19ህዝ 10:15-17
ህዝ. 1:22ህዝ 10:1
ህዝ. 1:24መዝ 29:3፣ ህዝ 43:2፣ ራእ 14:2
ህዝ. 1:26ዘጸ 24:10፣ መዝ 96:6፣ ህዝ 10:1
ህዝ. 1:261ነገ 22:19፣ መዝ 99:1፣ ኢሳ 6:1፣ ራእ 4:2
ህዝ. 1:26ዳን 7:9
ህዝ. 1:27ህዝ 8:2
ህዝ. 1:27ዘዳ 4:24፣ መዝ 104:1, 2
ህዝ. 1:28ራእ 4:3
ህዝ. 1:28ዘጸ 24:16, 17፣ ህዝ 8:4
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ህዝቅኤል 1:1-28

ህዝቅኤል

1 ኣብ መበል 30 ዓመት፡ ኣብ ሓምሸይቲ መዓልቲ እታ ራብዐይቲ ወርሒ፡ ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ጥቓ ፈለግ ኬባር+ ዝነበሩ ምሩኻት+ ከለኹ፡ ሰማያት ተኸፍተ፡ ኣነ እውን ራእያት ኣምላኽ ረኣኹ። 2 ኣብ ሓምሸይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ፡—ማለት፡ ኣብ ሓምሸይቲ ዓመት ምርኮ ንጉስ ዮያኪን፡+— 3 ቃል የሆዋ ናብ ህዝቅኤል* ወዲ ቡዚ እቲ ኻህን፡ ኣብ ጥቓ ፈለግ ኬባር፡ ኣብ ምድሪ ከለዳውያን መጸ።+ ኣብኡ ኸኣ ኢድ የሆዋ ኣብ ልዕሊኡ መጸት።+

4 ክጥምት ከለኹ ድማ፡ ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ+ ካብ ሰሜን ኪመጽእ ረኣኹ፣ ብብሩህ ብርሃን እተኸብበ ዓብዪ ደበናን ማሕማሕ ዚብል ሓውን*+ ነበረ፣ ካብ ማእከል እቲ ሓዊ ኸኣ ከም ሕዋስ ወርቅን ብሩርን+ ዝበለ ነበረ። 5 ኣብ ውሽጡ ድማ ከም ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራት ዝበሉ ነበሩ፣+ ትርኢት ነፍሲ ወከፎም ከኣ ንሰብ ይመስል ነበረ። 6 ነፍሲ ወከፍ ኣርባዕተ ገጽን ኣርባዕተ ኽንፍን ነበሮ።+ 7 ኣእጋሮም ትኽ ዝበለ ነበረ፣ ከብዲ እግሮም ከም ናይ ምራኽ ነበረ፣ ከም ምንጽብራቕ እተወልወለ ነሓሲ ኸኣ የብርሁ ነበሩ።+ 8 ኣብ ኵሉ ኣርባዕተ ሸነኽ፡ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፎም፡ ኣእዳው ሰብ ነበሮም፣ ኣርባዕቲኦም ድማ ገጽን ክንፍን ነበሮም። 9 ኣኽናፎም ንሓድሕደን ይተናኸያ ነበራ። ኪኸዱ ኸለዉ፡ ኣይጥወዩን ነበሩ፣ ነፍሲ ወከፎም ትኽ ኢሎም ንቕድሚት ይኸዱ ነበሩ።+

10 ገጾም ከኣ ከምዚ ይመስል ነበረ፦ ኣርባዕቲኦም ድማ ነፍሲ ወከፎም ገጽ ሰብ፡ ብየማኖም ከኣ ገጽ ኣንበሳ፡+ ብጸጋሞም እውን ገጽ ብዕራይ+ ነበሮም፣ ኣርባዕቲኦም ድማ ነፍሲ ወከፎም ገጽ ንስሪ+ ነበሮም።+ 11 ገጾም ከኣ ከምኡ ነበረ። ኣኽናፎም ድማ ኣብ ልዕሊኦም ተዘርጊሐን ነበራ። ነፍሲ ወከፎም ንሓድሕደን ዚተናኸያ ኽልተ ኽንፍን ንሰብነቶም ዚሽፍና ኽልተ ኽንፍን ነበራኦም።+

12 ነፍሲ ወከፎም ትኽ ኢሎም ንቕድሚኦም ይኸዱ፡ ናብቲ እቲ መንፈስ ኪኸድዎ ዘበሎም ኣቢሎም ከኣ ይኸዱ ነበሩ።+ ኪኸዱ ኸለዉ፡ ኣይጥወዩን ነበሩ። 13 ትርኢት እቶም ህያዋን ፍጡራት ድማ ከም ጕሁር ጓህሪ ሓዊ ነበረ፣ ከም ፋናታት ብሩህ ሓዊ ዝበለ ነገር ከኣ ኣብ መንጎ እቶም ህያዋን ፍጡራት ናብዝን ናብትን ይመላለስ ነበረ፣ ካብቲ ሓዊ እውን በርቂ ይወጽእ ነበረ።+ 14 እቶም ህያዋን ፍጡራት ኪኸዱን ኪምለሱን ከለዉ ድማ፡ እቲ ምንቅስቓሶም ትርኢቱ ኸም በርቅታት ነበረ።

15 ነቶም ህያዋን ፍጡራት ክጥምቶም ከለኹ፡ ኣብ ጥቓ ነፍሲ ወከፍ እቶም ኣርባዕተ ዝገጾም ህያዋን ፍጡራት ሓደ መንኰርኰር ኣብ ምድሪ ነበረ።+ 16 ትርኢት እቲ መንኰራዅርን ኣሰራርሓኡን ከም ክሪሶሊት ዜንጸባርቕ ነበረ፣ ኣርባዕቲኡ ኸኣ ይመሳሰል ነበረ። ትርኢቱን ኣሰራርሓኡን ድማ ሓደ መንኰርኰር ኣብ ውሽጢ ሓደ መንኰርኰር ከም ዘሎ ይመስል ነበረ።* 17 ምስ ዚንቀሳቐስ፡ ኪኸይድ ከሎ ኸይተጠውየ፡ ብዝዀነ እቲ ኣርባዕተ ኣንፈት ኪኸይድ ይኽእል ነበረ። 18 ዕንክሊላቱ ኸኣ ኣዝዩ ነዊሕ ብምዃኑ ዜፍርህ ነበረ፣ ናይ ኣርባዕቲኡ ዕንክሊላት ኣብ ዙርያኡ ኣዒንቲ መሊእዎ ነበረ።+ 19 እቶም ህያዋን ፍጡራት ኪንቀሳቐሱ ኸለዉ፡ እቲ መንኰራዅር ምሳታቶም ይንቀሳቐስ ነበረ፣ እቶም ህያዋን ፍጡራት ካብ ምድሪ ኺልዓሉ ኸለዉ፡ እቲ መንኰራዅር እውን ይልዓል ነበረ።+ 20 ናብቲ እቲ መንፈስ ኪኸድዎ ዘበሎም፡ ናብቲ እቲ መንፈስ ዝኸዶ ኣቢሎም ይኸዱ ነበሩ። እቲ ኣብቶም ህያዋን ፍጡራት ዚዓዪ መንፈስ* ኣብቲ መንኰራዅር እውን ነበረ እሞ፡ እቲ መንኰራዅር ምሳታቶም ይልዓል ነበረ። 21 እቲ ኣብቶም ህያዋን ፍጡራት ዚዓዪ መንፈስ ኣብቲ መንኰራዅር እውን ነበረ እሞ፡ ኪንቀሳቐሱ ኸለዉ፡ ይንቀሳቐስ ነበረ፣ ደው ኪብሉ ኸለዉ ድማ፡ ደው ይብል ነበረ፣ ካብ ምድሪ ኺልዓሉ ኸለዉ ኸኣ፡ እቲ መንኰራዅር ምሳታቶም ይልዓል ነበረ።

22 ኣብ ልዕሊ ኣራእስ እቶም ህያዋን ፍጡራት ከኣ፡ ከምቲ ኸም መስተንክር በረድ ዜብለጭልጭ ጠፈር ዚመስል፡ ኣብ ልዕሊ ኣራእሶም ተዘርጊሑ ነበረ።+ 23 ኣብ ትሕቲ እቲ ጠፈር ድማ፡ ኣኽናፎም ሓንቲ ምስታ ኻልእ፡ ትኽ ኢለን* ነበራ። ነፍሲ ወከፎም ንሓደ ሸነኽ ሰብነቶም ንምሽፋን ክልተ ኽንፊ፡ ነቲ ኻልእ ሸነኽ ንምሽፋን እውን ክልተ ኽንፊ ነበሮም። 24 ደሃይ ኣኽናፎም ክሰምዕ ከለኹ፡ ከም ደሃይ ብርቱዕ ማያት፡ ከም ደሃይ እቲ ዅሉ ዚኽእል ነበረ።+ ኪንቀሳቐሱ ኸለዉ፡ ከም ደሃይ ሰራዊት ነበረ። ደው ኪብሉ ኸለዉ፡ ንኣኽናፎም የውርድወን ነበሩ።

25 ኣብ ልዕሊ እቲ ጠፈር፡ ኣብ ልዕሊ ኣራእሶም፡ ድምጺ ነበረ። (ደው ኪብሉ ኸለዉ፡ ንኣኽናፎም የውርድወን ነበሩ።) 26 ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ልዕሊ ኣራእሶም ዝነበረ ጠፈር፡ ከም እምኒ ሰፊሮስ ዚመስል ነበረ፣+ እዚ እውን ዝፋን ዚመስል ነበረ።+ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝፋን ከኣ ትርኢቱ ሰብ ዚመስል ተቐሚጡ ነበረ።+ 27 ካብቲ ማዕጥቖኡ ዚመስል ኣትሒዙ ንላዕሊ ድማ ከም ሕዋስ ወርቅን ብሩርን ዜንጸባርቕ ነገር፡+ ከም ሓዊ ዝበለ ኺወጽእ ረኣኹ፣ ካብ ማዕጥቖኡ ንታሕቲ ኸኣ ከም ሓዊ ዚመስል ነገር ረኣኹ።+ ኣብ ዙርያኡ ድማ ብርሃን ነበረ፣ 28 ንሱ እውን ከምቲ ብመዓልቲ ዝናም ኣብ ደበና ዚኸውን ቀስተ ደበና ነበረ።+ ትርኢት እቲ ኣብ ዙርያ ዝነበረ ብሩህ ብርሃን ከምኡ ነበረ። ከም ትርኢት ክብሪ የሆዋ ነበረ።+ ምስ ረኣኽዎ ኸኣ፡ ብገጸይ ወደቕኩ፡ ድምጺ ዚዛረብ እውን ሰማዕኩ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ