ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ኢሳይያስ 37
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ኢሳይያስ—ትሕዝቶ

      • ህዝቅያስ ብኢሳይያስ ኣቢሉ ኻብ የሆዋ ረድኤት ደለየ (1-7)

      • ሰናክሪብ ንየሩሳሌም ኣስግኣ (8-13)

      • ጸሎት ህዝቅያስ (14-20)

      • ኢሳይያስ ምላሽ ኣምላኽ ኣመሓላለፈ (21-35)

      • ሓደ መልኣኽ 185,000 ኣሶራውያን ቀተለ (36-38)

ኢሳይያስ 37:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 19:1-4

ኢሳይያስ 37:2

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 26:22፣ ኢሳ 1:1

ኢሳይያስ 37:3

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ጸርፍን።”

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ናብ ኣፍ ማሕጸን መጺኦምሲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 26:17, 18

ኢሳይያስ 37:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 17:45፣ 2ነገ 18:28, 35
  • +2ነገ 17:18
  • +2ዜና 32:20፣ መዝ 50:15፣ ዮኤ 2:17

ኢሳይያስ 37:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 19:5-7

ኢሳይያስ 37:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 18:17
  • +ዘዳ 20:1

ኢሳይያስ 37:7

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኣብኡ መንፈስ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ምሳ 21:1
  • +2ዜና 32:21፣ ኢሳ 37:37, 38

ኢሳይያስ 37:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 10:29, 30፣ 2ነገ 8:22፣ 19:8-13

ኢሳይያስ 37:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 18:17

ኢሳይያስ 37:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 32:15

ኢሳይያስ 37:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 17:5, 6፣ 2ዜና 32:13፣ ኢሳ 10:11

ኢሳይያስ 37:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 36:19
  • +ዘፍ 11:31

ኢሳይያስ 37:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 17:24፣ ኢሳ 36:19

ኢሳይያስ 37:14

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ዘርግሓ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 19:14-19

ኢሳይያስ 37:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 8:30፣ 2ዜና 6:20፣ 20:9፣ ዳን 9:3

ኢሳይያስ 37:16

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “መንጎ” ኪኸውን ይኽእል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 46:7፣ ኢሳ 8:13

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መወከሲታት ደብተር ኣኼባ፡ 9/2022፡ ገጽ 9

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/7/1996፡ ገጽ 9

ኢሳይያስ 37:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 6:40፣ መዝ 65:2
  • +2ዜና 16:9፣ 1ጴጥ 3:12
  • +ኢሳ 37:4

ኢሳይያስ 37:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 15:29፣ 16:8, 9፣ 1ዜና 5:26

ኢሳይያስ 37:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 10:11
  • +ኢሳ 40:19፣ 41:7፣ ኤር 10:3፣ ሆሴ 8:6፣ ግብ 17:29

ኢሳይያስ 37:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 32:31, 39፣ መዝ 83:18፣ 96:5

ኢሳይያስ 37:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 19:20, 21

ኢሳይያስ 37:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 19:4, 16
  • +2ነገ 18:30, 35፣ ኢሳ 10:12, 13
  • +ዘጸ 15:11፣ 2ነገ 19:22-24፣ ኢሳ 10:20፣ ህዝ 39:7

ኢሳይያስ 37:24

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነቲ ናቱ ሕሩይ ኣእዋም ተርሚን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 32:17
  • +ኢሳ 10:10, 11

ኢሳይያስ 37:25

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንመትረባት ኒል።”

ኢሳይያስ 37:26

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ተገይሩ።”

  • *

    ወይ፡ “ሰሪሐዮ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 33:11፣ ኢሳ 46:10
  • +ኢሳ 55:10, 11
  • +2ነገ 19:25, 26

ኢሳይያስ 37:28

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ምሳ 5:21፣ 15:3፣ እብ 4:13
  • +2ነገ 19:27, 28

ኢሳይያስ 37:29

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 46:6፣ ኢሳ 10:15፣ 37:23
  • +ኢሳ 36:4, 20
  • +መዝ 32:9

ኢሳይያስ 37:30

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ ንህዝቅያስ።

  • *

    ወይ፡ “ዝባለገ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 19:29-31

ኢሳይያስ 37:31

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 1:9፣ 10:20, 21

ኢሳይያስ 37:32

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 19:4
  • +ኢሳ 59:17፣ ዮኤ 2:18፣ ዘካ 1:14, 15

ኢሳይያስ 37:33

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 10:24
  • +2ዜና 32:22፣ ኢሳ 10:32
  • +2ነገ 19:32-34

ኢሳይያስ 37:35

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 32:27፣ 1ሳሙ 12:22፣ 2ነገ 20:6፣ ህዝ 36:22
  • +1ነገ 15:4
  • +ኢሳ 31:5

ኢሳይያስ 37:36

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 19:35-37፣ 2ዜና 32:21

ኢሳይያስ 37:37

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 10:8, 11፣ ዮና 1:2
  • +2ነገ 19:7, 28

ኢሳይያስ 37:38

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ቤተ መቕደስ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 32:21
  • +ዘፍ 8:4
  • +እዝ 4:1, 2

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/4/2003፡ ገጽ 11

ሓፈሻዊ

ኢሳ. 37:12ነገ 19:1-4
ኢሳ. 37:22ዜና 26:22፣ ኢሳ 1:1
ኢሳ. 37:3ኢሳ 26:17, 18
ኢሳ. 37:41ሳሙ 17:45፣ 2ነገ 18:28, 35
ኢሳ. 37:42ነገ 17:18
ኢሳ. 37:42ዜና 32:20፣ መዝ 50:15፣ ዮኤ 2:17
ኢሳ. 37:52ነገ 19:5-7
ኢሳ. 37:62ነገ 18:17
ኢሳ. 37:6ዘዳ 20:1
ኢሳ. 37:7ምሳ 21:1
ኢሳ. 37:72ዜና 32:21፣ ኢሳ 37:37, 38
ኢሳ. 37:8እያ 10:29, 30፣ 2ነገ 8:22፣ 19:8-13
ኢሳ. 37:92ነገ 18:17
ኢሳ. 37:102ዜና 32:15
ኢሳ. 37:112ነገ 17:5, 6፣ 2ዜና 32:13፣ ኢሳ 10:11
ኢሳ. 37:12ኢሳ 36:19
ኢሳ. 37:12ዘፍ 11:31
ኢሳ. 37:132ነገ 17:24፣ ኢሳ 36:19
ኢሳ. 37:142ነገ 19:14-19
ኢሳ. 37:151ነገ 8:30፣ 2ዜና 6:20፣ 20:9፣ ዳን 9:3
ኢሳ. 37:16መዝ 46:7፣ ኢሳ 8:13
ኢሳ. 37:172ዜና 6:40፣ መዝ 65:2
ኢሳ. 37:172ዜና 16:9፣ 1ጴጥ 3:12
ኢሳ. 37:17ኢሳ 37:4
ኢሳ. 37:182ነገ 15:29፣ 16:8, 9፣ 1ዜና 5:26
ኢሳ. 37:19ኢሳ 10:11
ኢሳ. 37:19ኢሳ 40:19፣ 41:7፣ ኤር 10:3፣ ሆሴ 8:6፣ ግብ 17:29
ኢሳ. 37:20ዘዳ 32:31, 39፣ መዝ 83:18፣ 96:5
ኢሳ. 37:212ነገ 19:20, 21
ኢሳ. 37:232ነገ 19:4, 16
ኢሳ. 37:232ነገ 18:30, 35፣ ኢሳ 10:12, 13
ኢሳ. 37:23ዘጸ 15:11፣ 2ነገ 19:22-24፣ ኢሳ 10:20፣ ህዝ 39:7
ኢሳ. 37:242ዜና 32:17
ኢሳ. 37:24ኢሳ 10:10, 11
ኢሳ. 37:26መዝ 33:11፣ ኢሳ 46:10
ኢሳ. 37:26ኢሳ 55:10, 11
ኢሳ. 37:262ነገ 19:25, 26
ኢሳ. 37:28ምሳ 5:21፣ 15:3፣ እብ 4:13
ኢሳ. 37:282ነገ 19:27, 28
ኢሳ. 37:29መዝ 46:6፣ ኢሳ 10:15፣ 37:23
ኢሳ. 37:29ኢሳ 36:4, 20
ኢሳ. 37:29መዝ 32:9
ኢሳ. 37:302ነገ 19:29-31
ኢሳ. 37:31ኢሳ 1:9፣ 10:20, 21
ኢሳ. 37:322ነገ 19:4
ኢሳ. 37:32ኢሳ 59:17፣ ዮኤ 2:18፣ ዘካ 1:14, 15
ኢሳ. 37:33ኢሳ 10:24
ኢሳ. 37:332ዜና 32:22፣ ኢሳ 10:32
ኢሳ. 37:332ነገ 19:32-34
ኢሳ. 37:35ዘዳ 32:27፣ 1ሳሙ 12:22፣ 2ነገ 20:6፣ ህዝ 36:22
ኢሳ. 37:351ነገ 15:4
ኢሳ. 37:35ኢሳ 31:5
ኢሳ. 37:362ነገ 19:35-37፣ 2ዜና 32:21
ኢሳ. 37:37ዘፍ 10:8, 11፣ ዮና 1:2
ኢሳ. 37:372ነገ 19:7, 28
ኢሳ. 37:382ዜና 32:21
ኢሳ. 37:38ዘፍ 8:4
ኢሳ. 37:38እዝ 4:1, 2
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
  • 32
  • 33
  • 34
  • 35
  • 36
  • 37
  • 38
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ኢሳይያስ 37:1-38

ኢሳይያስ

37 ንጉስ ህዝቅያስ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ክዳውንቱ ቐዲዱ ማቕ ተኸድነ፡ ናብ ቤት የሆዋ ድማ ኣተወ።+ 2 ነቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ቤተ ሰብ* ሓላፍነት እተዋህቦ ኤልያቂምን ንሸብና እቲ ጸሓፍን ንዓበይቲ ኻህናትን ማቕ ተኸዲኖም ናብ ነብዪ ኢሳይያስ+ ወዲ ኣሞጽ ኪኸዱ ሰደዶም። 3 ንሳቶም ከኣ ከምዚ በልዎ፦ “ህዝቅያስ ከምዚ ይብል፦ ‘እዛ መዓልቲ እዚኣ መዓልቲ ጭንቅን መግናሕትን* ውርደትን እያ፣ ሕጻናት ኪውለዱ ኢሎም ነይሮምሲ፡* ንምውላድ ግና ሓይሊ ተሳኢኑ።+ 4 ምናልባት የሆዋ ኣምላኽካ፡ ቃላት እቲ ጐይታኡ ንጉስ ኣሶር ነቲ ህያው ኣምላኽ+ ኬባጭወሉ ዝለኣኾ ራብሳቀ ሰሚዑ ይኸውን፣ በቲ የሆዋ ኣምላኽካ ዝሰምዖ ቓላት ድማ ተሓታቲ ይገብሮ ይኸውን። እምበኣር፡ ምእንቲ እዚ ዝተረፈ ተረፍ+ ጸሎት ኣዕርግ።’”+

5 እቶም ገላዉ ንጉስ ህዝቅያስ ከኣ ናብ ኢሳይያስ ከዱ።+ 6 ኢሳይያስ ድማ ከምዚ በሎም፦ “ንጐይታኹም ከምዚ በልዎ፦ ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “በቲ ገላዉ ንጉስ ኣሶር+ ኪጸርፉኒ ዝሰማዕካዮ ቓላት ኣይትፍራህ።+ 7 እንሆ፡ ኣብ ኣእምሮኡ ሓሳብ* ከእቱ እየ፣ ንሱ ኸኣ ወረ ሰሚዑ ናብ ምድሩ ኺምለስ እዩ፣+ ኣብ ምድሩ ድማ ብሰይፊ ኸውድቖ እየ።”’”+

8 እቲ ራብሳቀ ኸኣ ንጉስ ኣሶር ካብ ላኪሽ ከም ዝነቐለ ምስ ሰምዐ፡ ናብኡ ተመልሰ፡ ምስ ሊብና ኺዋጋእ ድማ ረኸቦ።+ 9 ንጉስ ድማ ብዛዕባ ቲርሃቃ ንጉስ ኢትዮጵያ፡ “ኪዋግኣካ ወጺኡ ኣሎ” ኺብሃል ሰምዐ። እዚ ምስ ሰምዐ፡ መሊሱ ናብ ህዝቅያስ+ ከምዚ ኢሉ ልኡኻት ለኣኸ፦ 10 “ንህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኸምዚ በልዎ፦ ‘እቲ እትእመኖ ኣምላኽካ፡ “የሩሳሌም ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ኣይክትውሃብን እያ” ኢሉ ኣየታልልካ።+ 11 እንሆ፡ ነገስታት ኣሶር ንዅለን ሃገራት ብምጥፋእ ዝገበርወን ሰሚዕካዮ ኣለኻ።+ ንስኻ በይንኻዶ ኽትናገፍ ኢኻ፧ 12 ኣማልኽቲ እቶም ኣቦታተይ ዘጥፍእዎም ኣህዛብዶ ኣናጊፎምዎም እዮም፧+ ጎዛንን ካራንን+ ሬጸፍን እቶም ኣብ ቴል-ኣሳር ዝነበሩ ህዝቢ ኤደንን ኣበይ ኣለዉ፧ 13 ንጉስ ሓማትን ንጉስ ኣርጳድን ንጉስ ከተማታት ሰፋርዋዪምን+ ሄናዕን ዒዋህንከ ኣበይ ኣለዉ፧’”

14 ህዝቅያስ ድማ ነተን ደብዳበታት ካብ ኢድ እቶም ልኡኻት ተቐቢሉ ኣንበበን። ህዝቅያስ ከኣ ናብ ቤት የሆዋ ደዪቡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘርግሐን።*+ 15 ህዝቅያስ ድማ ናብ የሆዋ+ ኸምዚ ኢሉ ጸለየ፦ 16 “ኦ ኣብ ልዕሊ* ኪሩቤል ኣብ ዝፋን እትቕመጥ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡+ ኣምላኽ እስራኤል፡ ንስኻ በይንኻ ናይ ኵለን መንግስትታት ምድሪ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኢኻ። ንሰማያትን ንምድርን ንስኻ ኢኻ ጌርካዮ። 17 ኦ የሆዋ፡ እዝንኻ ኣድንን እሞ ስማዕ።+ ኦ የሆዋ፡ ኣዒንትኻ ኽፈት እሞ ርአ።+ ሰናክሪብ ነቲ ህያው ኣምላኽ ንምብጫው ዝለኣኾ ዅሉ ቓላት ስማዕ።+ 18 ኦ የሆዋ፡ ነገስታት ኣሶር ንዅለን ሃገራትን ንምድሮምን ከም ዘባደሙስ ሓቂ እዩ።+ 19 ንኣማልኽቶም እውን ናብ ሓዊ ደርብዮምዎም እዮም፣+ ከመይሲ፡ ንሳቶም ብኢድ ሰብ እተሰርሑ ዕንጨይትን እምንን እዮም እምበር፡ ኣማልኽቲ ኣይኰኑን።+ ስለዚ እዮም ዘጥፍእዎም። 20 ሕጂ ግና፡ ኦ የሆዋ ኣምላኽና፡ ኵለን መንግስትታት ምድሪ ንስኻ በይንኻ ኣምላኽ ከም ዝዀንካ ምእንቲ ኺፈልጣስ፡ ኦ የሆዋ፡ ካብ ኢዱ ኣድሕነና።”+

21 ሽዑ፡ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ናብ ህዝቅያስ ከምዚ ኢሉ ለኣኸ፦ “የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፦ ‘ብዛዕባ ሰናክሪብ ንጉስ ኣሶር ናባይ ስለ ዝጸለኻ፡+ 22 እቲ የሆዋ ኣንጻሩ እተዛረቦ ቓል እዚ እዩ፦

“ድንግል ጓል ጽዮን ንዒቓትካን ኣላጊጻትልካን።

ጓል የሩሳሌም ርእሳ ነቕኒቓትልካ።

23 ንመን ኢኻ ዘባጨኻሉን+ ዝጸረፍካዮን፧

ንመን ኢኻ ድምጽኻ ዓው ዘበልካሉ፧+

ንመንከ ኢኻ እተን ዕቡያት ኣዒንትኻ ዘልዓልካሉ፧

ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ኢኻ።+

24 ብገላዉኻ ንየሆዋ ኸምዚ ኢልካ ኣባጪኻሉ፦+

‘ብብዙሓት ሰረገላታተይ

ናብ ልዑል ኣኽራን፡

ናብ ግሉል ክፋላት ሊባኖስ ክድይብ፡+

ነቲ ነዋሕቲ ቄድሮሳቱ፡ ነቲ ሕሩይ ጽሕድታቱ* ክቘርጽ፡

ናብቲ ዝለዓለ መዕቈቢኡ፡ ናብቲ ፈራዪ ዱሩ ኸኣ ክኣቱ እየ።

25 ዒላታት ኵዒተ ማያት ክሰቲ፡

ንርባታት* ግብጺ ኸኣ ብኸብዲ እግረይ ከንቅጾ እየ።’

26 ኣይሰማዕካን ዲኻ፧ ካብ ጥንቲ ተወሲኑ* እዩ።

ካብ ቀደም ኣዳልየዮ* እየ።+

ሕጂ ኸምጽኦ እየ።+

ንእተዓርዳ ኸተማታት ኵምራታት ዑና ኽትገብረን ኢኻ።+

27 ነበርተን ድማ ረዳኢ ኣልቦ ኪዀኑ እዮም፣

ኪሽበሩን ኪሓፍሩን እዮም።

ከም ኣትክልቲ መሮር፡ ከም ለምለም ሳዕሪ፡

ከምቲ ብንፋስ ምብራቕ ዝሓረረ ሳዕሪ ናሕሲ ኪዀኑ እዮም።

28 ኣነ ግና መዓስ ከም እትቕመጥን እትወጽእን እትኣቱን፡+

መዓስ ከኣ ከም እትንድረለይ ኣጸቢቐ እፈልጥ እየ፣+

29 ከመይሲ፡ እቲ ዝነደርካለይን+ ዝጨደርካለይን ናብ ኣእዛነይ በጺሑ እዩ።+

ስለዚ፡ ዓንቃሪቦይ ኣብ ኣፍንጫኻ፡+ ልጓመይ ድማ ኣብ መንጎ ኸናፍርካ ኽገብር፡

በታ ዝመጻእካላ መገዲ ኸኣ ክመልሰካ እየ።”

30 “‘እዚ ድማ ንዓኻ* ምልክት ይኹንካ፦ ኣብዛ ዓመት እዚኣ ባዕሉ ዝበቘለ፡* ኣብታ ኻልአይቲ ዓመት ከኣ ባልጋ ኽትበልዕ ኢኻ፣ ኣብ ሳልሰይቲ ዓመት ግና ክትዘርኡን ክትዓጽዱን፡ ኣታኽልቲ ወይኒ ተኺልኩም ድማ ፍሪኡ ኽትበልዑ ኢኹም።+ 31 እቶም ካብ ቤት ይሁዳ ዘምለጡ ተረፍ፡+ ናብ ታሕቲ ሱር ኪሰድዱ፡ ናብ ላዕሊ ኸኣ ፍረ ኺፈርዩ እዮም። 32 ከመይሲ፡ ካብ የሩሳሌም ተረፍ፡ ካብ ከረን ጽዮን ድማ ዝደሓኑ ኺወጹ እዮም።+ ቅንኣት የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ነዚ ኺገብሮ እዩ።+

33 “‘ስለዚ፡ የሆዋ ብዛዕባ ንጉስ ኣሶር ከምዚ ይብል፦+

“ናብዛ ኸተማ እዚኣ ኣይኪኣቱን፡+

ኣብኣ ድማ ፍላጻ ኣይኪውርውርን፡

ብዋልታ መኪቱ ኸኣ ኣይኪገጥመላን፡

ዕርዲ ኸበባ እውን ኣይኪዅምረላን እዩ።”’+

34 ‘በታ ዝመጸላ መገዲ ኺምለስ እዩ፣

ናብዛ ኸተማ እዚኣ እውን ኣይኪኣቱን እዩ’ ይብል የሆዋ።

35 ‘ነዛ ኸተማ እዚኣ ድማ ምእንታይን+

ምእንቲ ዳዊት ጊልያይን+ ኢለ ኽከላኸለላን+ ከድሕናን እየ።’”

36 መልኣኽ የሆዋ ኸኣ ወጺኡ፡ ኣብ ሰፈር ኣሶራውያን 185,000 ሰባት ቀተለ። ንግሆ ኣንጊሆም ምስ ተንስኡ፡ ንዅሉ እቲ ሬሳታት ረኣይዎ።+ 37 ሽዑ፡ ሰናክሪብ ንጉስ ኣሶር ነቒሉ ናብ ነነዌ ተመልሰ፡+ ኣብኣ እውን ተቐመጠ።+ 38 ኣብ ቤት* ኒስሮክ ኣምላኹ ኺሰግድ ከሎ ኸኣ፡ ደቁ ኣድራመለክን ሻሬጽርን ብሰይፊ ቐተልዎ፣+ ናብ ምድሪ ኣራራት ድማ ኣምለጡ።+ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ኤሳር-ሓዶን ነገሰ።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ