ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ዘፍጥረት 39
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ዘፍጥረት—ትሕዝቶ

      • ዮሴፍ ኣብ ቤት ጶጢፋር (1-6)

      • ዮሴፍ ንሰበይቲ ጶጢፋር ኣበያ (7-20)

      • ዮሴፍ ኣብ ቤት ማእሰርቲ (21-23)

ዘፍጥረት 39:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 105:17፣ ግብ 7:9
  • +ዘፍ 37:36
  • +ዘፍ 17:20፣ 37:25

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/11/2014፡ ገጽ 12-13

ዘፍጥረት 39:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሮሜ 8:31፣ እብ 13:6

ዘፍጥረት 39:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 30:27

ዘፍጥረት 39:6

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/11/2014፡ ገጽ 13

ዘፍጥረት 39:7

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/11/2014፡ ገጽ 13-14

ዘፍጥረት 39:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 2:24፣ 20:3, 6፣ መዝ 51:ልዕለ ጽሑፍ፣ 51:4፣ ማር 10:7, 8፣ እብ 13:4

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    8/2022፡ ገጽ 26-27

    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!፡ ትምህርቲ 41

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    11/2018፡ ገጽ 25-26

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    9/2017፡ ገጽ 4-5

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/11/2014፡ ገጽ 14

    1/11/2013፡ ገጽ 9

    15/2/2013፡ ገጽ 4

    15/10/2007፡ ገጽ 23-24

    15/6/2006፡ ገጽ 28-29

    15/1/2004፡ ገጽ 29

    1/12/2003፡ ገጽ 20

    1/11/2000፡ ገጽ 9-10

    1/9/1998፡ ገጽ 5

    15/10/1997፡ ገጽ 29

ዘፍጥረት 39:10

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/6/2015፡ ገጽ 16

    1/11/2014፡ ገጽ 14

ዘፍጥረት 39:12

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!፡ ትምህርቲ 41

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/11/2014፡ ገጽ 14

ዘፍጥረት 39:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 105:17, 18

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/11/2014፡ ገጽ 14-15

ዘፍጥረት 39:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 40:2, 3፣ መዝ 105:19፣ ግብ 7:9

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/2/2015፡ ገጽ 12

    1/11/2014፡ ገጽ 15

    15/5/2002፡ ገጽ 14-17

ዘፍጥረት 39:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 39:6

ዘፍጥረት 39:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 49:22, 25፣ ግብ 7:9, 10

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    1/2023፡ ገጽ 16

ሓፈሻዊ

ዘፍ. 39:1መዝ 105:17፣ ግብ 7:9
ዘፍ. 39:1ዘፍ 37:36
ዘፍ. 39:1ዘፍ 17:20፣ 37:25
ዘፍ. 39:2ሮሜ 8:31፣ እብ 13:6
ዘፍ. 39:5ዘፍ 30:27
ዘፍ. 39:9ዘፍ 2:24፣ 20:3, 6፣ መዝ 51:ልዕለ ጽሑፍ፣ 51:4፣ ማር 10:7, 8፣ እብ 13:4
ዘፍ. 39:20መዝ 105:17, 18
ዘፍ. 39:21ዘፍ 40:2, 3፣ መዝ 105:19፣ ግብ 7:9
ዘፍ. 39:22ዘፍ 39:6
ዘፍ. 39:23ዘፍ 49:22, 25፣ ግብ 7:9, 10
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ዘፍጥረት 39:1-23

ዘፍጥረት

39 ንዮሴፍ ከኣ ናብ ግብጺ ኣውረድዎ፣+ ጶጢፋር ዚብሃል ኣገልጋሊ ቤተ መንግስቲ ፈርኦንን ሓለቓ ዘብዐኛታትን ዝነበረ ግብጻዊ+ ድማ ካብ ኢድ እቶም ናብኡ ዘውረድዎ እስማኤላውያን+ ዓደጎ። 2 የሆዋ ግና ምስ ዮሴፍ ነበረ።+ ስለዚ፡ ዕዮኡ ቐንዓሉ፣ ኣብ ቤት እቲ ግብጻዊ ጐይታኡ ድማ ሓላፍነት ተዋህቦ። 3 ጐይታኡ ኸኣ፡ የሆዋ ምስኡ ኸም ዘሎን ንሱ ዝገበሮ ዘበለ ዅሉ የሆዋ ኸም ዜቕንዓሉን ረኣየ።

4 ዮሴፍ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ሞገስ ይረክብ ነበረ፣ ብሕታዊ ኣገልጋሊኡ እውን ኰነ። ኣብ ልዕሊ ቤቱ ኸኣ ሸሞ፣ ዘለዎ ዅሉ ድማ ኣብ ኢዱ ሃቦ። 5 ኣብ ልዕሊ ቤቱን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ዘለዎን ካብ ዝሸሞ ግዜ ጀሚሩ፡ የሆዋ ምእንቲ ዮሴፍ ኢሉ ንቤት እቲ ግብጻዊ ባረኻ፣ ኣብ ቤትን ኣብ መሮርን ኣብ ዝነበረ ዅሉ ጥሪቱ በረኸት የሆዋ ነበረ።+ 6 ዘለዎ ዅሉ ድማ ኣብ ኢድ ዮሴፍ ኣሕሊፉ ሃቦ፣ ብዘይካ እታ ዚበልዓ እንጌራ፡ ዋላ ሓንቲ ኣይሓስብን ነበረ። ዮሴፍ ከኣ ጽቡቕ ዝቕርጹን መልክዐኛን ኰነ።

7 ድሕሪ እዚ ነገር እዚ፡ ሰበይቲ ጐይታኡ ንዮሴፍ ዓይና ኸተውድቐሉን “ምሳይ ደቅስ” ክትብሎን ጀመረት። 8 ንሱ ግና ኣበየ፣ ንሰበይቲ ጐይታኡ ድማ፡ “እንሆ፡ ጐይታይ ኣብ ቤቱ ምሳይ እንታይ ከም ዘሎ ኣይፈልጥን እዩ፣ ዘለዎ ዅሉ ድማ ኣብ ኢደይ ሂቡኒ እዩ። 9 ኣብዛ ቤት እዚኣ ኻባይ ዚዓቢ የልቦን፣ ሰበይቱ ስለ ዝዀንኪ ድማ፡ ብዘይካኽስ ገለ እኳ ኣይከልኣንን። ከመይ ገይረ ደኣ እዚ ዓብዪ ኽፍኣትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከኣ ሓጢኣትን ክገብር እኽእል፧” በላ።+

10 መዓልቲ መዓልቲ ንዮሴፍ ትዛረቦ ነበረት፣ ንሱ ግና ምስኣ ኺድቅስ ወይ ምስኣ ኺጸንሕ ፍቓደኛ ኣይኰነን። 11 ግናኸ፡ ሓደ መዓልቲ ዕዮኡ ኺገብር ናብ ቤት ምስ ኣተወ፡ ኣብታ ቤት ካብ ገላዉ እታ ቤት ዋላ ሓደ ኣይነበረን። 12 ሽዑ፡ ብኽዳኑ ኣጽኒዓ ሒዛ፡ “ምሳይ ደቅስ” በለቶ። ንሱ ግና ክዳኑ ኣብ ኢዳ ሓዲጉ፡ ናብ ግዳም ሃደመ። 13 ክዳኑ ኣብ ኢዳ ሓዲጉ ናብ ግዳም ከም ዝሃደመ ምስ ረኣየት፡ 14 ኣእውያ ንሰብ ቤታ ጸዊዓ፡ “እንሆ፡ መስሓቕ ኪገብረናስ፡ ነዚ እብራዊ እዚ ኣምጺኡልና። ንሱ ድማ ምሳይ ኪድቅስ ናባይ መጸ፣ ኣነ ኸኣ ዓው ኢለ ኣእወኹ። 15 ድምጸይ ዓው ኣቢለ ኸም ዘእወኹ ምስ ሰምዐ፡ ክዳኑ ሓዲጉ ናብ ግዳም ሃዲሙ” በለቶም። 16 ጐይታኡ ናብ ቤቱ ኽሳዕ ዚመጽእ ድማ፡ ነቲ ኽዳኑ ምስኣ ኣንበረቶ።

17 ከምዚ ዘረባ እዚ ኢላ ኸኣ ነገረቶ፦ “እቲ ዘምጻእካልና እብራዊ ጊልያ፡ መስሓቕ ኪገብረኒ ናባይ መጺኡ። 18 ድምጸይ ዓው ኣቢለ ምስ ኣእወኹ፡ ክዳኑ ሓዲጉለይ ናብ ግዳም ሃዲሙ።” 19 ጐይታኡ ኸኣ፡ ሰበይቱ፡ “ጊልያኻ ኸምዚ ገይሩኒ” ኢላ ዝነገረቶ ዘረባ ምስ ሰምዐ፡ ቍጥዓኡ ነደደ። 20 ጐይታ ዮሴፍ ድማ ወሲዱ ናብ ቤት ማእሰርቲ፡ ናብታ እቶም እሱራት ንጉስ ዚእሰሩላ ቦታ፡ ኣእተዎ፣ ኣብኣ ኸኣ ኣብታ ቤት ማእሰርቲ ነበረ።+

21 የሆዋ ግና ምስ ዮሴፍ ነበረ፣ ብተኣማንነት ከኣ የፍቅሮ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ እቲ ሓለቓ ቤት ማእሰርቲ ድማ ሞገስ ይህቦ ነበረ።+ 22 እቲ ሓለቓ ቤት ማእሰርቲ ኸኣ ንዮሴፍ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብታ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ ዅሎም እሱራት ሸሞ፣ ኣብኡ ዚገብርዎ ዘበለ ዅሉ፡ ኣብ ትሕቲኡ ይግበር ነበረ።+ 23 የሆዋ ምስ ዮሴፍ ነበረ፡ ዚገብሮ ዘበለ እውን የሆዋ የቕንዓሉ ነበረ እሞ፡ እቲ ሓለቓ ቤት ማእሰርቲ በቲ ኣብ ኢድ ዮሴፍ ዝነበረ ብገለ እኳ ኣይሓልን ነበረ።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ